መንግስቲ ኢትዮጵያ ሸውዓተ ፋብሪካታት ሽኮር ንምሻጥ ጨረታ ኣውፂኡ

ፋብሪካ ሽኮር

ምንጪ ስእሊ, ETHIOPIAN SUGAR INDUSTRY GROUP

Published

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝርከባ ሸውዓተ ፋብሪካታት ሽኮር ንኢንቨስተራት ውሽጢ ዓድን ወፃእን ክሸይጥ ከምዝደሊ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኣብ ዘውፅኦ ፃውዒት ጨረታ፡ ናይ ውሽጢ ዓድን ደገን ኣውፈርቲ፡ ኣብ ዕድጊት እቶም ፋብሪካታት ክሳተፉ ዓዲሙ ኣሎ።

እቶም ብመንግስቲ ዝውነኑን ንመሸጣ ዝቐርቡ ፋብሪካታት ሽኮር፡ ኦሞ ኩራዝ 1፣ 2፣ 3ን 5ን፣ ኣርጆ ደደሳ፣ ከስመ፣ ጣና በለስን ተንዳሆን እዮም።

እቲ ጨረታ ኣብቲ ዓውዲ ተወዳዳርነት ንምዕባይን ጠለብ ውሽጢ ሃገር ንምምላእን ዝዓለመ ምዃኑ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ፡ ሽኮር ካብ ደገ ንምእታው፡ ልዑል ሸርፊ ወፃኢ ከምዝሓታ፡ እቲ ሚኒስትሪ ኣመልኪቱ።

ነቶም ሸውዓተ ፋብሪካታት ናብ ብሕቲ ምዝውዋር፡ ተወዳዳርነትን ምህርትን ክውስኽ ከምዝገብር እውን ገሊፆም።

ምምዕባል ዓውዲ ምህርቲ ሽኮር፡ ኣብቲ ቃንጫ ሽኮር [ሽኮር ኣገዳ] ዝፈርየሉ ከባቢታት ንዝርከቡ ሕብረተሰባት ህይወት ንምምሕየሽን እቶት ንምድንፋዕን ከምዝጠቅም ይግለፅ።

ናብ ዓውዲ ሽኮር ዝኣትዉ ናይ ወፃኢ ኣወፍርቲ፡  ንድሌት ውሽጢ ሃገር ዝኸውን ሽኮር ንምቕራብ ጥራይ ዘይኮነስ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ሽኮር ናብ ወፃኢ ሰደድ ብምግባር ናይ ወፃኢ ሸርፊ ከምዘምጽኡ ሚኒስቴር ፋይናንስ ኣፍሊጡ።

እቶም ንጨረታ ዝወጽኡ ፋብሪካታት ሽኮር፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተሃነፁን ዝርከብሉ ቦታታት ንመፍረ ቃንጫ ሽኮር ዝምችኡ፣ ልዑል ሃፍቲ ማይ ዘለዎም፣ ምሉእ መሰረተ ልምዓት ዘለዎም ምዃኖም ገሊፁ ኣሎ።

መስርሕ ናብ ብሕቲ ምዝዋር እተን ፋብሪካታት፡ 'ኤርንስት ኤንድ ያንግ' ዝተባህለ ትካል ከም ኣማኻሪ ብምቑጻር፡ እቲ ከይዲ ንጹርን ዕዉትን ክኸውን ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።

ሚኒስቴር ፋይናንስ፡ ነተን ፋብሪካታት ሽኮር ንምግዛእ ዝደልዩ ናይ ውሽጢ ዓዲ፣ ዓለም ለኸ ወይ ድማ ውሁድ ትካላት ተገዳስነቶም ዝገልፅ ቦንድ ከቕርቡ ዓዲሙ።

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ገዛኢ ሰልፊ ዝነበረ ኢህወዴግ መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ካብ ዝተውሃበ ውሳነታት፣ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ትሕቲ ብሕታዊ ዋንነት መንግስቲ ዝነበሩ መሳለጥያታትን ኣፍረይቲ ትካላትን ኩሎም ወይ ገለ ክፋል ናብ ናይ ብሕቲ ዋንነት ምስግጋር ይርከቦም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ትሕቲ ዋንነት መንግስቲ ግልጋሎት ዝህቡ ወይ ኣብ ህንፀት ዝርከቡ ትካላት መንገዲ ባቡር፣ ልምዓት ሽኮር፣ ኢንዳስትሪ ፓርክ፣ ሆቴልን ዝተፈላለዩ ኣፍረይቲ ትካላትን ብመሸጣ ኣክስዮን ሙሉእ ብሙሉእ ይኹን ብኸፊል ናብ ውልቀ ሴክተር ክሰጋገሩ ተወሲኑ ኣሎ።