‘‘ገዝሚ ስለዘይብለይ ብዓሰርተታት ሰብኡት ንመርዓ ተነጺገ’’

ጉንጃን ቲዋሪ

ምንጪ ስእሊ, GUNJAN TIWARI

መግለጺ ስእሊ, ጉንጃን ንመርዓ ገዝሚ ኣይከፍልን ዝብል ቅዋም ኣለዋ
Published

ኣብ ህንዲ ካብ 1961 ጀሚሩ ገዝሚ ተኸልኪሉ እዩ፤ እንተኾነ ሕዚ እውን ቤተሰብ መርዓት ንእንዳ መርዓዊ ከም ጥረ ገንዘብ፣ ክዳንን መጋየጺታትን ብመልክዕ ህያብ ይህቡ እዮም።

ኣብዚ ቕነ ሓንቲ ኣብ ከተማ ቦፓል እትነብር ጓል 27 ዓመት መምህር ፡ ፖሊስ ስነ ስርዓት መርዓ ኣብ ዝካየደሎም ቦታታት ክዋፈሩን ነቲ ‘‘ማሕበራዊ እከይ’’ ዝበለቶ ገዝሚ ደው ከብልዎም ዝጽውዕ ድምጺ ተተኣኻኽብ ኣላ።

ጉንጃን ቲዋሪ (ሓቀኛ ሽማ ኣይኮነን) ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ቀንዲ መበገሲኣ ብሰንኪ ገዝሚ ዓሰርተታት ሰብኡት ክምርዓውዋ ፍቓደኛታት ዘይምዃኖም ዝፈጠረላ በሰላ እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት እኳ፡ ወላዲኣ ዝኾና ሰብኣይ እንተረኸብኩላ ኢሉ ንሓደ መንእሰይ ምስ ስድርኡ ናብ ገዝኡ ዓዲምዎም።

ስድራኣን እቶም ኣጋይሽን ኣብ ጥዑም ዕላል ምስ ጸንሑ፡ ጉንጃን ውዑይ ሻህን ቁርስን ሒዛ ናብቲ ዘለዉሉ ክፍሊ ኣተወት፡፡

ነቲ ህሞት ‘‘ዘፍርሕ’’ ክትብል ትዝክሮ።

‘‘ኩሉ ንዓኺ እዩ ዝጥምት፤ ኩሎም እዮም ዝመዝኒኹ’’ ትብል ኣብቲ ብቴሌፎን ዝተገብረ ዕላል።

ጉንጃን ከመይ ናብቶም ኣጋይሽ ትቐርብ ዝብል፡ ብዙሕ ምድላው ተገይሩሉ እዩ፡፡ ኣዲኣ የጸብቐላ'ዩ ዝበለቶ ቆጻል ክዳን መሪጻትላ፤ እቶም ኣጋይሽ ነቲ ዘይተመዓራረየ ኣስናና ከይርእይዎ እውን ብዙሕ ክትስሕቕ ከምዘይብላ መኺራታ።

እንተኾነ እዚ ዝለመደቶ ልምምድ እዩ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሽዱሽተ ግዜ ናብ ቅድሚ ኣጋይሽ ቀሪባ እያ። እቶም ዘቕርብዎም ሕቶታት እውን ተመሳሰልቲ እዮም፡ ብዛዕባ ትምህርታ፣፣ ስራሓን ምግቢ ምብሳል ትኽእል እንተኾይናን።

ቅድሚ ናብቲ ክፍሊ ምእታዋ ስድራኣ ንስድራ እቲ መርዓዊ ክሳብ ከንደይ ዝኸውን ገዝሚ ከምዝጽበዩ ክሓትዎም ሰሚዓ።

‘‘ካብ 5 ሚልዮን ክሳብ 6 ሚልዮን ሩፒ (ካብ 61 ሽሕ ክሳብ 73 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ) ከምዝጽበዩ ክዛረቡ ሰሚዕና፡፡ ኣቦይ ምስ ሓተቶ ‘ጓልካ ጽብቕቲ እንተኾይና ክንቅንሰልካ ኢና’ ክብል ብዳእላ መሊሱሉ’’ ትብል።

መርዓት ህንዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ህንዲ ዋላኳ ገዝሚ ብሕጊ ክልኩል እንተኾነ ብተግባር ግን ደው ኣይበለን

