ምዕራባውያን፡ ስለምንታይ ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበሮም ጽልዋ ይስእኑ ኣለዉ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ዝሃብተመ ክፋል ኣፍሪቃ ኩርዓት፣ ሩፍታን ስክፍታን ተጸምቢሉ ኣብዚ ሰሙን ዓብዪ ዓለም ለኻዊ ዋዕላ የሳልጥ ኣሎ።
ኣብ ጫፍ ዓባይ ከተማ ደቡብ ኣፍሪቃ ጆሃንስበርግ ዝተደኰነትን ማእከል ባንክታት ዝዀነትን ሳንድተን ዓብዪ ኣኼባ ናይቲ ዓብላልነት ምዕራባውያን ንምብዳህ ብሃገራት ብራዚል፣ ሩስያ፣ ህንዲ፣ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝቖመ ብሪክስ ተአንግድ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዙሓት ሃገራት ብኣባልነት ንምእታው ተራ ሒዘን ኣለዋ።
ምስ ብሪክስ ብዝተሓሓዝ ንደቡብ ኣፍሪቃ ሩፍታ ዝሃባ ሓደ ጉዳይ፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብቲ ዋዕላ ዘይሳተፍ ምዃኑ እዩ።
ፑቲን ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ እንተዝኸይድ፡ እታ ሃገር ነቲ ኣብ ዩክረይን ገበን ኲናት ፈጺሙ ተባሂሉ ዝተኸሰሰ ፕረዚደንት ብምእሳር ዓለምለኻዊ ሓላፍነታ ክትፍጽም ድያ ዝብል ኣካታዒ ሕቶ ምላሹ ምተርኣየ ነይሩ።
ካብዚ ፈተና ዝወጽኡ ሰብ መዚ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ እዋን ብኩርዓት ነቶም ዝካየዱ መደባት ኣመልኪቶም መብርሂታት ይህቡ ኣለዉ።
ገለ ተንተንቲ፡ እታ ሃገር ነቲ ዋዕላ ንምክያድ እተርእዮ ዘላ ተወፋይነት፡ ምስ ምዕራባውያን ካብ ዝነበራ ርክብ ብልዑል ቅልጣፈ ናብ ቻይና ብውሑድ ድማ ናብ ሩስያ ትጽጋዕ ከም ዘላ ይገልጹ።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኬፕ ታውን ኣብ ዝተኻየደ ቅድመ ኣኼባ ጉዳያት ወጻኢ ብሪክስ፡ ሓደ ሩስያዊ ጋዜጠኛ ናብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ቀሪቡ “ናይ ሰብኣዊ መሰል ገነትኩም (ኣብ ምዕራባውያን) ክተቐምጡ ትኽእሉ። ነዛ ዓለም ደጊምና ንሰርሓ ኢና ዘለና” ኢሉ።
ብሪክስ ኣብዚ እዋን ገና ዕሸል ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ኣብ ገለ ከባቢ ግና ሓቀኛ ታሕጓስ ስምዒትን ፈጢሩ ኣሎ።
መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪኣ ኣብ ዘዳለዎ ዋዕላ ፖሊሲ ወጻኢ ዝተሳተፈ ጋዜጠኛ፡ ቻይና ናይ መጻኢ እዋን መሓዛ ርክብ ምዕራባውያን ድማ እናወደቐ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ እዩ ዝብል ሓበሬታ ኣካፊሉ።
ኣብዚ እዩ ድማ ፈተና ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመጽእ።
ሃብታም ነጋዳይ ዝዀነ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛ፡ ብኮቪድን ኣብ ዓለም ብዘሎ ሸቕሊ ኣልቦነትን ዘይምዕሩይ ክፍፍል ሃብትን ዝተጸለወ ቁጠባ እታ ሃገር ንምሕዋይ ገዚፍ መዋእለ ንዋይ ወጻኢ ከም ዘድሊ ይርዳእ እዩ።
ሩስያ ነዚ ፍታሕ ኣይኰነትን። ምስ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ንግዳዊ ርክብ ዳርጋ ዘየለ እዩ።
ዋላ'ኳ ቻይና ኣብዚ ዝሓሸ ተሳትፎ ዝህልዋ እንተዀነ፡ እታ ሃገር ምስ ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ነዊሕ ንዝጸንሐ ርክብ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ዝዕብልል ኣይኰነን።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ስለዚ ንምንታይ ዳኣ ደቡብ ኣፍሪቃ በቲ ድሮ ቁሩብ ክውጠር ዝጀመረ ምስ ምዕራባውያን ዘለዋ ርክብ ክትጣላዕ ደልያ?
እቲ ምኽንያት ብኽፋል ምስቲ ብዕድመ ዝደፈአን ዘይርጉእን መሪሕ ