ኣብ መዓስከራት ሱዳን ዝርከቡ ተጋሩ ናብ መረበቶም ክምለሱ ሓቲቶም

ምንጪ ስእሊ, FB
ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ስደተኛታት ናብ መረበቶም ምዕራብ ትግራይ ክምለሱ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
እቶም ስደተኛታት ነቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ደማዊ ኵናት ስዒቡ፡ ካብ ምዕራብ ትግራይ ሂወቶም ንምድሓን ናብ ሱዳን ዝተሰደዱ እዮም።
እቶም ስደተኛታት ትማሊ ኣብ ዘካየዱዎ ሰልፊ "ናብ ዓድና ምለሱና"፣ "ህጻናት ዓድና ናፊቕና" . . . ዝብሉን ካልኦት ጭርሖታትን የስምዑ ነይሮም።
ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኡምራኩባ እትርከብ መንእሰይ ንግስቲ ገብረዋህድ ቅድሚ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ደማዊ ኩናት ተመሃሪት ኮሌጅ እያ ነይራ።
ኲናት ትግራይ ብሕዳር 2020 እንትውላዕ ንሳ ኣብ ከተማ ሑመራ፡ ስድርኣ ድማ ኣብ ዳንሻ ነይሮም።
ድሕሪ እቲ ኲናት ግን ሃንደበት ስድራ ኣብ ክልተ ተመቒሉ፤ ንሳ ህይወታ ንምድሓን ናብ ሱዳን ክትስደድ እንከላ፡ ስድራኣ ድማ ናብ ካልኦት ከባብታት ትግራይ ተመዛቢሎም።
“ኣብ ስደት ከፊኡና፤ መሪሩናን ከፊኡናን’ዩ ዘሎ። ኣነ ንርእሰይ ካብ ስድራይ ተፈልየ ኣብ ሕማቕ እየ ዘለኹ፤ ዘለናሉ ቦታ ደጋፊ ዘይብሉ ሕማቕ ቦታ እዩ። ጥምየት’ውን ኣሎ” ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
እዞም ኣብ መዓስከራት፡ ተነድባ፣ ኡምራኩባን ሓሸባን ዝርከቡ ተጋሩ ናብ መረበቶም ክምለሱን ንቡር ሂወቶም ክጅምሩን ክምሕጸኑ ጸኒሖም'ዮም።
እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ዝነበረ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ 2022 [ኣ.ኣ] ኣብ መንጐ ህወሓትን መንግስቲ ፈደራልን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕሪቶሪያ ብዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ደው ከም ዝበለ ይፍለጥ።
እቲ ስምምዕ፡ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ፈደራል ወጻኢ ዝዀኑ ኣብቲ ኲናት ክሳተፉ ዝጸንሑ ሓይልታት ኣምሓራን ወጻኢን ካብ ትግራይ ክወጽኡን ተመዛበልቲ ናብ ንቡር ህይወቶም ክምለሱን ይጠልብ።
እንተዀነ፡ እቶም ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ኣብ ስሩዕን ዘይስሩዕን መዕቈቢታት ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ፡ መንግስቲ ፌደራል ኰነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ "ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶሪያ" ናብ መረበትና ክመልሱና ኣይክኣሉን ዝብሉ ቅርታታት የስምዑ ኣለው።
ምዕራብ ትግራይ፡ ካብቶም መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ሕቶ ይግብኣኒ ዘልዕለሎም ከባቢታት ትግራይ ሓደ ኰይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እቲ ክልልን ሓይልታቱን ከም ዝርከብ ይግለጽ።
በዚ ምኽንያት፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ኣብ ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለን፡ ዓድግራት፡ ኣክሱም፡ ዓቢይ ዓዲ፡ ሽረን ካልኦት ከተማታትን እቲ ክልል ዝተፈላለየ ሕቶታት ዘልዓለ ሰላማዊ ሰልፊታት ከም ዝተኻየደ ይዝከር።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መዓስከር ተነድባ ምስ ክልተ ደቁን በዓልቲ ቤቱን ዝነብር ዘሎ ኣቶ ኣስማረ ኣዳል መረበትና ካልኦት እናነበርሉ ንሕና ኣብ ሕሰም ክንነብር ክሳብ መዓዝ ክብል? ይሓትት።
