ግምት ጸወታታት ፕሪሜር ሊግ እዚ ሰሙን

ፕሪሜር ሊግ ዓዲ እንገሊዝ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምጅማሩ ዝዝከር ኮይኑ።
ኣብ ፈለማይ ጸወታ ኣርሴናል፤ ቶተንሃም፤ ማንቸስተር ሲቲ፡ ኒውካስልን ቸልስን ዝርከበአን ሸሞንተ ጋንታት ዓወት ከመዝግባ እንከለዋ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጽቡቕ ዘይነበረት ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ፈላማይ ጸወታኣ ኣብ ሜድኣ ብብራይተን ክትስዓር እንከላ ሊቨርፔል ምስ ፉልሃም ማዕረ ተፈላልያ ነይራ።
ካልኣይ ሰሙን ጸወታ ፕሪሜርሊግ ዝምልከት ተንታኒ ቢቢሲ ስፖርት ክሪስ ሲቶን ዝሃቦ ግምታት ይስዕብ
ቀዳም ካብ ዝካየድ ጸወታታት ንገሊኡ
ኣስቶን ቪላ - ኤቨርተን
ቀዳም ጸወታ ካብ ዘካይዳ ኣስቶን ቪላን ኤቨርተንን፡ ኤቨርተን ነቶም ኣብዚ ወቕቲ ዘፈረመቶም ኮኖር ኮዲን ኣማዱ ኦናን ከተስልፎም ትጽቢት ይግበር።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብቸልሲ ዝተሰዓረት ኤቨርተን ኣብ ናይ ቅድሚት መስመር ጸገማት ከምዘለዋ ተራእያ እያ።
ኣብ ሓለፈ ሰሙን ኣስቶን ቪላ ብበርንማውዝ ክትስዓር ትጽቢት ዝገበረ ሰብ ኣይነበረን። እዘን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰሰለስተ ነጥቢ ዝኸሰራ ጋንታት ኣብ ናይ ጽባሕ ጸወታ 1 ብ 1 ክፈላላያ ክሪስ ይግምት።
ኣርሴናል - ሌሲስተር ሲቲ
ሎሚ ዓመት ዋላ ሓደ ተጻዋታይ ዘየፈረመት ሌስተር ሲቲ ምስ ኣርሴናል ዝህልዋ ጸወታ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 2 ብ 0 ክትመርሕ ጸኒሓ ማዕረ ምፍልላያ ዘይተወሓጠሉ ኣስለጣኒ ብሬንዳን ሮጀርስ፡ ነታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰለስተ ነጥቢ ዝውሓሰት ኣርሴናል ንምስዓር ጽባሕ ኩሉ ዝክኣሎ ክገብር እዩ።
ብጋብርኤል ጄሱስ ዝምራሕ መስመር መጥቃዕቲ ኣረሴናል ግን ጽባሕ’ውን ንሌስትር 2 ብ 1 ክስዕራ ግምት ኣሎ።

