ኣመሪካ፡ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ እስራኤል ነብሱ ዘቃጸለ ኣባል ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ሞይቱ

Published

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ኣፍደገ ኤምባሲ እስራኤል ንነብሱ ብሓዊ ዘቃጸለ ኣባል ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ከምዝሞተ ተገሊጹ።

እቲ ፍጻመ ብሰንበት 25 ለካቲት፡ ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት 13:00 እዩ ኣጋጢሙ።

ኣባላት ሓለዋ ፕረዚደንት ኣመሪካ (ሲክረት ሰርቪስ)፡ ነቲ ሰብ ናብ ሆስፒታል ቅድሚ ምውሳዱ ነቲ ሃልሃልታ ኣጥፊኦምዎ። እቲ ፍጻመ ከቢድን ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዘእቱን መጕዳእቲ ከምዘጋጠሞ ክፍሊ መጥፋእቲ ሓዊ እታ ከተማ ሓቢሩ ነይሩ።

ወሃቢት ቃል ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ፡ እቲ ንገዛእ ርእሱ ብሓዊ ዘቃጸለ ሰብኣይ ኣብ ንጡፍ ስራሕ ዝነበረ ኣባል ሓይሊ ኣየር ምዃኑ ምግላጻ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን።

ወዲ 25 ዓመት ኣሮን ቡሽነል፡ ነቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ተካይዶ ዘላ ኲናት ብምቅዋም ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰደ’ዩ ገሊጹ ነይሩ’ዩ።

ክፍሊ ፖሊስ ዋሽንግተን ነቲ ጉዳይ ምስ ምስጢራዊ ኣገልግሎትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ተሓባቢሩ ይምርምር ኣሎ።

ፖሊስ ርእሰ ከተማ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ሓደ ውልቀሰብ ኣብ ቅድሚ ኤምባሲ ንነብሱ ብሓዊ ከምዘቃጸለ ምስተፈለጠ ንሚስጢራዊ ኣገልግሎት ኣመሪካ ንምሕጋዝ" መኮንናት ከምዝተላእኩ ገሊጹ።

እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ እቲ ውልቀሰብ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስደን ኣብኡ ድማ "ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኵነታት" ከምዝነበረን ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ መንእሰይ እናነደደ እንከሎ፡ "ናጻ ፍልስጤም" ኢሉ ክጭርሕ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከምዝተዘርግሐ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ጸብጺበን።

ምስቲ ውልቀሰብ ምትእስሳር ከምዘለዋ እትጥርጠር መኪና ብዝተፈጥረ ስክፍታታት ድማ ሓንቲ ኣሃዱ ጸራጊት ቦምባ ናብቲ ቦታ ተላኢኻ።

ድሒሩ ግን ዋላ ሓንቲ ዘሰክፍ ሓደገኛ ነገር ስለዘይተረኸበ ውሑስ ቦታ ተባሂሉ ተኣዊጁ።

በቲ ፍጻመ ዝዀነ ኣባል ሰራሕተኛ ኤምባሲ ከምዘይተጐድአ ወሃቢት ቃል እቲ ኤምባሲ ንጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ሓቢራ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ሰብኣይ ብሰራሕተኛታት ኤምባሲ ከምዘይፍለጥ ሓቢሩ።

ኣብ ኣመሪካ ኣብ ቅድሚ ዲፕሎማስያዊ ልኡኽ እስራኤል ሓደ ሰብ ነብሱ ከቃጸል ንመጀመርታ ግዜ ኣይኮነን።

ኣብ ታሕሳስ ሓደ ሰልፈኛ ኣብ ቅድሚ ቆንስል እስራኤል ኣብ ግዝኣት ጆርጅያ ኣመሪካ ንነብሱ ብሓዊ ኣቃጺሉ ከምዝነበረ ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮ እዩ።