ቅልውላው ሱዳን፡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝምታን ውግእን ኣብ ካርቱም

ከተማ ካርቱም

ምንጪ ስእሊ, Abd al-Mohimen Sayed

Published

ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓያል ውግእ ክካየድ ከም ዝወዓለ ነበርቲ ሓቢሮም።

እቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ብጀነራል ሕመድቲ ዝምራሕ ሓይልታት ኣደዒም ኣሰሪዕን ኣብ ክፍላ ሚያዝያ ዝተወልዐ ውግእ፡ ሎሚ'ውን ኣብ ባሕሪ ዝተባህለ ከባቢ እታ ከተማ ብዝሓየለ መልክዑ ቀጺሉ ውዒሉ።

ሓይልታት ኣደዒም ኣሰሪዕ (RSF) ኣብቲ ናይ ሎሚ ረጽሚ ሓንቲ ወተሃደራዊት ነፋሪት ሃሪሞም ከም ዘውደቑ ገሊጾም። እቲ ሓበሬታ ዛጊት ብናጻ ኣካል ኣይተረጋገጸን።

ሓይሊ ኣየር ናይቲ ብጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ዝምራሕ ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን፡ ነቶም ንዝሰፍሐ ክፋል ናይታ ከተማ ተቖጻጺሮም ዝርከቡ ሓይልታት ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ብደብዳባት ክሃርሞም ጸኒሑ'ዩ።

ሕጂ ግን እቲ ሰራዊት ኣብ ባይታ ጽቡቕ ገስጋስ ከምዘርኣየ ብምግላጽ፡ ኣብ ከባቢታት ባሕሪ ላዕለዋይ ኢድ ሒዙ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ካብ ኦምዱርማን ነቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ክትከታተል ዝወዓለት ጋዜጠኛ ዘይነብ ሳልሕ ንቢቢሲ ከምዝጸብጸበቶ፡ ኣብታ ከተማ ከቢድ ትኪ ንሰማይ ክዓርግ ከምዝተዓዘበትን ጽዑቕ ተዂሲ ከምዝወዓለትን ሓቢራ።

ቤተመንግስቲ ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, Abd al-Mohimen Sayed

ቤተመንግስቲ ነበር 'ብነፈርቲ ተደብዲቡ'

ገለ ነበርቲ ኦምዱርማን ከም ዝሓበርዎ ድማ፡ ዝተተኮሰ መዳፍዕ ኣብ ልዕሊ'ቲ ፍሉጥ መስጊድ ኣል-ማህዲ ክወድቕ ተራእዩ።

ሓይልታት ኣደዒም ኣሰሪዕ ብሰሉስ ኣብ ዘውጽእዎ ሓበሬታ'ውን፡ ናይ ቀደም ቤተመንግስቲ ዝነበረ ህንጻ ብነፈርቲ ሰራዊት ከምዝዓነወ ከሲሶም ነይሮም።

ሓያል ግብረመልሲ ክህብሉ ምዃኖም'ውን ኣጠንቂቖም ነይሮም።

እንተኾነ ግን፡ ኣብቲ ዘውጽእዎ ስእሊ እቲ ኣብ ደንደስ ፈለግ ናይል ዝርከብ ህንጻ ከይፈረሰ ደው ኢሉ ይርአ።

ሰራዊት ሱዳን ብወገኑ፡ ነቲ ህንጻ ባዕሉ ከምዘየዕነዎ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ነጺግዎ'ሎ።

እቲ ኣብ 2015 ዝተሰርሐ ኣብ ናሕሱ ከቢድ ቅርጺ ዘለዎ ሓድሽ ቤተመንግስቲ ግን ብሓዊ ከቢድ ዕንወት ከምዝወረዶ ይርአ።

እቲ ንልዕሊ ሰለስተ ሰሙን ዝቐጸለ ውግእ-ሓድሕድ ብፍላይ ኣብ ርእሰከተማ ካርቱም ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ዕንወት ኣውሪዱሎ።

ክልቲኦም ወገናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ብወከልቶም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ይዘራረብሉ ኣብ ዘለውሉ እዋን'ዩ እቲ ውግእ እናሓየለ መጺኡ ዘሎ።

ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝምታ

ካርቱም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እቲ መግትኢ ዘይተረኽቦ ግጭት ኣብ ርእሰከተማ ካርቱምን እታ ሃገር ብሓፈሻን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ'ሎ።

ኣብታ ከተማ ኣገልግሎት ስርዓተ ጥዕና ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ከምዝፈረሰ ሓካይም ኣጠንቂቖም።

ነበርቲ ከተማ ካርቱም ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣጋጢምዎም ዘሎ ሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት ዝምታ ተወሳኺ ጸገም ከምዝኾኖም ይገልጹ ኣለዉ።

ኣብ ከበቢ'ቲ ሎሚ መድፍዕ ዝወደቖ መስጊድ ኣል-ማህዲ ዝርከብ ዕሙር ዕዳጋ ክዝመት ከምዝወዓለ ጸብጻባት ሓቢሮም።

እቲ ዕዳጋ፡ ቀረባት መግቢ፡ ክዳን፡ ቴለፎንን ኮምፒዩተራትን ዝርከቦ ንብረት ዝሽየጠሉ ዕሙር ቦታ እዩ።

ነጋዶ ውግእ እናተኻየደ'ውን፡ ትካላቶም ከፊቶም ክሰርሑ ከምዝጸንሑ ይግለጽ።

እንተኾነ ግን፡ ብረቡዕ ምሸት ኣብቲ ከባቢ ንኹሉ ትካላት ንግዲ ዒላማ ዝገበረ ሰፊሕ ዝምታ ከምዝተራእየ ነበርቲ ጠቒሶም።