ምስ ብዓል ሓዳር ጾታዊ ዝምድና ዝነበራ ወይዘሪት ጃፓን ዘውዳ ኣረኪባ

Published

ኣብ ዩክረይን ዝተወልደት ተዓዋቲት ውድድር ጽባቐ ወይዘሪት ጃፓን፡ ምስ ሓደ በዓል ሓዳር ዝነበራ ርክብ ድሕሪ ምቅላዑ ዘውዳ ኣውሪዳ ኣረኪባ።

ጓል 26 ዓመት ካሮሊና ሺኖ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ወይዘሪት ጃፓን ኮይና ዘውዲ ተሸሊማ እኳ እንተነበረት፡ ዓወታ ግን ብሰንኪ መበቆላ ህዝባዊ ክትዕ ኣለዓዒሉ ይርከብ።

ገሊኦም ዘውዲ ምድፋኣ ብሓጎስ ክቕበልዎ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ንባህላዊ ክብርታት ጽባቐ ጃፓን ከምዘይትውክል ገሊጾም።

እቲ ክትዕ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ድማ፡ ሓንቲ ጃፓናዊት መጽሄት፡ ምስ ሓደ ሰብኣይ ፍቕራዊ ርክብ ከም ዝነበራ ዝገልጽ ጽሑፍ ኣሕቲማ።

እቲ ኣብ ሹካን ቡንሹን ዝወጸ ጽሑፍ፡ ሺኖ ምስ ሓደ በዓል ሓዳር ተጽዕኖ ፈጣሪን ሓኪምን ርክብ ከም ዝነበራ ጸብጺቡ። እቲ ሰብኣይ ግን ዛጊት ዝኾነ ርእይቶ ኣይሃበን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ ጸብጻብ ስዒቡ፣ ኣዳለውቲ እቲ ውድድር ኣብ ዝሃብዎ ናይ መጀመርታ መግለጺ፡ ወ/ሪት ሺኖ እቲ ሰብኣይ በዓል ሓዳር ምዃኑ ኣይፈለጠትን ብምባል ተኸላኺሎምላ።

እንተኾነ ኣዳለውቲ ፣ ብዛዕባ ናይቲ ሰብኣይ ሓዳርን ስድራቤትን ትፈልጥ ምንባራን ከምዝተኣመነት ብሰኑይ ገሊጾም።

ንሳ መደናገሪት ብምዃና ይቕሬታ ከምዝሓተተትን፣ ኣዳለውቲ ድማ ነቲ ዘውዲ ዝደፋኣትሉ ሽመት ክቕንጥጦ ከምዝተሰማምዐ ማሕበር ወይዘሪት ጃፓን ኣፍሊጡ።

ሚስ ሺኖ ብተወሳኺ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ንደገፍታን ንሓፋሽ ህዝብን ይቕሬታ ሓቲታ፡ ፈሪሓ መግለጺኣ ከምዝቐየረት ገሊጻ።

"በቲ ዘስዓብክዎ ዓቢ ሽግርን ነቶም ዝደገፉኒ ብምጥላምን ብሓቂ ይሓዝን" ኢላ።

ዋላ'ኳ ሓያሎ ካልኣይቲ ተቐዳደምቲ እንተነበራ፣ ዋንጫ ወይዘሪት ጃፓን ንዝተረፈ ዓመት ባዶ ኮይኑ ክቕጽልዩ።

እቲ ውድድር ቍንጅና ንወይዘሪት ሺኖ ብ22 ጥሪ እዩ ዘውዲ ደፊኡላ። በዚ ድማ እዚ ክብሪ ዝተዋህባ ናይ መጀመርታ ኤውሮጳዊት መበቆል ዘለዋ ሰብ እያ። ሺኖ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ከላ ምስ ኣዲኣ ናብ ጃፓን ቅድሚ ምግዓዛን ሽም ሰባኣይ ኣዲኣ ቅድሚ ምውሳዳን ኣብ ዩክሬን እያ ተወሊዳ።

ቋንቋ ጃፓን ብምልከት ትዛረብን ትጽሕፍን ኮይና፡ ኣብ 2022 ዜጋ እታ ኮይና።

እቲ መዓርግ ምስ ተቐበለት ኣብ መደረኣ "ብዙሕ ግዜ ከም ጃፓናዊ ተቐባልነት ኣይረኸብኩን ነይረ፡ ሎሚ ግን ከም ጃፓናዊ ኣፍልጦ ምርካበይ ምስጋና መሊአ ኣለኹ" ኢላ ነይራ።