“መሬትና ብወረርቲ ተታሒዙ እናተሓረሰ ንሕና ኣብ ዓመታት ረድኤት ተጸበይቲ ክንከውን ኣይግብኣናን። መንግስቲ ፌደራል ኣብ ቦታና ዘለው ሓይልታት ከውጽኣልና ኣለዎ፤ ማሕበረሰብ ዓለም’ውን እቲ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብሙሉእነት ተፈጺሙ ናብ መረበትና ለክንምለስ ክገብር ኣለዎ፤ ምስ ደቅና ክንራኸብ ንደሊ ኢና" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሰንኪ እቲ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ዝበልዐን፡ ሚልየናት ዘመዛበለን ደማዊ ኩናት ሓድሕድ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝሒ ኣብ ሱዳን ዝተዓቆቡ ተጋሩ ስደተኛታት ኣስታት 75 ሽሕ ከም ዝግመት ጸብጻባት የመልክቱ።
እዞም ስደተኛታት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሱዳን ዝተወልዐ ውግእ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ከም ዝርከብ ኣብ ቀረባ እዋን ቢቢሲ ኣብ ዝሰርሖ ጸብጻብ ገሊጾም ነይሮም።
ኣብተን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተጋሩ ስደተኛታት ኣዕቝበን ዝርከባ መዓስከራት ኡምራኩባ፡ ተነድባን ሓሸባን ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት ገዲፈሞም ከም ዝኸዱ ዝገልጹ ኰይኖም፡ ኣብዚ እዋን ክትትልን ሓገዝን ዝገብረሎም ብዘይምህላዉ፡ ኣብ ሕሰም ከም ዝርከቡ ይዛረቡ።
እቶም ትካላት ረድኤት ካብ ዝወጽኡ ንድሓር፡ዝረኽቡዎ ዝነበረ ኣገልግሎት ጥዕና ከም ዝተቛረጸ፣ ኣደታት ኣብ ዝወልዳኦ ተሸጊረን፣ ከም ሽኮር፡ ቲቢ፡ ኤችኣይቪ ዝኣመሰለ ሕዱር ሕማም ዘለዎም ሰባት ዝበልዕዎ መግብን ቀረብ መድሃኒትን ስለ ዘይብሎም ኣብ ዝኸፍአን ዝሓመቐን ምህላዎም ሓቢሮም እዮም።
ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ተወሊዑ ዘሎ ውግእ ብውሑዱ ሸሞንተ ኢትዮጵያውያን ከም ዝተቐተሉን ካልኦት ኣርባዕተ ከም ዝቘሰሉን ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ከም ዘፍለጠ ይዝከር።
ቅድሚ ሒደት ሰሙናት፡ ንጉዳይ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ተጋሩ ስደተኛታት ኣመልኪቱ ዘዘራረብናዮ ኣባል ካቢኔ ሰክሬታርያት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ፡ እቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ህዝቢ ንምድሓን ዓቕሚ ከም ዘድልን ሓገዝ (ቅሩብነት) መንግስቲ ፈደራል ከም ዝጠልብን ኣመልኪቱ ነይሩ።
"ከም ዝፍለጥ፡ ምስ መንግስቲ ፈደራል ካብ ምዝርራብ ሓሊፍካ፡ ብተግባር ከቢድ ነገር እዩ። ይትረፍ ካብ ሃገር ወጺኦም ኣብ ሱዳን ንዘለዉ፡ ኣብ ትግራይ ንዘለዉ ናብ ቦታኦም ክንመልሶም ጸገም ገጢሙና'ሎ። ኣብ ዝዀነ ከባቢ ዘሎ ትግራዋይ ኣብ ጸገም ክወድቕ ኣይግባኦን፡ ግን እዚኣ’ውን ሓገዝ መንግስቲ ፈደራል ትሓትት እያ” ኢሉ እዩ።
ኣብ ሱዳን ዘሎ ትግራዋይ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብዝተፈጠረ ጸገም’ዩ ወጺኡ ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ "ናብ መረበቶም ክምለሱ እንተዀይኖም፡ እታ መፍትሒት ሓንቲ እያ። ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘለዉ ሓይልታት ኣምሓራን መሻርኽቱን ክወጽኡ ኣለዎም ብምባል፡ እቲ ፍታሕ ኣብ ኢድ መንግስቲ ፌደራል ከም ዝዀነ ኣአንፊቱ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
