እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ትግራይ ከቢድ ስግኣት ጥዕና ዝፈጠሩ 3 ተላባዕቲ ሕማማት
ኣብ ትግራይ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ሰለስተ ሕማማት ማለት ኣንትራክስ፡ ሕማም ዕቡድ ከልብን ዓሶን ኣሰካፊ ኣብ ዝበሃል ደረጃ በጺሖም ምህላዎም ቢሮ ጥዕና 'ቲ ክልል ንቢቢሲ ገሊጹ።
ካብቲ ቢሮ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ነቲ ኲናት ስዒቡ ብሰንኪ ዝተነብረ ዕጽዋ፡ ዋሕዲ መድሃኒትን ምድኻም ኣገልግሎታት ጥዕና 'ቲ ክልል፣ ከምኡ'ውን ምቍራጽ መራኸቢታትን ዋሕዲ ቀረባትን ካልኦት ምስኡ ተኣሳሲሮም ዝማዕበሉ ጸገማትን ጠንቂ ምስፍሕፋሕ እዞም ሕማማት ኰይኖም ኣለው።
በዚ መሰረት፡ ቢሮ ጥዕና ትግራይ፡ ነዞም ሰለስተ ሕማማት ዝምልከት ዘቕረቦ ዝርዝር ሓበሬታ ብኸምዚ ዝስዕብ ይቐርብ፤
1. ኣንትራክስ (መገረም)
ኣንትራክስ ኣብ ትግራይ መገረም ብዝብል ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ሓደ ካብቶም ብቕልጡፍ ክትፈልጦምን ንሰብ ሞያ ጥዕና ክትሕብሮምን ዝከኣሉ ሕማማት እዩ።
ኣብዚ ዓመት (2022) ኣብ ወረዳ ናዕዴር ዓዴት - ዞባ ማእከል ኣብ ሰሙን 10 ሰባት ከምዝተትሓዙ ዘመልክት ፀብፃብ ዝቐረበ ኰይኑ፤ ካብኡ ንደሓር ድማ ኣብተን ናብ ክልላዊ ኣብያተ ጽሕፈት ጥዕና ጸብጻብ ክልእካ ዝኸኣላ ዝተፈላለያ ወረዳታት ብርክት ዝበለ መልከፍቲ ከምዘጋጠመ ተፈሊጡ።
"ብ10 ሰነ 2022 ዓ.ም ኣብ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ካብ ዝርከባ ጣብያታት ዓዲ-ገሽቲን ዓዲ-ሓበሳይን ከምኡ’ውን ዞባ ሰሜን ምዕራብን ምብራቕን፡ ሞትን ኣብ ሰብን እንስሳን ዘጋጠመ መልከፍትን" ዝብል እቲ ቢሮ ሓበሬታኡ ይህብ።
ነዚ ስዒቡ ድማ ካብ ትካል መግብን ሕርሻን ዓለም (FAO)፡ ቤት ጽሕፈት ሕርሻን ልምዓት ገጠርን፡ ከምኡ እውን ቢሮ ጥዕና ዝተወደበ ጕጅለ ብ22 ሰነ 2022 ነቲ ኵነታት መርሚሩ ናይ ምክልኻል ስርሓት ክዓምም ተላኢኹ።
ሽዑ እቲ ጕጅለ፡ ምስ እንስሳት ምትንኻፍ ካብ ዝነበሮምን ስጋ ዝበልዑን 120 ሰባት፡ እቶም 34 በቲ ሕማም ከምዝተለኸፉ 2 ድማ ከምዝሞቱ ኣረጋጊጹ። ካብ 30 ጥርጡራት እንስሳ ዘቤት እውን [ከብቲ፡ ኣጣልን ኣእዱግን] 23 ሞት ከምዘጋጠመ ተገንዚቡ።
"ኣብ ዳህሳሶም ናብ 12 ወረዳታት ክበፅሑ ዝፈተኑ ኰይኖም፡ ኣብ መገዶም ድማ 13 ኣንትራክስ ዝተለኸፉ ሰባት [ሓደ ኣብ ላዕላይ ማይጨው 12 ድማ ካብ ቆላ ተምቤን] ረኺቦም" ይብል ቢሮ ጥዕና ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ።
ብሰንኪ ጸገም መራኸቢ ግን ጕጅለታት ምሕደራ ህጹጽ ረድኤት ህዝባዊ ጥዕና [Public health Emergency Management (PHEM)] ካብ ትካላት ጥዕናን ኵለን ወረዳታትን ምሉእ ጸብጻብ ክረኽባ ኣይከኣላን።
ካብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት 2022 ጀሚሩ ኣብ ዞባታት ማእከል፡ ሰሜናዊ ምዕራብ፡ ደቡባዊ ምብራቕን ምብራቕን ብሓፈሻ 116 ብመልከፍቲ ኣንትራክስ ዝተጠርጠሩ ከምኡ'ውን 7 ሞት ከምዝተመዝገበ ጸብጻብ ቢሮ ጥዕና የመልክት።
ብድሆታት ኣብ ምቍጽጻር እቲ ሕማም
- ዝሓመሙ እንስሳታት ብምሕራድ ስጋ ምክፋል
- ንዝሓመሙ እንስሳት ዝሕክም ዝዀነ ዓይነት መድሓኒት ከምኡ’ውን ክታበት ኣንትራክስ ዘይምህላዉ
- ንዝሓመሙ ውልቀሰባት ዝኸውን መድሃኒታትን ካልእ ቀረብ ሕክምናን ኣብ ትካላት ጥዕና ዘይምህላዉ
- ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጸገም ቀረብ ነዳዲ ንተሽከርከርቲ፡ ሞተር ብሽክለታን ኣምቡላንሳትን ተጠቒምካ ነቶም ሕሙማት ናብ ትካላት ጥዕና ምብጻሕ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምዃኑ
- ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ መልከፍቲ ብቕልጡፍ ናብ ሰብሞያ ጥዕና ሓበሬታ ንምሃብ ዘኽእል መራኸቢ ሜላ ዘይምህላዉ፤
- ዘይተገደበ ምንቅስቓስ እንስሳታት ስለዘሎ፡ ሕሙማት እንስሳታት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኣብ ዝንቀሳቐሳሉ እዋን ብቐሊሉ ይላባዕ
2. ሕማም ዕቡድ ከልቢ
ቅድሚ ኲናት ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣገባባት ምክልኻልን ምቍጽጻርን ሕማም ዕቡድ ከልቢ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ፡ ጕጅለታት መባእታዊ ክንክን ጥዕና ከምኡ’ውን ሆስፒታላት ትግራይ ተበጻሒ ነይሩ።
"ኣብቲ እዋን በቲ ሕማም ናይ ዝተጠርጠሩን ዘጋጠመ ሞትን ዝሕብር ጸብጻብ ካብ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ትካላት ጥዕና ይቐርብ ነይሩ። ንኣብነት ኣብ 2019 ብሰንኪ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ዘጋጠመ ልዕሊ 3000 መልከፍትን ሞት 5 ሰባትን ተሰኒዱ ይርከብ" ይብል እቲ ቢሮ ኣብ ሓበሬታኡ።
ከም ክታበት ኣኽላባት፡ ምሕደራ ናይ ጐደና ኣኽላባት፡ በቲ ሕማም ንዝተለኸፉ ሰባት ዝግበር ሕክምና፡ ከምኡ’ውን ንቕሓት ህዝቢ ምዕባይ ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ብቐጻሊን ዕውት ብዝዀነ መገድን ይፍጸሙ ነይሮም።
ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ እዋን ብሕማም ዕቡድ ከልቢ ዘጋጥም ሞት ናብ ባዶ ንምብጻሕ ይስራሕ ከምዝነበረ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ የመልክት።
