ንድሕነት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ዝጽውዕ ተቓውሞ ተኻይዱ

Published

ኤርትራውያን ነበርቲ ብሪጣንያ ድሕነት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ውሕስነት ክረክብ ዝጽውዕ ተቓውሞ ኣካይዶም።

ኩሎም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ስደተኛታት ክፍትሑ እቶም ኣብቲ ተቓውሞ ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ጸዊዖም።

ኣብቲ ኣብ ለንደን ኣብ ፊት ኤምባሲ ሱዳን ዝተገብረ ተቓውሞ፡ "ውሕስነት ኤርትራውያን ስደተኛታት ይተሓሎ" ዝብል ጭርሖ ብምሓዝ ነቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ በደላት ኮኒኖም።

ነቲ ኤምባሲ ኣብ ዘቕረብዎ መዘክር፡ "ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ግፋታት፡ ማእሰርትን ገንዘባዊ መቕጻዕትን ደው ክብል ንጽውዕ" ኢሎም።

"ኤርትራውያን ብሰንኪ ከቢድ ምግሃስ መሰረታዊ ሰባዊ መሰላቶም ካብ ሃገሮም ክሃድሙ ጸኒሖም'ዮም"።

"ሱዳን ሓለዋን ድሕነትን ክትህቦም'ዩ ትጽቢት ዝግበረላ። መንግስቲ [ሱዳን] ነዞም ኣብ ድኽነት ዝወደቑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክቕይዶምን ክኣስሮምን ምውሳኑ ንኤርትራውያንን ፈተውቶምን ዘጉሃየን ዘቖጠዐን'ዩ"።

ኣብ ሱዳን፡ ብፍላይ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ዝርከቡ ኤርትራውያን ብቐጻሊ፡ ብዝተፈላለየ ምስምስ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣትዉን፡ ግዝያዊ ወረቐቶም ንምሕዳስ ኮነ፡ ካብ ማእሰርቲ ንምውጻእ ብዙሕ ገንዘብ ክኸፍሉ ከምዝግደዱ ተጣበቕቲ ይገልጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ ኣባላት ጸጥታ ሱዳን፡ ኣብ ርእሰከተማ ካርቱም ንብዙሓት ስደተኛታት ብኣልማማ እናኣሰሩ፡ ካብ 400-500 ዶላር ኣሜሪካ ከፊሎም ንኽወጽኡ የገድዱዎም ከምዝነበሩ ምንጭታት ቢቢሲ ተዛሪቦም ምንባሮም ይዝከር።

ተሓለቕቲ መሰላት ስደተኛታት ከምዝብልዎ፡ ነቶም ሓተትቲ ዕቑባን ስደተኛታትን ግዝያዊ ፍቓድ ዝህብ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን እታ ሃገር ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተዓጽዩ ይርከብ።

ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ካብ ኤምባሲ ሱዳን ኣብ ለንደን ሓበሬታ ንምርካብ ቴለፎን ብምድዋል ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።

እቶም ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ሃገሮም እንተ ተመሊሶም፡ ማእሰርቲ፡ ሰቓይን ሞትን ከጋጥሞም ከምዝኽእል ድማ እቶም ተጣበቕቲ ኣጠንቂቖም።

"እዚ ድማ፡ ሃገርኩም ንዓለምለኻዊ ውዕል ስደተኛታት [ሕቡራት ሃገራት] 1951 ንምኽባር ምስ ዘለዋ ግዴታ ዝጻረር'ዩ" ይብል እቲ ናብቲ ኤምባሲ ዝተረከበ መዘክር።

እቲ ተቓውሞ፡ ብምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንፍትሒ ዝተወደበ'ዩ ነይሩ።

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያንን ደገፍቶምን፡ እቶም ዝተኣስሩ ስደተኛታት ክፍትሑ፡ እቲ ዝተዓጽወ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ክኽፈትን፡ ክምኡ'ውን እቲ ንመሐደሲ ዝሕተትዎ ክፍሊት ክስረዝ ንምጽዋዕ ኣብ ኩሉ ኤምባሲታት ሱዳን ተቓውሞታት ከካይዱ ምዃኖም'ውን ወደብቲ ናይቲ ሰልፊ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ኣብ 2022 ኤርትራውያን ፓለቲካዊ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ኣብ ሱዳን፡ ነቲ ግፋ ኣመልኪተን ኣብ ዝጸሓፈኦ ደብዳበ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያንን ካልኦትን ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ 'ዘይፍትሓዊ' ተግባር ደው ክብል ጸዊዐን ነይረን'የን።

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ግዱድን ገደብ-ኣልቦን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ሃገሮም ገዲፎም ናብ ስደት ክውሕዙ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ጎረቤት ሃገር ሱዳን ድማ ካብተን ቀዳሞት ዕቑባ ዝሓቱለን ሃገራት'ያ።