እቲ ወግዒ ምሰቀጸለ፡ ቅናስ ከምዘይገብሩ ተረዲእዋ እዩ፤ እቶም ኣጋይሽ ብዛዕባ እቲ ዘይተመዓራረየ ኣስናናን ኣብ ግንባራ ዘሎ ጸሊም ምልክትን እውን ሓቲቶምዋ።

ድሕሪ ሻሂ ጉንጃን ምስቲ መርዓዊኣ ክኸውን ዝተሓሰበ መንእሰይ፡ ንበይኖም ከውግዑ ዕድል ተዋሂብዋ፤ ብገዝሚ ከምዘይትምርዖ ነጊራቶ።

‘‘እቲ ተግባር ማሕበራዊ እከይ ከምዝኾነ ተሰማሚዑ’’ እትብል ጉንጃን ካብቶም ቅድሚኡ ዝረኣየቶም ዝተፈለየ ከምዝኾነ ክትሓስብ ገይሩዋ።

እንተኾነ እቲ መርዓ ከምዝተነጸገ ክፈልጡ ነዊሕ ኣይወሰደን።

‘‘ኣደይ ነቲ ኣንጻር ገዝሚ ዘለኒ ቅዋም ተሓታቲ ገይራ፡፡ ብኣይ ኮርያ ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ኣየዛረበትንን’’ ትብል።

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ወላዲኣ ‘‘ካብ 100 ክሳብ 150 ዘይተመርዓዉ መንእሰያት ዘለዎም ስድራቤታት’’ ከምዝሓተተን ነቶም ልዕሊ 20 ዝኾኑ ከምዝረኸቦምን እትገልጽ ጉንጃን፡ ዳርጋ ኩሎም ብሰንኪ ገዝሚ ከምዝተፋረሱ ትዝክር።

‘‘ብሰንኪ እዚ ምንጻግ ርእሰ ምትእምማነይ ኣጥፊአ’’ ትብል እታ ብትምህርቲ ሒሳብ ናይ ማስተርስ ዲግሪ ዘለዋ ጉንጃን።

‘‘ብርትዓውነት እንተሓስብ፡ ዝጎደለ ነገር ዘለኒ ኣነ ኣይኮንኩን፡ እቲ ጸገም ምስቶም ደለይቲ ገዝሚ እዩ ዘሎ። ኩሉ ሻብ ግን ንስድራቤተይ ዕዳ ከምዝኾንኩ እዩ ዝርደኣኒ።’’

ዋላ እኳ ንልዕሊ 60 ዓመታት ገዝሚ ምሃብን ምቕባልን ዘይሕጋዊ ተባሂሉ እንተተወሰነ፡ ልዕሊ 90 ምኢታዊት መርዓታት ህንዲ ገዝሚ ዘጠቓልሉ ከምዝኾኑ ኣብ ቀረባ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ይሕብር።

ስድራ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሓተትዎ ገዝሚ ንምምላእ ብዙሕ ይልቅሑን መሬቶም ይሸጡን፤ ዋላኳ እተን መርዑት ሕጉስ ህይወት ከምዝህልወን መረጋገጺ እንተዘይኮነ።

ሃገራዊ ማእከል ምዝገባ ገበናት ህንዲ ከምዝሕብሮ ካብ 2017 ክሳብ 2022 ኣቆጽጻራ ኣውሮጳ፡ 35 ሽሕን 493 ደቂ ኣንስትዮ መርዑ፡ ብማእከላይ መዓልታዊ 20፡ እኹል ገዝሚ ብዘይምምጸአን ተቐቲለን።

ገዝሚ ካልእ ምኽንያት ናይቲ ኣብ ህንዲ ዘሎ ዘይተመጣጠነ በዝሒ ደቂ ኣንስትዮን ተባዕትዮን ከምዝኾነ እውን ጎስጎስቲ ይገልጹ።

ጽብጻብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝኽብሮ፡ ኣብታ ሃገር ዓመታዊ ኣስታት 400 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ጥንሲ ይንጸላ። እቶም ስድራቤታት እተን ደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ገዝሚ ከሕትታና እየን ብምባል እዮም ጾታ እቲ ጥንሲ ምስተፈለጠ ከምዝንጸል ዝገብሩ።

ጉንጃን ኣብቲ ናብ ሓላፊ ፖሊስ ከተማ ቦፓል ዘቕረበቶ ጥርዓን፡ እቲ ቀንዲ መፍትሒ ፖሊስ መርዓታት እናፈተሹ ነቶም ገዝሚ ዝህቡን ዝቕበሉን ምእሳር እዩ ትብ። ኣብዚ ሓገዝ ክገብር ነቲ ሓላፊ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ረኺባ ኣዘራሪባቶ እያ።