"ይዅን እምበር ነቲ ኲናት ስዒቡ ብዝተፈጠረ ቅልውላውን ዘጋጠመ ዕጽዋን፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘጋጥም መንከስቲ ከልብን ዝኽሰት ሞትን ዝምልከት ፀብፃብ ኣብ ትሕቲ 12 ሚእታዊት ትካላት ጥዕና ትግራይ ጥራሕ ተሓጺሩ ይርከብ። እዚ ድማ ምስቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ልዕሊ 90 ሚእታዊት እንትነፃፀር፤ ኣዝዩ ትሑትን ዘይምሉእነትን የመልክት" ክብል ብምንጽጻር ኣቐሚጡ'ሎ።
"ኣብዚ እዋን ብዙሓት ወግዓውን ዘይወግዓውን ጸብጻባት መንከስቲ ከልብን ብሰንኩ ዘጋጠሙ ሞትን ናብ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ይመፅኡ ኣለዉ” ዝብል ቢሮ ጥዕና ትግራይ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተነበረ ዕጽዋ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ንኣኽላባት ዝኸውን ክታበት፡ ወናኒ ዘይብሎም ኣኽላባት ንምውጋድ ዝውዕል ‘ስትሪክኒን’ ዝበሃል ከሚካል ከምኡ’ውን ተለኺፎም ንዝሓመሙ ኣባላት ማሕበረሰብ መሐከሚ ዝኸውን መድሃኒት ቀረብ ከምዘየለ ሓቢሩ።
ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ 11 ወረዳታት ትግራይ 41 ሰባት ብሰንኪ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ሞይቶም ኣለዉ። ከምኡ’ውን ንዝሓመሙ ሰባት ዝኸውን መድሃኒት ብዘይምህላዉ ብዙሓት መልከፍቲ ዘጋጠሞም ኣብ ገዛኦም ኰይኖም ባህላዊ ሕክምና ይገብሩ ወይ ናብ ባህላዊ ሓኪም ክኸዱ ይግደዱ።
ብድሆታት ምክልኻልን ምቍጽጻርን ሕማም ዕቡድ ከልቢ
- ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ነቶም ተቓላዕቲ ዝዀኑ ውልቀሰባት ዝወሃብ ‘ፕሮፊላክሲስ’ ዝበሃል መድሓኒት የለን
- ንእንስሳታት (ኣኽላባትን ደማሙን) ዝኸውን ክታበት ዘይምህላው
- ወናኒ ዘይብሎም ኣኽላባት ንምእላይ ዝውዕል ‘ስትሪክናይን’ ዝበሃል ከሚካል ዘየለ ምዃኑ
- ኣብ መንጎ ቤት ጽሕፈት ጥዕናን ትካላት ጥዕናን ዝግበር ምስግጋር ሓበሬታ፡ ብሰንኪ ምቍራፅ ኣገልግሎታት ርክብ ምትእጉጓሉ
- ሕጽረት መሳርሒታት ሕክምናን ዕንወት ትካላት ጥዕናን
3. ሕማም ዓሶ
ኣብ ትግራይ፡ ብኸባቢ ኣስታት 75 ሚእታዊት፡ ብመንጽር ህዝቢ ድማ እቲ 70 ሚእታዊት ንሓደጋ ዓሶ ዝተቓልዐ ከም ዝዀነ ጸብጻብ ጥዕና እቲ ክልል የመልክት።
ምትሕልላፍ ዓሶ ብግዜን ቦታን ኣዝዩ ይፈላለ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ዓሶ ኣብ ክልተ ወቕትታት’ዩ ብዝለዓለ ደረጃ ዝርአ። እቲ ብስፍሓት ዝረኣየሉ እዋን ካብ መስከረም –ታሕሳስ ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ሚያዝያ-ግንቦት 'ውን ይርአ እዩ።
ኣብቲ ክልል ናይ መወዳእታ ለበዳ ካብ መጋቢት ክሳብ ሚያዝያ 2017 [ኣ.ኤ] ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ዝተመዝገበ እዩ ነይሩ።
