ኢትዮጵያዊ ሞገስ ጥዑማይ ኣብ ናይ 10 ሽሕ ሜትሮ ጉያ ተዓዊቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓድሽ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሞገስ ጥዑማይ ኣብ መኽፈቲ ውድድር፡ እቲ ኣብ ሞሪሸስ ዝካየድ ዘሎ ሻምፒዮና 10 ሽሕ ሜትር ተዓዊቱ።
ኣብዚ ውድድር፡ ወዲ 25 ዓመት ሞገስ ብ 29 ደቂቓን 12 ሰከንድን ብምዝዛም ወርቂ መዳሊያ ተሸሊሙ።
ካልእ ኢትዮጵያዊ ጨምደሳ ደበሌን ኬንያዊ ኣብራሃም ሎንጊስዋን ንእኡ ስዒቦም ካልኣይን ሳልሳይን ኮይኖም ኣለው።
ኣብ ሞሪሸስ ስታድዮም ኮትዱዋር ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት መኽፈቲ፡ ካልኦት ውድድራት'ውን ተኻይዶም እዮም።
ደቡብ ኣፍሪቃ ብደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዳርባ ዓረር፡ ክልተ መዳሊያታት ረኺባ።
ኣብ ውድድር ጉያ 100 ሜትር ኣብ ዝተገብረ ቅድድም መጻረዪ'ውን፡ ፍሉጣት ኣፍሪቃውያን ኣትሌታት ናብ ቀጻሊ ዙር ሓሊፎም ኣለዉ።
ቅልጡፍ ኣፍሪቃዊ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፈርዲናንድ ኦማንያላን፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኣካኒ ሲምቤነን ካብቶም ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዝሓለፉ እዮም።
ኦማንያላ ኣብዚ ዓመት ንጉያ 100 ሜትር ብ 9.85 ሰከንድ ምውድኡ ዝዝከር እዩ።
ኣብ መጻረዪ ጉያ 800 ድማ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ቶሎሳ ቦደና፡ ኤፍሬም መኮነንን ባጫ ሞርካን ካብ ምድቦም ሓሊፎም ኣለዉ።
ኣብ ጉያ መሰናኽል 100 ሜትሮ ውድድር መጻረዪ ዝገበሩ ኵሎም ኢትዮጵያውያን ግን ናብ ቀጻሊ ዙር ክሓልፉ ኣይከኣሉን።
ሎሚ ኣብ ዝሳለጡ ውድድራት ፍጻመ ካስተር ሰማንያ ኣብ 5 ሽሕ ሜትሮ ክትወዳደር እያ።
ብጉያ 400 ሜትር ንኢትዮጵያ ዝወከላ ደቀንስትዮ ኵለን ኣብ መጻረዪ ዝሓለፋ ኮይነን፡ ሓደ ወዲ ተባዕታይ'ውን ሓሊፉ ኣሎ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
