ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ን'ምዝመዛ ጉልበት' ዝተቓልዑ ኣፍሪቃውያን ሓካይም

ካብ ገለ ድኻታት ሃገራት ተመልሚሎም ኣብ ሆስፒታላት ዓዲ ኢንግሊዝ ንክሰርሑ ዝመጽኡ ሓካይም፡ ልዕሊ ዓቐን ብምስርሖም ጥዕና ተሓከምቲ ኣብ ሓደጋ ከየውድቑ ከም ዝሰግኡ ተዛሪቦም።
ቢቢሲ ዘካየዶ መርመራ፡ ብኩባንያ ሓለዋ ጥዕና ብሪጣኒያ ተመልሚሎም፡ ካብ ናይጄሪያ ዝመጽኡ ዶኳትር ኣብ ትሕቲ ኣገልግሎት ሃገራዊ ጥዕና እታ ሃገር ዘይፈቕዶ ኩነታት ኣብ ሆስፒታላት ብሕቲ ይሰርሑ ከም ዘለው ኣረጋጊጹ።
ማሕበር ሕክምና ብሪጣኒያ [ቢኤምኤ] ነቲ ኩነታት “ዘሰንብድ” ብምባል ክገልጾ እንከሎ፡ እቲ ዓወዲ ምስ ኣሰራርሓታት ኤንኤችኤስ ዝጠዓዓም ክኸውን ኣለዎ ኢሉ።
ቢቢሲ፡ ኣብ 2021 ኣብ ሆስፒታል ኑፊልድ ጥዕና ሊድስ ዝሰርሕ ዝነበረ ናይጄሪያዊ መንእሰይ ሓኪም ሓዊሱ ንብርክት ዝበሉ ሓካይም ዜጋታት ወጻኢ ኣዘራሪቡ እዩ።
ኦግስቲን ኢንክዌች፡ ናይ ስራሕ ሰዓታቱ ኣዝዩ ብዙሕ ከም ዝነበረ ይዛረብ። ሰሙን ሙሉእ ን24 ሰዓታት ኣብ ስራሕ ተጸሚዱ ከም ዘሕልፎን ካብቲ ሆስፒታል ክወጽእ ከም ዘይክእልን ገሊጹ።
ኣብቲ ሆስፒታል ምስራሕ ዳርጋ “ኣብ ቤት ማእሰርቲ” ምዃን እዩ ክብል ይገልጾ።
እቲ ድኻም ብዙሕ’ዩ ዝብል ኦግስቲን፡ ብሰንኩ ብኣግባቡ ዘይክሰርሕ ይኽእል እየ ዝብል ስግኣት ከም ዝነበሮ ሓቢሩ።
“ደኺምካ ምስራሕ፡ ንሕሙማትን ንርእሰይን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ምዃኑ ይፈልጥ እየ፤ ግን፡ ዓቕሚ . . . ሓጋዚ ዘይብለይ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። ብቐጻሊ ገለ ነገር’ዶ ይጋገ ይኸውን ኢለ እየ ዝሓስብን ዝጭነቕን” ይብል።
ሆስፒታል ኑፊልድ፡ ዶኳትር ስሩዕ ናይ ዕረፍቲ ሰዓታት፣ ኣብ ሞንጐ ናይ ስራሕ ሰዓት ዝወሃብ ዕረፍቲ ከምኡ’ውን ኣድላዪ እንተዀይኑ ምቅይያር ክህሉ ዘፍቅድ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እዞም ናይ ስራሕ ሰዓታት ጌጋ’ዮም ይብል።
እቲ ኩባኒያ ብተወሳኺ፡ “ጥዕና ሕሙማትን ሰራሕተኛታትን እቲ ሆስፒታል” ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ’ዩ ኢሉ።
ኦግስቲን፡ ካብ ኩባኒያ ብሕቲ - ኤንኢኤስ እዩ ናብ ሆስፒታል ኑፊልድ ሊድስ ተቘጺሩ።
እዚ ኩባኒያ፡ ዶኳትር ካብ ሃገራት ወጻእ ብምቑጻር ዝፍለጥ ኰይኑ፡ መብዛሕትኦም ካብ ናይጄሪያ ዝመጽኡ’ዮም።
ኦግስቲን፡ እቲ ብኤንኢኤስ ዝቐረበሉ ናይ ስራሕ ውዕሊ ብኣግባቡ’ኳ እንተዘይርኣዮ” እቲ ስራሕ ክረክብ እንከሎ ኣዝዩ ሕጉስ ከም ዝነበረ ይገልጽ።
እንተዀነ፡ እቲ ውዕሊ ስራሕ፡ ሰራሕተኛታት ዓዲ ኢንግሊዝ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ናይ ስራሕ ሰዓት ንከይሰርሑ ካብ ዝቈጻጸር ሕጊ ወጻእ ክኸውን ገይሩዎ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ብዙሕ ግዜ ደሞዝ ተቐጺዑ።