ማንቸስተር ሲቲ- በርንማውዝ
ማንቸስትር ሲቲ ምስ በርንማውስ ኣብ ዝህልዋ ጸወታ፡ ኣብዚ ሰሙን እዚ ዝበዝሐ ሸቶታት ክምዝገበሉ ዝኽእል ጸወታ ኮይኑ ተገሚቱ ኣሎ።
ኣብዚ ወቅቲ እዚ ናብ ማንቸስትር ሲቲ ዝተሰጋገር ኤርሊንግ ሃላንድ ነዚ ጸወታ ብሃንቀውታ ዝጽበዮ ዘሎ ይመስል።
በርንማውዝ ኣብ ምክፍፋፍ ኣድሂቦም ክጻወቱ እንተዘይክኢሎም ኣብ ሓደጋ ክወድቑ እዮም።
እቲ ጸወታ ግን ብዓወት ማንቸስተር ሲቲ 6 ብ 0 ክዛዝም ከምዝኽእል እዩ ክሪስ ሲቶን ግምቱ ኣስፊሩ።
ብረንትፎርድ - ማንቸስትር ዩናይትድ
እቲ ካልእ ኣብ ቀዳም ዝካየድ ጸወታ ኣብ ሞንጎ ብረንትፎርድን ማንቸስትር ዩናይትድን ኮይኑ፡ ኣብ ካልእ እዋን እንዝኸውን እታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብብራይተን ኣብ ሜድኣ ዝተሰዓረት ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ልዕሊ ብረንትፎርድ ሕነ ክትፈዲ’ያ ምተብሃለ ሕጂ ግን ኣይከምኡን’ዩ። ምኽንያቱ እታ ጋንታ ብዙሕ ሃጓፋት’ዩ ዘለዋ፡
ብሃሪ ማጓየር ሊሳንድሮ ማርቲነዝን ዝምራሕ መስመር ምክልኻል ማንቸስተር ኣብዚ ጸወታ ብዙሓት ኮዓሳሱ ከዙሩቕ ከምዝኽል ግምት ኣሎ፡ ግምት ክሪስ ሲቶን ንብዙሓት ደገፍቲ ማንቸስር ዩናይትድ ዘይከሐጉስ ይኽእል’ዩ፡ እንተኾነ እቲ ግምት ማንቸስተር ዩናይትድ 3 ብ 0 ክትስዓርያ እዩ ዝብል።

ሰንበት ካብ ዝካየድ ጸወታታት ንገሊኡ
ቸልሲ - ቶተንሃም
ሰንበት ኣብ ሞንጎ ቸልስን ቶተንሃምን ዝካየድ ጸወታ እቲ ብዙሓት ብሃንቀውታ ዝጽበይዎ ጸወታ እዩ።
ቸልሲ ምስ ቶተንሃም ኣብ ዘካየደቶ ጸወታታት ዝለዓለ ዓወታት እያ ኣመዝጊባ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ኳ ኣርባዐት ግዜ ስዒራታ።
ካብ 1990 ክሳብ ሕጂ ቶተንሃም ኣብ ሜዳ ቸልሲ ሓንሳብ ጥራይ’ያ ዓወት ኣመዝጊባ።
ክልቲኤን ጋንታታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዓወት ስለዘመዝገባ ምስ ፍናነን እየን ናብ ሜዳ ክኣትዋ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቸልሲ ንቶተንሃም ክትስዕራ እንከላ፡ ብኣንቶንዮ ኮንተ’ያ ትስልጥን ነይራ፡ ሕጂ ኣንቶንዮ ኮንተ ንቶተንሃም የሰልጥን ስለዘሎ ኣብ ሜዳ ቸልሲ 1 ብ 2 ክስዕር ግምት ተዋሂብዎ ኣሎ።
ሊቨርፑል - ክሪስታል ፓላስ [ሰኑይ]
ሰኑይ ሊቨርፑል ምስ ክሪስታል ፓላስ ኣብ እተካይዶ ጸወታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ፉልሃም ማዕረ ብምውጻእ ዝኸሰረቶ ክልተ ነጥቢ ደቡሳ ኣብ ልዕሊ ክሪስታል ፓላስ 4 ብ 0 ክትስዕር ግምት ተዋሂብዋ ኣሎ።
እቲ ካልእ ግምታት
ብራይተን 1 ኒውካስል 1
ሳውዝሃፕተን 2 ሊድስ 1
ዎልቭስ 1 ፉልሃም 1
ኖቲንግሃም ፎረስ 1 ዌስት ሃም 2
![ኣቦመንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል [ዶ/ር] ፡ ምክትሉ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋን ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ህወሓት ወ/ሮ ፈትለ ወርቅ ገ/ሄርን](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/799f/live/0f041500-6b1f-11f1-8546-8f19e4fe30f4.jpg.webp)





![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
