እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንመበል ሻዱሻይ ግዚኡ ቃል ኪዳን ዝኣስር ዘሎ ወዲ 92 ዓመት ዉሩይ ዋና ሚድያታት
ዋና ብርክት ዝበሉ ማዕከናት ዜና ዝዀነ በዓል ሃብቲ ሮበርት ሙርዶክ፡ ምስታ ንኣዋርሕ ብፍቕሪ ሓቢሩዋ ዝጸንሐ ኣፍቃሪቱ ቃለ ኪዳን ኣሲሩ።
ወዲ 92 ዓመት ሙርዶክ፡ ምስ ጓል 67 ዓመት ሩስያዊት ክኢላ 'ሞሎኪዩላር ባዮሎጂ' ዝዀነት ኤሌና ዡኮቫ ብሓባር ጸኒሑ።
መርዕኦም፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ካሊፎርኒያ ኣብ ዝርከብ ኣዝዩ ሰሓቢ ሰውሒን ኣዳራሽን ክፍጸም ትጽቢት ይግበር።
እዞም ፍቑራት እንተተመርዕዮም ድማ፡ ሓሙሽተ ግዜ ቃል ኪዳን ዝኣሰረ ሙርዶክ ንሻዱሻይ ግዜ ክምርዖ’ዩ ማለት’ዩ።
ነዚ ሓበሬታ ዘቃልሐ ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ፡ እቲ መርዓ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝካየድ ኰይኑ፡ ዕዱማት ናይ ዕድመ ወረቐት በጺሑዎም ኣሎ።
ኣብ ኣውስትራሊያ ዝተወልደ ሙርዶክ፡ ብ2023፡ ምስ ኣን ሌዝሊ ስሚዝ ቃል ኪዳን ኣሲሩ እንከሎ’ዩ ምስታ ናይ ሕጂ ሕጽይቱ ፍቕራዊ ርክብ ዝጀመረ።
ሙርዶክ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ኣቦመንበርነት እቲ ፎክስ ኤንድ ኒውስ ኮርፕ ዝተባህለ ትካሉ ወሪዱ።
እዞም መጻምዲ፡ ሙርዶክ ዕዱም ናይ ቀደም ሰበይቱ ዝዀነት ቻይናዊት ዌንዲ ዲንግ ኰይኑ ኣብ ዝኸደሉ ቦታ’ዮም ተራኺቦም።
ኣውትራሊያዊት ኣሳሳይት በረራ ፓትሪሺያ ቡከር፣ ስኮትላንዳዊት ጋዜጠኛ ኣና ማን፣ ዴንግን ኣሜሪካዊት ሞዴል ከምኡ’ውን ተዋሳኢት ጄሪ ሆልን ናይ ቀደም ኣንስቲ ሙርዶክ’የን።
እታ ናይ ሕጂ ሕጽይቱ ዡኮብ፡ ቅድሚ ሕጂ ምስ ሩስያዊ ቢልየነር ነዳዲ ኣሌክሳንደር ዡኮቭ ሓዳር ገይራ ነይራ።
ጓሎም ዳሻ ድማ፡ በዓልቲ ቤት ዋና ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ቼልሲ ዝነበረ ሮማን ኢብራሞቪች ነይራ።
ሮበርት ሙርዶክ ብ1969 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ጋዜጣታት ብሪጣኒያ ዝዀኑ ኒውስ ኦፍ ዘዎርልድን ዘ ሰንን ብምግዛእ’ዩ ናብ ናይ ሚዲያ ዓለም ተጸንቢሩ።
ናብ ኣሜሪካ ብምምጻእ ድማ፡ ዘ ኒው ዮርክ ፖስትን ዎል ስትሪት ጆርናልን ብምግዛእ ነቲ ዕዳጋ ተቘጻጺሩዎ።
ብ1996 ክኣ ፎክስ ኒውስ መስሪቱ። ፎክስ ኒውስ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣሜሪካ ቁጽሪ ሓደ ተመልከትቲ ዘለውዎ ማዕከን ዜና እዩ።
ሙርዶክ፡ ኣብ 2013 ኒውስ ኮርፕ ዝተባህለ ዓብዪ ትካል ከቕውም እንከሎ፡ ዋና ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሃገራውን ዓለምለኻውን ማዕከናት ዜና እዩ።
ሙርዶክ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ካብቲ ኣብቲ ትካል ዝነበሮ ስልጣን ብምውራድ ንወዱ ላክላን ኣረኪቡዎ።
ዘ ኒውዮርክ ታይምስ ከም ዝብሎ፡ ሙርዶክ ሓዳሽ ሰበይቲ ምምርዓው ንትካላቱን ንዘለዎ ሃብትን ዝጸሉ ኣይኸውንን። ምኽንያቱ ገንዘቡ ብሽም ኣርባዕተ ደቁ’ዩ ዘሎ።