ንሱ ጥራይ ኣይኰነን። ቢኤምኤን ማሕበር ሓካይምን፡ ን188 ሓካይም ብምዝርራብ ዝኣከቡዎ መረዳእታ ንቢቢሲ ሂቦም’ዮም።
መብዛሕትኦም ዶኳትር፡ ብኤንኢኤስ ዝተቘጸሩ ኰይኖም፡ ገሊኦም ድማ ብኻልኦት ኩባኒያታት ተቘጺሮም።
እዚ መጽናዕቲ፡ 92 ሚኢታዊት ካብ ኣፍሪካ ከም ዝተመልመሉን መብዛሕትኦም 81 ሚኢታዊት ካብ ናይጄሪያ ከም ዝዀኑን የመልክት።
መብዛሕትኦም ክኣ፡ ልዕሊ ዓቐን ናይ ስራሕ ሰዓትን ፍትሓዊ ዘይኰነ ምንካይ መሃያን ከም ዘጋጠሞም ይገልጹ።
ንዓመታት፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ከቢድ ሕጽረት ሰብ ሞያ ጥዕና ካብ ዘለወን ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ነርሳትን ዶኳትርን “ምምልማል” ጠጠው ክብል ከጠንቅቕ ጸኒሑ ኣሎ።
እቲ ትካል፡ መብዛሕትአን ካብ ኣፍሪቃ ዝዀና 47 ሃገራት ዘርዚሩ እዩ። መንግስቲ ብሪጣኒያ፡ እዚ ዝርዝር “ቀይሕ ዝርዝር” ብምባል ኣብ ውሽጢ ኣሰራርሕኡ ክሰፍር ገይሩ።
በዚ መሰረት፡ ናይጄሪያ ኣብተን ንብሪጣኒያ ሰብ ሞያ ጥዕና ከይትምልምል ዝተነጸራ ይገብራ።
ስለዚ፡ ከመይ ኢሎም’ዮም ድኣ እዞም ሓካይም ኣብ ብሪጣኒያ ክሰርሑ ዝመጽኡ?
ቢቢሲ፡ ናብ ናይጄሪያ ተጓዒዙ፤ ካልኦት ዘሰክፉ ሸነኻት እዚ ዛንታ ክኣ ርእዩ።
ኣብ ከተማ ሌጎስ፡ ሓደ ፈተና ዝወሃበሉ ኣዳራሽ እዚ ‘ፈተና ሞያን ቋንቋን’ ወይ ‘PLAB 1’ ዝብሃል ፈተና ክወስዱ ሪጋ ዝሓዙ ኣማኢት ዶኳትር ረኺብና።
እዚ፡ ሰራሕተኛ ካውንስል ብሪጣኒያ ብቤት ጽሕፈት ጉዳይ ወጻኢ ዝምወል እውን ክርእዮ ገይርና ኢና።

እዚ ወረቐት፡ ኣብ ለንደን ብዝርከብ ጠቕላላ ሜዲካል ካውንስል ዝተዳለወ ኰይኑ፡ ሰብ መዚ ጥዕና ብሪጣኒያ ኣብታ ሃገር ዘስርሕ ፍቓድ ንክህቡኻ መረጋገጺ ዝኸውን ናይ መጀመርታ ክሕለፍ ዝግብኦ መገዲ እዩ።
እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ዶኳትር፡ እቲ ዝለዓለ ደሞዝን ዝሓሸ ናይ ስራሕ ኩነታትን ከም ዝገዝኦም ይዛረቡ።
እዚ ፈተና ኣብ ካልኦት ዶኳትር ክምልመሉለን ዘይግብኣ ዝተባህላ ከም ሱዳን፣ ጋና፣ ባኪስታንን ባንግላድሽን ዝበላ ሃገራት እውን ተዋሂቡ።
ጂኤምሲን ካውንስል ብሪጣኒያን ኣብ ጉዳይ “ምልመላ” ኢድ የብልናን ብምባል፡ ብውልቈም ናብ ብሪጣኒያ ክመጽኡ ንዝደልዩ ዶኳትር ጥራይ ይሕግዙ ከም ዘለው ገሊጾም። እዚ ክኣ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ መምርሒ ፍቑድ እዩ።
ኦግስቲን፡ ካልኣይ ፈተና ክወስድ እናተዳለወ እንከሎ’ዩ ኤንኢኤስ ደዊሎም ቪዛኡ ክምውሉዎን ስራሕ ክረኽብሉ ከም ዝኽእሉን ነጊሮምዎ።
እዚ “ንጡፍ ምልመላ” እኳ እንተዀነ፡ ኤንኢኤስ ግን ናይ ምልመላ ኤጀንሲ ስለ ዘይነበርኩ ኣይኰነን ይብል።
