ኵነታት ዩክረይን ንዓለማዊ ሕጽረት እኽሊ መመሊሱ የጋድዶ

ዩክረይን፡ እታ ኣውራ ሰዳዲት እኽሊ ንኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን እያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ምሕፋስ ምህርቲ ኣብ ዛፖሪዝዝያ
Published

ሩስያ ንወጻኢ ሃገራት እኽሊ ትሰድድ ከም ዘላ፡ ኣብቲ ዝሓዘቶ ደቡባዊ ግዝኣት መዝነት ዝተዋህቦ ሩስያዊ በዓል ስልጣን ተዛሪቡ።

እዚ ጉዳይ’ዚ ሰበልጣን ዩክረይን፡ “ሩስያ 600,000 ቶን እኽሊ ሰሪቓ ገሊኡ ኸኣ ንደገ ትሰዶ ኣላ፡” ዝብል ክሲ ድሕሪ ምቕራቦም ዝተሰሞዐ ኰይኑ፡ ቢቢሲ ነዚ [ስርቂ] ከጻርዮ ኣይከኣለን ዘሎ።

ሩስያ ዝዀነ እኽሊ ሰሪቓ ዝብል ክሲ ነጺጋቶ’ላ።

ኲናት ሩስያን ዩክረይን ንዋጋታት ነዳዲ፣ እኽልን ዘይቲ ብልዕን ስለዘንሃሮ ኣብ ዓለም ከቢድ ምምዝባል ዕዳጋ ኣኸቲሉ ይርከብ። እቲ ኲናትን ቅልውላውን እንተቐጺሉ ከኣ ካልእ ዝኸፍአ ጸገማት ክኽሰት ከምዝኽእል ክኢላታት ቁጠባ ብተደጋጋሚ ክገልጹ ጸኒሖም ኣለው።

ኣወሃሃዲ ቅልውላው ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣሚን ዓዋድ ካብ ጀነቫ፡ ብሰንኪ ሕጽረት እኽሊ ኣስታት 1.4 ቢልዮን ህዝቢ ክትንከፍን ጃምላዊ ስደት ክስዕብን ከምዝኽእልን ሓቢሩ ነይሩ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት እዋናዊ ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ፕረዚደንት ሰኔጋል መኪ ሳልን ፕረዚደንትረ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝተራኸብሉ ኣጋጣሚ፡ ግዳይ እቲ ግጭት ዝዀና ሃገራት ኣፍሪቃ ሕጽረት እኽልን ድኹዕን  ከምዘጋጠመን ተዘራሪቦምሉ ነይሮም።

ኣብቲ ርክብ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ንኣፍሪቃ እኽልን ድኹዕን ንምስዳድ ቃል ከምዝኣተወ ተገሊጹ ነይሩ። ይዅን እምበር ብዛዕባ ሰደድ እኽሊ ብዝምልከት ሩስያን ዩክረይንን ብኣገልግሎት ወደብን ዕጽዋ ኮሪደር ባሕርን ብቐጻሊ እየን ዝካሰሳ ዘለዋ።

ንማዕከን እኽሊ ‘ታ ዓመታዊ ሚልዮናት ቶናት እኽሊ ናብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ትልእኽ ዝነበረት ዩክረይን ክኽፈት ምግባር ዓለምለኻዊ ህጹጽ ዛዕባ ኰይኑ ኣሎ።

እንተዀነ፡ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ነተን ኣብ ጸሊም ባሕሪ ዝርከባ ወደባት ዩክረይን ሓኒቝ ስለዝሓዘ፡ እዚ ብቐሊሉ ዝከኣል ኣይኰነን። 

