ሻውዓይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ፡ ኢታማር ኢንሆርን ንኻልኣይ ግዜ ተዓዋቲ መድረኽ ኰይኑ

ምንጪ ስእሊ, FERWACY
ሻውዓይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2024 ካብ ሩኮሞ ናብ ካዮንዛ 158 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ኰይኑ፡ ውድድር ብኣቈጻጽራ ቀርኒ ኣፍሪቃ ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ’ዩ ጀሚሩ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ መድረኽ ተጻወትቲ ብሓፈሻ 2019 ሜትሮ ብራኸ’ዮም ሓኲሮም።
ውድድር፡ ኣብ በሪኽ ጀሚሩ ኣብ ጐልጎል ዝውዳእ ከም ምዃኑ መጠን ብቅጽበታዊ ውድድር ክዛዘም ግምት ነይሩ።
ኣብዚ ውድድር፡ ተቐዳዳማይ እስራኤል ፕሪሜር ተክ ጂሴፍ ብላክሞር ብጫ ማልያ ሒዙ ኣትዩ፤ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኣስታና ካዛኪስታን ዶስቲቭ ብ11 ካልኢት፡ ኮሎምብያዊ ጆናታን ሬስቲሬፖ ብ13 ካልኢት ዊልያም ጁንየር ሌሰርፍ ብ55 ካልኢት ድሒሮም ንብጫ ማልያ እናኣቋመቱ ድማ ይስዕብዎ።
ካብ ኤርትራውያን ዳዊት የማነ ብ2 ደቂቕን 21 ካልኢትን፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ከኣ ብ2 ደቂቕን 25 ካልኢትን ድሒሮም መበል 10ን 11 ተርታ ሒዞም’ዮም ጸወታ ጀሚሮም።
ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ዳዊት የማነ፣ ብሉጽ መንእሰይን ብሉጽ ኣፍሪቃዊ መንእሰይን ከኣ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ።
ብጋንታ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብ36 ሰዓታት 33 ደቂቕን 54 ካልኢትን መሪሕነት ሒዛ’ያ ናብዚ ውድድር ኣትያ፤ እስራኤል ፕሪሜር ተክ ከኣ ብ2 ደቂቅን 7 ካልኢትን ድሒራ ትስዕባ።
ጸወታ ኣብቲ ዝተመደቦ ግዜ ኣብ ዝጀመረሉ ከምቲ ዳርጋ ኣብ ኵለን መድረኻት ዝርኣናየን፣ ትሽዓት ተቐዳደምቲ ካብ ዓባይ ጕጅለ ሃዲሞም ብምውጻእ ሓንቲ ድልድልቲ ጕጅለ መስረቱ።
ኣብ መበል 10 ኪሎሜተር ተቐዳዳማይ ዩሲኣይን ንመወዳእታ ግዜ ውድድር ዘካይድ ዘሎ ጽጋቡ ግርማይ ካብ ዓባይ ጕጅለ በይኑ ሃዲሙ ነቶም ኣብ ቅድሚት ዝነበሩ ንኽጽንበሮም እስካቶኡ ኣትረረ፤ ዓባይ ጕጅለ ግን ቀልጢፋ ወሓጠቶ።
መራሒት ጕጅለ ፍልልያ ክሳብ 30 ካልኢት’ኳ ኣብጺሓቶ እንተነበረት፡ ብመንገዲ ጆሴፍ ብላክሞር ብጫ ማልያ ሒዞም ዘለዉ ጋንታ እስራኤል ፕሪሜር ቴክ ንዓባይ ጕጅለ ኣብ ቅድሚት ኰይኖም ብምቕላስ ነቲ ፍልልይ ከጽብብዎ ይፍትኑ ነይሮም።
ኣብ መበል 17 ኪሎሜተር ከኣ ነቲ ፍልልይ ናብ 10 ካልኢት ኣውረድዎ። ኣብ መበል 24 ኪሎሜተር ከኣ ኣርከብዎም።
ኣብ መበል 30 ኪሎሜተር ጽጋቡ ግርማይ ሓሙሻይ ርእሱ ናይ ምምላቝ ፈተነ’ኳ እንተኣካየደ ዓባይ ጕጅለ እቲ ፍልልያ ካብ 10 ካልኢት ከይሓለፈ እንከሎ ኣርከበቶም።