ንዕኡ ስዒቡ ትግበራ ስትራተጂታት ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማም ዓሶ ብግቡእ ስለዝተፈጸመ ካብቲ እዋን ንደሓር ለበዳ ሕማም ዓሶ ተራእዩ ኣይፈልጥን።
ዓሶ ኣብ ትግራይ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ጠንቅታት ሕማም እዩ። ንዝሓመሙ ውልቀሰባት ግቡእ ክትትልን ሕክምናን ምግባር ድማ ዝርግሐ እቲ ሕማም ደው ኣብ ምባልን ዝስዕብ ሞት ኣብ ምንካይን እጃም ኣለዎ።
ይዅን እምበር ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ኲናት ግቡእ ኣገልግሎት ስለዘየለ፡ ቀረባት ሕክምና ብዘይምህላውን ስሩዕ ክትትል ስለዘይግበርን ሰፊሕ ዝርግሐ ሕማም ዓሶን ሞትን ይምዝገብ ኣሎ።
ብኣጋኡ ምፍላጥን ሓበሬታ ሕሙማት ምርካብን ነቲ ለብዒ ኣብ ምግታእ ይዅን ህይወት ሰባት ኣብ ምድሓን ወሳኒ ግደ ኣለዎ። ይዅን እምበር ብሰንኪ’ቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ምቍራጽ መራኸቢታት ከምኡ’ውን ዘይምሉእነት ጸብጻባትን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ዘሎ ሓቀኛ ሓበሬታ ዝርግሐ ዓሶ ምርካብ ኣጸጋሚ ኰይኑ’ሎ።
ካብ ካልኣይ ሰሙን ወርሒ ሰነ 2022 ጀሚሩ ዓሶ ብመልክዕ ለበዳ ይዝርጋሕ ከምዘሎ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ይሕብር። እቲ ለበዳ ድማ ኣብ ቀበሌ ዓዲ ሂደም፡ ነበለት፡ ወርቅኣምባ፡ ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ ከምዝዀነ ናብቶም ከባቢታት ዝተዋፈሩ መሻርኽቲ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ይገልጹ።
ድሕሪ’ቲ ካብ መሻርኽቲ ዝተረኸበጸብጻብ፡ ጕጅለ ክኢላታት ናብቶም ከባቢታት ብምልኣኽ ንዅነታት እቲ ለበዳ ኣጽኒዖም’ዮም።
"ንጕዕዞ እቲ ጕጅለ ዘድሊ ነዳድን ፋይናንሳዊ ደገፍን ብቤት ጽሕፈት ውድብ ጥዕና ዓለም ጨንፈር መቐለ ዝተሸፈነ ኰይኑ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳድን ግዜን ግን ቀንዲ ጠንቅ እቲ ለበዳ ከለልዩ ኣይከኣሉን። ኣብተን ወረዳታት ክውሰድ ዝነበሮ ግብረ-መልሲ ለበዳ’ውን ብሰንኪ ቀረብ ነዳድን ፋይናንሳዊ ጸገማትን ተደናጒዩ ኣሎ" ይብል እቲ ቢሮ።
ክሳብ 23 ሓምለ 2022 ኣብ ዝነበረ እዋን ልዕሊ 10 ወረዳታት ትግራይ ለብዒ ሕማም ዓሶ ከምዝተራእየን ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ለብዒ ዝተረኣየለን ከባቢታት ድማ ጸረ-ዓሶ መድሃኒትን ካልኦት ቀረባት ሕክምናን ዘይብለን ብምዃነን ነቲ ኵነታት የጋድዶ።
ነቲ ለብዒ ብኣጋ ምቍጽጻር እንተዘይተኻኢሉ ዓሶ ብስፍሓት ዝረኣየሉ እዋን ይመጽእ ብምህላዉ ናብ ብዙሕ ከባቢታት ክዝርጋሕ ከምዝኽእል ቢሮ ጥዕና ትግራይ የተሓሳስብ።