እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ኣምሓራን ኦሮምያን ዘሎ ኩነታት ከምዘሻቐሎ ገሊጹ
ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ኢትዮጵያ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ዘሎ ኩነታት ከምዘሻቐሎ ገሊጹ።
ብሊንከን ትማሊ ዓርቢ ሓምለ 28 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ እዋናዊ ርእሰ ጉዳያት ኣመልኪቱ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ቴሌፎን ወግዒ ከምዝገበረ ቤት ጽሕፈት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ኣንቶኒ ብሊንከንን ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ሰላም፣ ምርግጋዕን ብልጽግናን ኣልዒሎም ከምዝተዛተዩ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
እቶም ክልተ ሰበ ስልጣን ብቴለፎን ዘዋግዑ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ዕጡቓት ሚሊሻን ፋኖን ዘካይድዎ ዘለዉ ኵናት ተጋዲዱ ብምቕጻሉ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣብ ዝተኣወጀሉ ዕለት’ዩ።
“ሰላምን ድሕነትን ህዝቢ ንምውሓስ" ዝወጽአ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ሕግን ስርዓትን እታ ንምሕላው ዕላማ ዝገበረ ከምዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ነዚ ስዒቡ ድማ እስራኤል ነቲ ኩነታት ብቐረባ ትከታተሎ ከምዘላ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ዘሻቐሎም ሃገራት ኣሜሪካ፣ ዩናይትድ ኪንግደም፣ ካናዳን ኣውስትራልያን ዜጋታተን ናብ ኣምሓራ ከይጉዓዙን ኣብኡ ዘለዉ ድማ እኹል ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዝግባእ ብምጥቃስ ክጉዓዙ ዝደልዩ ሰባት ድማ ማዕዳ ክሓቱ ከምዘለዎም ኣጠንቂቐን።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሊንከን ካብቲ ኣብ ኣምሓራን ኦሮምያን ዝጋደድ ዘሎ ጎንጺ ብተወሳኺ ኣብ ኣፈጻጽማ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብዛዕባ ዘሎ ምምሕያሻት ኣልዒሉ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ተዛትዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ምጥፍፋእ ረድኤት ተዛሚዱ ብዛዕባ ዝተቛረጸ ሓገዝ መሊስካ ንምጅማር ኣብ ዝከኣለሉ ርእሰ ጉዳይ ኣድሂቦም ዝዘተዩ እቶም ሰበ ስልጣን ምስ ህንጸት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ተተሓሒዙ ዝርአ ዘይምቅዳው፡ ዲፕሎማሲያዊ ማዕልቦ ንኽርከቦ ኣሜሪካ ድጋፍ ከምእትገብር’ውን ኣንቶኒ ብሊንከን ምግላጹ፡ መግለጺ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣመልኪቱ።
ኣብ መወዳእታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ቅልውላው ሱዳን ንኸብቅዕ ይግበር ኣብ ዘሎ ዞባዊ ጻዕሪ የበርክቶ ንዘሎ እጃም ናእድኡ ገሊጽሉ።