ኣብ መበል 32.4 ኪሎሜተር ተሰሪዓ ኣብ ዝነበረት ንሓዃሪ ነጥቢ ኣብ እተውህብ ሕንጻጽ ከኣ፡ ላቱር፡ ቶረስን ክተቺን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ብምዃና ኣትዮማ።
ኣብ መበል 43 ኪሎሜተር ተጉለስ ካብ ቤንጎልን ዶርን ካብ ባይክ አይድን ካብ ዓባይ ጕጅል ብምህዳም በይኖም ኣብ ቅድሚት ወጽኡ። ዓባይ ጕጅለ ከኣ ብተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ክትሕቆን ጀመረት።
ኣብ ምጅማር ጸወታ መብዛሕትኡ ቁልቁለት ምስ ምዃኑ ተጻወትቲ ኣብ ቀዳመይቲ ሰዓት 50 ኪሎሜተር’ዮም ሸፊኖም፤ ኣዝዩ ናህሪ ዘለዎ ጸወታ።
ካብ ዓባይ ጕጅለ ነጢሩ ነቶም ኣብ ቅድሚት ዝነበሩ ተጉለስን ዶርን ቫን ደር ድ ውይንከለ ካብ ጋንታ ሎቶ ደስትኒ ምስ ተሓወሶም ሰለስቲኦም እናተበራረዩ ምስ ዓባይ ጕጅለ ዝነበሮም ፍልልይ ከግፍሕዎ ጀመሩ። ኣብ መበል 54 ኪሎሜተር ከኣ እቲ ፍልልይ ናብ 30 ካልኢት በጽሐ።
ኣብ መበል 65 ኪሎሜተር ንካልኣይ መድረኽ ዝሰዓረ እስራኤላዊ ኢታማር ኢንሆርን ካብ እስራኤል ፕሪሜር ቴክ፡ ግሊቫር ካብ ዩኤኢን ሜንስ ካብ ቢንጐል ከምኡ ኦሰሊን ካብ ቶታል ኢነርጂ ካብ ዓባይ ጕጅለ ብምህዳም ነቶም ኣብ ቅድሚት ዝነበሩ ሰለስተ ተቐዳደምቲ ቀረብዎም። ኣብ መበል 70 ኪሎሜተር’ውን ኣርከብዎም፡ ምስ ዓባይ ጕጅለ ዝነበረ ፍልልይ ከኣ ልዕሊ ሓደ ደቂቕ በጽሐ።
ኣብ መበል 72.2 ኪሎሜትር ኣብ ዝነበረት ቀዳመይቲ ናይ መንጎ ቅጽበታዊ ውድድር ከኣ ቫን ደር ድ ውይንከለ ተጉልስን ዶርን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ብምዃን ኣትዮማ፤ ኣብ ቅድሚት ዝነበሩ 6 ተቐዳዳምቲ ኣብ መበል 79 ኪሎሜተር ምስ ዓባይ ጕጅለ ዝነበሮም ፍልልይ ናብ ክልተ ደቂቕ ኣዕረግዎ። ኣብ መበል 86 ኪሎሜተር ከኣ እቲ ፍልልይ ኣስታት ሰለስተ ደቂቕ በጽሐ።
ኣብ ቅድሚት ዝነበሩ ሽዱሽተ ተቐዳደምቲ እናተበራረዩ ብምዝዋር ነቲ ፍልልይ ከግፍሕዎ ጀመሩ፤ ኣብ 98 ኪሎሜተር ከኣ 3 ደቂቕን 20 ካልኢትን ኣብጽሕዎ።
ካብቶም ኣብ ቅድሚት ዘለዉ ሽዱሽተ ተቐዳደምቲ ኣብ ብጫ ማልያ ዝሓሸ ግዜ ዘለዎ ተጉለስ ኰይኑ፡ ብ5 ደቂቕን 19 ካልኢትን ድሒሩ ኣብ መበል 18 ተሰሪዑ ይርከብ።
ተጻወትቲ 100 ኪሎሜተር ኣብ ዝሸፈንሉ ቀዳመይቲ ጕጅለ ንዓባይ ጕጅለ ናይ ኣስታት 4 ደቂቕ ፍልልይ ኣንጺፋትላ ነይራ።
ምህዳም እዛ ጕጅለ ከምዘየዋጽእ ዝተረድኣ ብጫ ማልያ ዝሓዘት እስራኤል ፕሪሜር ተክን ካልኦት ንብጫ ማልያ ዝቃለሳ ዘለዋን ጋንታታት ስካቶታተን ብምትራር፣ ነቲ ፍልልይ ከጽብበኦ ጀመራ። ኣብ መበል 117 ኪሎሜተር ከኣ እቲ ፍልልያ ናብ ሰለስተ ደቂቕን ፈረቓን ወረደ።
ጸወታ ክዛዘም 20 ኪሎሜተር ምስ ተረፎ እቲ ፍልልይ ናብ 2 ደቂቕን 50 ካልኢት ወረደ፤ ዓባይ ጕጅለ ትሃድኖም ከምዘላ ዝተረደኦም ቀዳሞት ኦሰሊን ካብ ቶታል ኢነርጂ ነታ ጕጅለ ብምምራሕ ተሪር መጥቃዕቲ ፈነወ፤ ጸወታ ክዛዘም 10 ኪሎሜተር ክሳብ ዝተርፎ ከኣ እቲ ፍልልይ ኣብ ዘለዎ ደው በለ።
