ኣብ ግጭት ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ኣብ ሓደ ለይቲ ከባቢ 100 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ሃገራት ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ብዝተኻየደ ውግእ ከባቢ 100 ወተሃደራት ሞይቶም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣርመንያ ኒኮል ፓሺንያን 49 ወተሃደራቱ ብሓደ ለይቲ ብዝተፈጥረ ግጭት ከምዝሞቱ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰላሳ ዓመታት ክልቲአን ሃገራት ክልተ ኲናትን ስሩዕ ንኣሽቱ ግጭታትን ኣሕሊፈን እየን።
ሩስያ እቲ ግጭት ደው ክብል ከምዘሸማገለት ትገልጽ። ኣርመንያ ግን እቲ ግጭት ሃዲኡ እምበር ምሉእ ብምሉእ ኣይተዛዘመን እያ ትብል።
ጠንቂ ናይቲ ግጭት ዞባ ናጎርኖ-ካራባክ እዩ። ብመሰረት ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ዘለዎም ዶባት፡ እቲ ዞባ ኣካል ኣዘርባጃን ክኸውን እንከሎ እቶም ነበርቲ ግን ብሄሮም ኣርመንያውያን እዮም።
እቲ ባህላዊ ምፍልላይ ኪኖ ፖለቲካ ናብ ሃይማኖት እውን ዝዝርጋሕ እዩ። ኣርመንያውያን ብቐንዱ ኣመንቲ ክርስትና ዝነብሩላ ሃገር ክትከውን እንከላ፡ ኣዘርባጃናውያን ድማ ብበዝሒ ኣስላም እዮም።
እዚ ዘይምርድዳእ ኣብ 1980ታትን 1990ታትን ምሉእ ኲናት፡ ኣብ 2020 ንሽዱሽተ ሰሙናት ዝጸንሐ ኲናትን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ግጭትን ኣስዒቡ ኣሎ።
ክልቲአን ሃገራት በቲ ዳሕረዋይ ግጭት ንሓድሕደን ይወቅሳ።
ኣርመንያ፡ ጎረቤታ ኣብቲ ዶብ ኣብ ዝርከባ ሓያሎ ከተማታት ደብዳብ ምስፈጸመት ነቲ ምልዕዓል ምላሽ ከምዝሃበት ትገልጽ። ኣዘርባጃን ብወገና ብጎረቤታ ምትንኳያት ከምእተፈጸማ እያ ትሕበር።
እቲ ግጭት ብሰኑይ ክውላዕ እንከሎ ሞስኮ፡ ካብ ሰሉስ ንግሆ ጀሚሩ ብቅልጡፍ ተኹሲ ደው ከብሉ ከምዘደራደረት ገሊጻ።
ፕረዚደንት ኣርመንያ፡ ኒኮል ፓሺንያን ግን "ጽዑቕ ተጻብኦታት’ኳ እንተነከየ፡ ኣዘርባጃን ትፍጽሞ መጥቃዕቲ ግን ኣብ ሓደ ወይ ክልተ ግንባራት ይቕጽል ኣሎ" ኢሉ።
ብሰሉስ፡ ገለ ወተሃደራታ ከምዝተቐተሉ ዝገለጸት ኣዘርባጃን ብወገና ኣርመንያ ነቲ ብሩስያ ዝተማእከለ ምቁራጽ ተኹሲ ከምዝጠሓሰት ከሲሳ።
እቲ ኲናት ብደረጃ ዓለም ክኹነን እንከሎ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ "ነቲ ግጭት ወተሃደራዊ ፍታሕ ክህሉ ኣይክእልን" ኢሉ።
እቲ ዝቕጽል ዘሎ ዘይምርድዳእ "ብፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን መንገዲ ጥራይ ክፍታሕ ኣለዎ" ትብል ብታሪኽ ምስ ኣርመንያ እትተኣሳሰር ሩስያ ድማ ክልቲኦም ወገናት ክሃድኡ ተማሕጺና።
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮን ንኣዘርባጃናዊ መዘንኡ ኢልሃም ኣሊየቭ ከዘራርብ እንከሎ "ነቲ ምቁራጽ ተኹሲ ከኽብር" ተማሕጺኑ።
ምስ ኣዘርባጃን ርክብ ዘለዋ ቱርኪ ግን መግለጺ ኣዘርባጃን ዝደገፈት ትመስል። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ መቭሉት ካቩሶግሉ፡ "ኣርመንያ ምትኹታኽ ደው ኣቢላ ኣብ ድርድር ሰላም ከተተኩር ኣለዋ" ኢሉ።
እቲ ብሰኑይ ምሸት ዝተኻየደ ውግእ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2020 ዝተኻየደን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝሞቱሉ ዝግመትን ግጭት እቲ ዝኸፍአ ከምዝኾነ ይእመን።
እቲ ውግእ ብሽምግልና ሩስያ ደው ክብል እንከሎ ኣርመንያ ሰራዊታ ካብቲ ኣብ ከባቢ ናጎርኖ-ካራባክ ዝነበረ ዝተጎበጠ ከባቢታት ከምዝሰሓበት ይዝከር።
ከም ኣካል ናይቲ ድርድር ናብቲ ከባቢ ዝተዋፈረ ኣስታት 2,000 ዝኸውን ዓቃቢ ሰላም ሩስያ ሎሚ'ውን ኣብኡ ይርከብ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
