ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ብዘንበረቶ እገዳ 400 ቢልየን ዶላር ክትስእን እያ - ቭላድሚር ፑቲን

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ፑቲን፡ ቀንዲ ትካላት ሩስያ ኣብታ ሃገር ምስራሕ ክቕጽሉ'ውን ተማሕጺኑ
Published

ፕረዚደንት ሩስያ፡ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ኣንቢረንኦ ዘለዋ እገዳ “ጽሉልን ዘይተሓሰበሉን’እዩ” ክብል ኮኒኑ።

ንሱ ኣብ ከተማ ሰይንት ፒተርስበርግ ኣብ ሓደ ዋዕላ ኣብ ዘስምዖ ቃል “ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተገበረ ቁጠባዊ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ካብ ፈለምኡ ናይ ምዕዋት ተኽእሎ ዘይብሉ እዩ” ኢሉ።

እቲ ቀይድታት ዝያዳ፡ ነቶም ዘንበርዎም ወገናት ዝጎድእ ምዃኑ’ውን ተዛሪቡ።

ሩስያ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ድሕሪ ምፍጻማ፡ ሃገራት ምዕራብ ንቁጠብአን ብዘይሃሲ መገዲ ንሩስያ ክቐጽዓ ክፍትና ጸኒሐን ኣለዋ።

ኣብቲ ዓመታዊ ዝካየድ ዓለምለኻዊ ቁጠባዊ ዋዕላ ሰይንት ፒተርስበርግ ዝተረኽበ ፕረዚደንት ፑቲን ግና ኣውሮጳዊ ሕብረት ብምኽንያት እቲ ኣንጻር ሩስያ ዝተነበረ እገዳታት ልዕሊ 400 ቢልየን ዶላር ክስእን ከምዝኽእል ሓቢሩ።

ኣብ መላእ 27 ሃገራት እቲ ሕብረት ዝቕባበ ሰማይ ይኣርግ ከምዘሎ ብምግላጽ ከኣ፡ ኣብ ኣውሮጳ እቲ ሓቀኛ ረብሓ ናይ ህዝቢ ተጎስዩ ምህላው ገሊጹ። እንታይ ማለቱ ምዃኑ ግና ኣየነጸሮን።

እንተኾነ ግና ሰብ መዚ ሞስኮ፡ ቁጠባ ሩስያ ብሰንኪ እቲ እገዳታት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከምዘሎ እዮም ክዛረቡ ጸኒሖም።

ኣመሓዳሪት ማእከላይ ባንክ ኤልቪራ ናቢዩሊና፡ ብሰንኪ እቲ ኣህጉራዊ ስጉምትታት “ድምር ጃምላዊ ፍርያት እታ ሃገር ብ 15%” ተጸልዩ ከምዘሎ ሓቢራ።

ንሳ ኣብቲ ብሓሙስ ዋዕላ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ንቡር ናይ ምምላስ ተኽእሎ ትሑት ምዃኑ ሓቢራ።

ኣብታ ሃገር ዝዓበየ ኣለቃሒ ናይ ዝኾነ ስበርባንክ ሓላፊ ብወገኑ ብዓርቢ ኣብ መብርሂ ቁጠባ ሩስያ ኣብ 2021 ናብ ዝነበረሉ ኩነታት ንምምላስ ልዕሊ 10 ዓመታት ክወስድ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

እቲ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ ዓበይቲ ትካላት እታ ሃገር ናብ ሃገራት ወጻኢ የቋምቱ ከምዘለው ዝገልጽ ጸብጻባት ይወጽእ እኳ እንተሎ፡ ፑቲን ግና ተስፋታት ክህቦም ብምፍታን፡ ሕጂ’ውን ማዕጾኡ ንኣውፈርቲ ክፉት ምህላው እዩ ገሊጹ።

“ኣብዚ ኣውፍሩ። እቲ ዝሓሸ ውሕስነት ኣብ ገዛኹም እዩ ዘሎ። እቶም ነዚ ክሰምዑ ዘይደለዩ፡ ኣብ ወጻኢ ሚልዮናት ከሲሮም እዮም፡” ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዩክረይን ቀጺሉ ዘሎ ኲናት ዝተፈጠረ ዓለምለኻዊ ሕጽረት ቀረብ መግቢ ብዝምልከት፡ ሩስያ ንዕዳጋታት ዓለም ዝቐርብ ኣእኻልን ድዅዕን ብልዑል መጠን ክትውስኽ ከምእትኽእል ተዛሪቡ።

ሃገሩ ንቀረብ ምህርቲ እኽሊ ብ50 ሚልዮን ቶን ክብ ናይ ምባል ዓቕሚ ከምዘለዋ’ውን ገሊጹ።

ዩክረይንን ኣብ ቀረብ እኽሊ ዕዳጋታት ዓለም ምስ ሩስያን ኣብ ቅድሚት እትጥቀስ እኳ እንተኾነት ብሰንኪ እቲ ኲናት ወደባት ጸሊም ባሕሪ ተዓጽዩ ብምህላው ክተሰድድ ኣይከኣለትን።  

ብዓርቢ ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ሰቨሮዶነስክ ከቢድ ኲናት ቀጺሉ ውዒሉ።

ወተሃደራት ሩስያ ንከተማታት ሰቨሮዶነስክን ሊስቻንስክን ንምቁጽጻር ንሰሙናት ክፍትኑ ጸኒሖም ኣለው።