ኣብ መበል 147.1 ኪሎሜተር ኣብ ዝነበረት ነጥቢ ተውህብ ናይ ቅጽበታዊ ውድድር ሕንጻጽ ከኣ ቫን ድ ወይነከለ፡ ተጉለስን ኦውስሊንን ብቅደም ተኸተል ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ብምዃን ኣተዉ።
እዛ ሽዱሽተ ተቐዳደምቲ ዝሓቘፈት መራሒት ጕጅለ ጸወታ ክዛዘም 5 ኪሎሜተር ክተርፎ እንከሎ ፍልልያ 1 ደቂቕን 40 ካልኢትን ስለዝነበረ፡ ዓባይ ጕጅለ ከየርከበታ ኣብ መስመር ሕንጻጽ ከምእትበጽሕ ዳረጋ ርጉጽ ኮነ።
ንኻልኣይ መድረኽ ዝተዓወተሉ ቻምፕዮን እስራኤል ተቐዳዳማይ ጋንታ እስራኤል ፕሪሜር ቴክ ኢታማር ኢንሆርን ከኣ ቀዳማይ ብምዃን መስመር ሕንጻጽ ረገጸ። እስራኤል ፕሪሜር ቴክ ካብ ሸውዓት መድረኻት ሰለስተ ናይ መድረኽ ዓወት ብምምዝጋብ ብጫ ማልያ'ውን ክትዕቅብ ክኢላ ኣላ፤ ይበል ዘብል ውህደት ጋንታ።
ካብታ ሃዲማ ዝውዓለት ጕጅለ ቫን ደ ወይንከለ ካብ ሎቶ ደስቲኒ ካልኣይ፡ ግሊቨር ካብ ዩኤኢ ሳልሳይ፡ ተጉለስ ካብ ቢንጎል ራብዓይ ኮይኖም ኣትዮም።
ትማሊ ካብ ዊልያም ጁንየር ሊሰርፍ ብጫ ማልያ ዝተረከበ ተቐዳዳማይ እስራኤል ፕሪሜር ቴክ ጆሴፍ ብላክሞር ብጫ ማልያ ዓቒብዋ ኣሎ።
ብጫ ማልያ ክሳብ ሕጂ ኢታማር ኢንሆርን ካብ እስራኤል ፕሪሜር ቴክ፡ ፐፒጂን ረንድሪክ ካብ ሳውዳል ኵክ ስቴፕ፡ ዊልያም ሊሰርፍ ካብ ሳውዳል ኵክ ስቴፕ፡ ጆሴፍ ብላክሙር ካብ እስራኤል ፕሬሜር ቴክ ተቐባቢሎሙላ ኣለዉ ።
ካብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሎሚ መበል 16 ብምዃን ዝኣተወ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ንዝበለጸ መንእሰይ እዚ ውድድርን ንዝበለጸ ኣፍሪቃዊ መንእሰይን ዝወሃባ ክልተ ማልያታት ዓቂብወን ኣሎ።
ናሆም ዘርኣይ መበል 19፡ ዳዊት የማነ መበል 22፡ ዓወት ኣማን መበል 31፡ መትከል እዮብ መበል 37፡ ያፌት ሙሌጌታ መበል 40፡ መርሃዊ ቅዱስ መበል 48 ኮይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።
ዳዊት የማነ ትማሊ ዝተረከባ ንዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቀዳዳማይ ትወሃብ ማልያ ዓቂብዋ ኣሎ።
ካብ ኢትዮጵያውያን ተቐዳደምቲ ኣሚር ጀዓፈር ጣሃ መበል 24፡ ጽጋቡ ግርማይ መበል 49 ኮይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።
ኣብ ብጫ ማልያ፡ ኢልካን ዶስቴቭ ብ11 ካልኢት ድሒሩ ካልኣይ፡ ጆናታን ሬስቲረፖ ብ 13 ድሒሩ ሳልሳይ ኣሎ።
ካብ ኤርትራውያን ዳዊት የማነ ብ2 ደቂቕን 21 ካልኢትን፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ብ2 ደቂቕን 25 ካልኢትን ድሒሮም መበል 10ን 11ን ተሰሪዖም ኣለዉ።
ዙር ርዋንዳ 2024 ሰንበት 25 ለካቲት ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ ብዝካየድ ሻሙናይን ናይ መወዳእታን መድረኽ ክዛዘም እዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