ሩስያ ብወገና፡ መተሓላለፊ መስመር ሰደድ እኽሊ ግብራዊ ምእንቲ ክኸውን፡ ዩክረይን ነቲ ብነቶግቲ ሓጺራቶ ዘላ ወሰናስን ማያት ጸሊም ባሕሪ ናጻ ክትገብር ከም ዝግባእ ትጠቅስ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኒውዮርክ ታይምስ፡ ሩስያ ነቲ ዝተሰርቀ ስርናይ ዩክረይን፡ ናብተን ብድርቂ ዝተጠቕዓ ሃገራት ኣፍሪቃ ክትሸጦ ትፈታትን ከም ዘላ ኣሜሪካ ትኸስስ።

ኣሜሪካ፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ግንቦት ኣቢሉ፡ እኽሊ ዝጸዓና መራኽብ ሩስያ ካብ ወደባት ዩክረይን ከም ዝተንቀሳቐሳ ዝገልጽ ብመገዲ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢኣ ኣቢላ ናብ 14 ሃገራት - መብዛሕተአን ሃገራት ኣፍሪቃ - ሓባሪ መልእኽቲ ሰዲዳ ነይራ።

ካርታ ወተሃደራዊ ምዕባለታት ኲናት ሩስያ-ዩክረይን

ሩስያውያን እንታይ ይብሉ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብቲ ሩስያ ተቘጻጺራቶ ዘላ ዞባ ዛፖሪዝዝያ መዝነት ዝተዋህቦ የቭገኒ ባሊትስኪ ከም ዝብሎ፡ እኽሊ ብባቡራት ጽዕነት ኣቢሉ ናብ ክሪሚያ - ሩስያ ኣብ 2014 ዝሓወሰቶ ግዝኣት - ካብኡ ድማ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ከምዝኸደ ገሊጹ።

ንሱ፡ ዋላ’ኳ ዝርዝር ሓበሬታ እንተዘይሃበ "እቶም ቀንዲ ውዕላት ምስ ቱርኪ ይፍጸሙ ኣለው፡" ክብል ንቴለቪዥን ሩስያ ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ሩስያ ኣብ ክረሚያ ዝዀነ ኦሌግ ክሪዩኮቭ፡ 11 ባጐኒታት እኽሊ ካብታ ኣብ ዛፖሪዝዝያ እትርከብ ከተማ መሊቶፖል ናብ ክረሚያ ከም ዝኣተዋ ሓቢሩ።

ንሱ፡ ንኣገልግሎት ዜና ሩስያ - RIA - ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ካብቲ ብሩስያ ዝተጐብጠ ዞባ ኬርሶን፡ እኽሊ ይጓዓዓዝ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።

ቢቢሲ፡ ርእይቶ ንምርካብ ንሰበስልጣን ሩስያ ኣዘራርሪቡ እዩ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ከተማ ኣንካራ ምስ ቱርካዊ መዘናኡ መቭሉት ካቩሶግሉ ብዛዕባ’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው እኽሊ ከም ዝተዘራረበ’ኳ እንተ ተፈልጠ፡ ብዛዕባ ንዝርዝር ትሕዝቶኡ ዝምልከት ግን ዛጊት ዝወጸ ሓበሬታ የለን።

ላቭሮቭ፡ ነቲ ሩስያ ንሰደድ ስርናይ ዩክረይን ሓኒቓ ሒዛቶ’ላ ዝብል ክሲ ብምንጻግ፡ ንማያት ኦዴሳን ካልኦት ወደባትን ካብ ነተጕቲ ምጽራይ ብቐንዱ ሓላፍነት ዩክረይን ምዃኑ የተሓሳስብ።

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቓል፡ ዩክረይን ነቲ ዝበሃል ዘሎ ወሰናስን ከተጽርዮ ኣይትኽእልን እያ፣ ምኽንያቱ “ሩስያ ነቲ ኮሪደር ሰደድ እኽሊ ንደቡባዊ ክፋል ዩክረይን ንምጥቃዕ ክትጥቀመሉ እያ፡” ክብል ዘለዎም ስግኣት ይገልጽ።

