ፍሊፖ ግራንዲ ናብ መዓስከር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለምዋጭን መቐለን ምብጻሕ ኣካይዱ

ምንጪ ስእሊ, UNHCR
ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዲ ትማሊ ሰሉስ ናብቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከብዎ መዓስከር ኣለምዋጭን ኣብ መቐለ ዝርከቡ ካብ ቤት ንብረቶም ዝተፈናቐሉን ብምኻድ ከምዝረኸቦም እቲ ኮምሽን ብትዊተር ሓቢሩ።
ዩኤንኤችሲኣር ኢትዮጵያ ንምብፃሕ ፍሊፖ ግራንደ ናብ መቐለ ኣመልኪቱ ብስእሊ ኣሰንዩ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ሰብ መዚ ብምዃን ሰብኣዊ ሓገዛትን ደሕነት ሰባትን እቲ ክልል ንምሓውስ ብዘይምቁራጽ ክሰርሕ ምዃኑ ገሊፁ።
ፍሊፖ ግራንደ ናብ መዓስከር ኣለምዋጭ ኣብ ዝኸደሉ ንመንግስታዊት ተለቪዥን ኢትዮጵያ-ኢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መግለጺ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ነቲ ኣብቲ ከባቢ መዓስከር ዝነብር ማሕበረሰብን ብምምስጋን፡ ኣብቲ መዓስከር ልዕሊ 23 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።
መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዳባት ኣብ ዝተባህለ ከባቢ እዩ ዝርከብ።
እቲ መዓስከር ነቶም ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወለዐ ኵናት ሓድሕድ ካብተን ኣብቲ ክልል ዝነበራ ኣርባዕተ መዓስከራት ስደተኛታት ዝተፈናቐሉ ንምዑቛብ ዝተመስረት ምዃኑ ይፍለጥ።
እንተኾነ እቲ መዓስከር ተዶኵኒሉ ዘሎ ቦታ ጨፋቕን ሰልሚ ዝበዝሖን ብምዃኑ ንኽትነብሮ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ከምዝኾነ እቶም ስደተኛታት ብተደገጋሚ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕተት ይሕብሩ ነይሮም’ዮም።
ብዘይካ’ዚ ኣብቲ መዓስከር ብረት ዝዓጠቑ ሰባት መጺኦም ናይ ስርቅን ናይ ምፍርራሕን ተግባራት ከምዝፍጽሙ እቶም ስደተኛታት ይሕብሩ።
እንተዀነ፡ ነዚ ባህሪያዊ ኵነታት ይዅን ቀረብ፡ መግቢ፡ ሕክምናን ውሕስነት ጸጥታን ንምምሕያሽ ብዝምልከቶም ኣካላት መንግስትን ኮምሽን ጕዳይ ስደተኛታትን ዛጊት ዝተገብረ ኣድማዒ ስጕምቲ ከም ዘየለ እቶም ስደተኛታት ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።
ፍሊፖ ግራንዲ ምስ ወከልቲ እቶም ስደተኛታት ብምዝረራብ እቲ ካብቶም ስደተኛታት ዝተሓበሮ ሕጽረታት፡ ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምምላእ ዝከኣሎ ከምዝገብር ቃል ከምዝኣተወሎም እታ መደበር ተለቪዥን ገሊጻ።
ነቶም ስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ንምስግጋር ወይ’ውን ብድሌቶም ናብ ዝመፅእዋ ሃገር [ኤርትራ] ንምምላስ ጻዕሪ ከምዝግበር’ውን ሓቢሩ።
“ምስቶም ወከልቲ ስደተኛታት ኣዝዩ ሃናጺ ዝኾነ ዘተ ኢና ኣካይድና፡ እቲ ዘለዎም ሕቶታት [ብጽሑፍ] ሂቦሙና ኣለዉ። ኩነታት እዚ መዓስከር ክመሓየሽ ይደልዩ’ዮም። ነዚ ንምግባር ተወሳኺ ባጀት ስለዘድልየና ንገበርቲ ሰናይ ሕቶ ከነቕርብ ኢና። ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ክልል ትግራይን ብዛዕባ ዝርከቡ ስደተኛታት ንድሕነቶም ዝምልከት’ውን ሓቲቶሙኒ ኣለዉ” ኢሉ።
ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኹሎም ስደተኛታት ኩሉ ዓይነት ደገፍ ንምግባር ምስ ዝምልከቶ ኣካል ይመያየጥ ከምዘሎ ፍሊፖ ግራንዲ ወሲኹ ገሊጹ።
ቢቢሲ ኣቐዲሙ ካብ ዘዘራረቦም ዮዲት ዝተብሃለት ነባሪት እቲ መዓስከር ኣብኡ ንክትነብር ኣዝዩ ክፉእ ከምዝኾነ ብምግላጽ “ተደጋጊፍና ኢና ንሓልፎ፤ ብዝሒ ኣባላት ስድራ ዘለዎ ቅሩብ ይሓይሽ። ናይ ኵሎም ኣጠራቒሙ ይናበር ” ትብል።
እቶም ንውልቈም ዝነብሩ ግን ፈጺሙ ከምዘይኣኽሎምን ኣመና ከም ዝሽገሩን ተረድእ።
ንመሰንከቲ ዝኸውን ዕንጸይቲ ከም ዝወሃቦም ትገልጽ ዮዲት ምስቲ ዘሎ ሕማቕ ኵነታት ኣየር መሰንከቲ ቦታን ንባዕሉ እቲ ዕንጸይቲ’ውን ተርኪሱ ኣጸጋሚ ምዃኑ ትዛረብ።
“ኣብቲ መዓስከር ፈጺምካ ኮፍ ክትብል ኣይትኽእል፣ ዓቕልኻ ዘጽብብ እዩ” ብምባል ዝበዝሕ ሰብ ዳባት ክውዕል ከም ዝመርጽ ትገልጽ።
እንተዀነ፡ “ኣብታ ከተማ በጺሕካ ክትምለስ’ውን ዘይትተኣማመነሉ እዩ። ኣብ መገዲ ትዝመት፡ ትስረቕ፡ ‘ኤርትራዊ ገንዘብ እዩ’ ኢሎም እዮም ዝሓስቡ። ስርቅን ዘይምቕሳንን ግኑን እዩ፤ ገንዘብ ኣለዎ ኢሎም ዝጠርጠርዎ፡ ከቲሮም ይሃርምዎ ይዘምትዎ፡” ብምባል፡ ስደተኛ ግዳይ ስርቂ፡ ክትራን ዓመጽን ከም ዝዀነ’ውን ተረድእ።
ኣብቲ መዓስከር ብዅሉ ዅሉ ክነብር ምኽኣል ዝሰኣነ ድማ፡ ተጻጊሙ፡ ካብ ኣዝማዱ ቅሩብ ደገፍ እናረኸበ 500 ብር ከፊሉ ኣብ ዳባት ተኻርዩ ክጸንሕ ዝመረጸ ሓያለ ስደተኛ ከም ዘሎ’ውን ትገልጽ።
ብሰንኪ’ዚ፡ ብፍላይ እቶም መንእሰያት ኮፍ ከም ዘይብሉን፡ ብሕቡእ ናብ ከተማ ጐንደር 8 ሽሕ ብር ከፊሎም ከም ዝኸዱ ትገልጽ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