እኳ ድኣ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኣብ ብሪጣኒያ ክሰርሑ ምስ ዝደልዩ ዶኳትር ጥራይ ከም ዝራኸብ ገሊጹ።
ቤት ጽሕፈት ጥዕናን ማሕበራዊ ሓለዋን ግን፡ መምርሒ ኣሰራርሓ ብሪጣኒያ ንኤንኢኤስ’ውን ዝምልከት ምዃኑ ብምጥቃስ እቲ ኩባኒያ ጥሕሰት ከም ዝፈጸመ ሓቢሩ።
ብዙሓት እዚ ኩባኒያ ዘምጽኦም ዶኳትር ኣዘራሪብና። ኩሎም ሓደ ዓይነት ታሪኽ ኣለዎም።
ዶክተር ፌሚ ጆንሰን፡ ኣብ መዓልቲ ካብ 14 -16 ሰዓታት ክሰርሕ ከም ዝግደድን ናይ ለይቲ እውን ከም ዝሰርሕን ተዛሪቡ።
“ኣመና ደኺመ፤ ድቃስ ደልየነ። ሰብ ኰይንካ፡ ንሸውዓተ መዓልታት ብተኸታታሊ ብኸምዚ ክትሰርሕ ዝክኣል ኣይኰነን”።
ዶክተር ፌሚ፡ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ደኺሙ ስለ ዝነበረ ዕረፍቲ ደልዩ፤ ኢንኢኤስ ግን ካብ ደሞዙ ክንክየሉ እዩ።
እዚ፡ ንዕኡ ንዝትክእ ዶክተር ዝወጽእ ወጻኢ ንምሽፋን ዝውዕል’ዩ ክብል እቲ ኩባኒያ ይገልጽ፤ ፌሚ ግን ዶኳትር ኣብ ከቢድ መዋጥር ዘእቱ’ዩ ይብል።
“ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት፡ ምስ ነብሰይ’የ ዝመክር፤ ‘ፌሚ፡ ንነብስኻ ትኽክለኛ ነገር ዲኻ ትገብር ዘለኻ፤ ንተሓካሚኻ ትኽክለኛ ነገር ዲኻ ትገብር ዘለኻ?’ ይብለኒ። እንተዀነ፡ መልሲ ረኺበሉ ኣይፈልጥን”።
ገሊኦም ሓካይም፡ ካብ ማሕበር ዶኳትር ሓገዝ ሓቲቶም። ዶክተር ጄኒ ቫግሃን ብርክት ዝበለ ጥርዓን ሓካይም ከም ዝሰምዐት ገሊጻ።
ዶኳትር ኤንኤችኤስ፡ ኣብ ሰሙን ን48 ሰዓታት ክሰርሑ ከም ዘለዎም፤ እንተደልዮም ድማ ን72 ሰዓታት ከም ዝሰርሑ ከም ዝኽእሉ ሓቢራ።
“ኣብዚ፡ ዋላ ሓደ ዶክተር ብተኸታታሊ ካብ ኣርባዕተ ለይቲ ንላዕሊ ክሰርሕ የብሉን፤ ምኽንያቱ ውሑስ ኣይኰነን” ትብል።
ወሲኻ፡ “እዚ ምስ ልዕሊ ዓቐን ናይ ስራሕ ሰዓታት ዝተሓሓዝ፡ ዳርጋ ቅድሚ 30 ዓመት ዝጠፍአ’ዩ ዝበልናዮ ባርነት ዝተሓሓዝ’ዩ። እዚ ንተሓከምቲ ኰነ ዶኳትር ቕቡልነት የብሉን” ትብል።
እዚ ጉዳይ፡ ናብ ማሕበር ሕክምና ብሪጣኒያ [ቢኤኤም] ወሲድናዮ፡ ምኽትል ኣደ መንበር ኤማ ራንስዊክ እቲ ኩነታት “ንጥዕና ብሪጣኒያ ውርደት“ እዩ ክትብል ገሊጻቶ።
“እቶም ወጻእተኛታት መሳርሕትና ነዊሕ ተጓዒዞም’ዮም ናብ ብሪጣኒያ መጺኦም፤ እቲ ኩነታት ግን በዝባዚ’ዩ ኰይኑዎም” ኢላ።
ኤንኢኤስ፡ “ዶኳትር ምስቲ ኩባኒያ ዘለዎም ልምዲ” ብዝተሓሓዝ “እወንታዊ ርኢይቶ’ዩ” ዘለዎም ይብል።
ዶኳትር፡ “ኣብ ውሽጢ ብሄራዊ ኣገልግሎት ጥዕናን ስርዓት ሓለዋ ጥዕናን ብሪጣኒያ ሞይኦም ንምዕባይ ውሑሱን ሓጋዝን መገዲ” ብምምችቻእ ከም ዝሕግዞም ብምግላጽ፡ እቲ ስርሖም ድማ “ንህዝቢ ብሪጣኒያ ዓብዪ ረብሓ’ዩ” ኢሉ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