ጉንጃንን ሓላፊ ፖሊስ ቦፓልን

ምንጪ ስእሊ, GUNJAN TIWARI

መግለጺ ስእሊ, ጉንጃን ሓላፊ ፖሊስ ቦፓል ኣብ ምቅላስ ገዝሚ ሓገዝ ክገብር ረኺባ ኣዘራሪባቶ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ዝሚ ማሕበራዊ እከይ እዩ፡ ደው ክነብሎ ድማ ውፉያት ኢና’’ ዝብል እቲ ሓላፊ ፖሊስ ብወገኑ እቶም በብከባቢኡ ዘለዉ ፖሊስ ክፍተት ከምዘለዎምን ኣተሓሳስባ ኣብ ምቕያር ክስራሕ ኣለዎ ኢሉ ከምዝኣምንን ሓቢሩ።

ተሓላቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ካቪታ ስሪቫስታቫ፡ ግደ ፖሊስ ዕዙዝ እኳ እንተኾነ ጉዳይ ገዝሚ ግን ዝተሓላለኸ እዩ ትብል።

ገዝሚ ብሓደ ግዘ ጥራሕ ተኸፊሉ ዝወዳእ ከምዘይኮነ እትገልጽ ካቪታ፡ ገለ ስሱዓት ስደራቤታትን መርዓውትን ዋላ ድሕሪ መርዓ ገንዘብ ከምዝሓቱን ንምህብታም ሓጺር መንገዲ ገይሮም ከምዝወስድዎን ትዛረብ።

ገዝሚ ብዘይምቕራበን ዕድሚአን ልክዕ ብሰብኡተን ዝብደላን እንተዘይኣማሊአን ካብ ገዝአን ዝባረራን ከምዘለዋ እውን ከም ኣብነት ትጠቅስ።

ኣኪታ፡ እዚ ጸገም ዝፍታሕ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ቅዋም ምስ ዝሕዙን ምሃብን ምቕባልን ገዝሚ ምስ ዝነጽጉን ከምዝኾነ ትኣምን።

ጉንጃን ከትምርዖ እያ ትደሊ።

‘‘ህይወት ነዊሕ እዩ፤ በይነይ ድማ ከሕልፎ ኣይክእልን’’ ትብል።

ኮይኑ ግና ዕድሚኣ ይደፍእ ብምህላዉ ስድራቤታት መርዓዊ ንምርካብ ዝገብርዎ ጉያ ወሲኹ ኣሎ።

ኣብ መበቆል ዓዳ ንጉንጃን 25 ዓመት ዝመልኣ ጓል ኣንስተይቲ ግዜ ከምዝሓለፉ እያ እትቑጸር፡ ኣይትጥለብን።

ብፍላይ ኣቦኣ ብጓሉ ኣይደቀሰን። ብቐጻሊ ኣብ ጋዜጣ ዝወጽኡ ናይ ደለይቲ መርዓ ሓበሬታታት ይከታተል፤ ኣዝማዱ ንጓሉ ዝሰማማዕ መርዓዊ እንተረኺቦም ክሕብርዎ ይጭቕጭቖም። ኣብ ቀረባ እኳ ከምኡ ዝበሉ ደለይቲ መርዓዊ ሓበሬታ ዝለዋወጡሉ ልዕሊ 2 ሽሕ ኣባላት ናብ ዘለዉዎ ናይ ዋትስኣፕ ጉጅለ ተሓዊሱ ኣሎ።

‘‘መብዛሕተኦም ልዕሊ 5 ሚልን ሩፒ ዝፈስሶ ገዚፍ መርዓ እዮም ዝደልዩ። ኣቦይ ግን ናይዚ ፍርቂ ጥራሕ እዩ ዓቕሙ’’ እትብል ጉንጃን፡ እቲ ብዘይ ገዝሚ እየ ዝምርዓው ዝብል ናታ ቅዋም ህይወት ስድራቤታ ከምዘኽበደ ትገልጽ።

ንሽዱሽተ ዓመታት መርዓዊ ክረኽበላ ኣላሽ ዝበለ ወላዲኣ ‘‘ብዘይ ገዝሚ ንዓይ ዝኸውን ሰብኣይ ዋላ 60 ዓመት ኣሊሸ ኣይረኽበልክን’’ ኢሉኒ ትብል።