ሩስያ ብወገና፡ ጠንቂ ቅልውላው መግቢ ዓለም ኰይኑ ዘሎ ብቐንዱ እቲ ብምዕራባውያን ሃገራት ዝተነብረ ማዕቀብ ምዃኑ እያ ትወቅስ።

እንተዀነ ምዕራባውያን፡ ሩስያ ቀረብ እኽሊ ከም መሳርሒ ኲናት ትጥቀመሉ ምህላዋ እዮም ዝዛረቡ።

ቱርኪ፡ ውሑስ ማያዊ መተሓላለፊ መስመር ንኽፍጠር ክትሽምግል ፈተነታት ትገብር ምህላዋ ተፈሊጡ’ሎ።  

ዩክሬናውያን’ከ እንታይ ይብሉ?

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣምባሳደር ዩክረይን ኣብ ቱርኪ ቫሲል ቦድናር፡ ሩስያ ካብ ክረሚያ ዝተሰርቀ እኽሊ ትልእኽ ከም ዘላን ቱርኪ’ውን ተቐባሊት ምዃና ሓቢሩ።

"ቱርኪ ነቶም እኽሊ ሰሪቘም ዝሸጡ ዘለው ገበነኛታት ደው ከተብሎምን፣ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ክትሕግዘናን ጥርዓን ኣቕሪብና ኢና፡” ከምዝበለ ሮይተርስ ገሊጹ ነይሩ።

ኣቦ መንበር “ማሕበር እኽሊ” ዩክረይን ሚኮላ ጐርባቾቭ፡ ካብ ወደባት ዩክረይን ሰደድ እኽሊ ክቕጽል እንተዘይክኢሉ፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ዝሕፈስ ቀውዒ ምህርቲ ስርናይ ዓቢይ ሃስያ ከም ዘውርደሉ ኣጠንቂቑ።

ሚስተር ሚኮላ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 44.7 ሚልዮን ቶን ዝነበረ ሰደድ ዩክረይን ሎምዘበን ናብ 20 ሚልዮን ቶን ክጐድል ከምዝኽእል ኣመልኪቱ’ሎ።

ስለምንታይ እዩ ግን እዚ ኵነታት ዓለማዊ ሻቕላ ፈጢሩ ዘሎ?

ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን፡ ንዓለማዊ ቀረብን ዋጋን እኽሊ፡ ዘይቲ ብልዕን፡ ነዳድን ብኣሉታ ጸልይዎ እዩ። እገዳታት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ሩስያ’ውን ናይ ገዛእ ርእሱ ተራ ኣለዎ።

ሩስያን ዩክረይንን ዳርጋ ሓደ ሲሶ ንዝኸውን ቀረብ ስርናይ ዓለም ይሽፍና። ኣበርክቶ ዩክረይን ከኣ ዳርጋ 10% ነይሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዩክረይን ኣብ 2019፡ 16% ዕፉንን፡ 42% ዘይቲ ብልዕን ንዕዳጋ ዓለም ተቕርብ ነይራ።

እዚ ኣብ ዩክረይን ኣጋጢሙ ዘሎ ኲናትን ምዕጻው ወደባትን ከምኡ’ውን ሓደ ሓደ ሃገራት ስግኣት ኣሕዲረን ኣእካለን ብምኽዛነን፡ ነተን ውሕስነት ምግቢ ዘይብለን ሃገራት ዓቢ ሕጽረት ፈጢሩ ይርከብ።

ኣብ ሶማልያ ሓላፊ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ፔትሮግ ዊልተን፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓደገኛን ኣዕናውን ደርቂ የጋጥም ከምዘሎ ሓቢሩ። ንሱ፡ "ኣብ ኣርባዕተ ተኸታታሊ ወቕቲ ዝፈሸለ ዝናብ 15 ሚልዮን ሰባት ኣደዳ ጥሜት ኣቃሊዕዎም ኣሎ፤ እዚ ቍጽሪ ድማ ክሳብ መወዳእታ’ዚ ዓመት ናብ 20 ሚልዮን ክበጽሕ ይኽእል’ዩ፡” ክብል ኣጠንቂቑ።