ማንቸስተር ሲቲ ንፈለማ ግዜ ሻምፕዮንስ ሊግ ተዓዊታ

ማን ሲቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብ መዛዘሚ ጸወታ ሻምፕዮንስ ሊግ፡ ማንቸስተር ሲቲ ኣንጻር ኢንተር ሚላን 1 ብ 0 ድሕሪ ምዕዋታ፡ ንነዊሕ እዋን ዋንጫ ሻምፕዮንስ ሊግ ንምውሳድ ዝነበራ ሕልሚ፡ ጋህዲ ክትገብር ክኢላ።

ነዚ ስዒቡ ማንቸስተር ሲቲ ኣብዚ ዓመት ሰለሰት ዋንጫ ተዓዊታ እያ።

ኣቐዲማ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝን ኤፍ.ኤ ካፕን ዝዓተረት ሲቲ፤ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ 1999 ዝረኸበቶ ዓወት ክትደግሞ ክኢላ እያ።

ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ጸወታ እታ እንኮ ኣገዳሲት ሸቶ ኣብ መበል 68 ደቒቕ ብሮድሪ ዝተመዝገበት እያ።

ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ጸዋታ፡ ኬቨን ዲ ብሩይን ብመጉዳእቲ ምውጽኡ ኣብ መንጎ ተጻወትቲ ሲቲ ስክፍታ ፈጢሩ ነይሩ።

ንሓያል መስመር ምክልኻል ኢንተር ከፍርሱ’ውን ክጽገሙ ተራእዮም።

ሲቲ ዝጸንሐ ብቕዓታ ክተርእይ’ኳ እንተዘይከኣለት፡ ኣብ መወዳእታ ግን ሕልማ ጋህዲ ኰይኑ ኣሎ።

ጋርድዮላ ቅድሚ ሕጂ ክልተ ግዜ ምስ ባርሴሎና ሻምፕዮንስ ሊግ ተዓዊቱ እዩ።

ሕጂ ተጻወትቲ ሲቲ ስሞም ኣብ ታሪኽ ተጻሒፉ ኣሎ።

ማንቸስተር ሲቲን ጋርድዮላን ብሓባር ሻምፕዮንስ ሊግ ንምዕዋት ብዙሕ ጻዕሪ ገይሮም እዮም።

ሲቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ናብ መዛዘሚ ጸወታ ሻምፕዮንስ ሊግ ክትበጽሕ ክኢላ ነይራ። እንተዀነ ብቸልሲ ተሳዒራ ሕልማ ክተሳኽዕ ኣይከኣለትን። ተጻወታ’ውን ክበኽዩ ከም ዝተረኣዩ ይዝከር።

ተጻወትቲ ሲቲ ትማሊ ቐዳም ምሸት እውን ክበኽዩ ተራእዮም፤ ሕጂ ግን ናይ ሓጎስ ንብዓት እዩ ነይሩ።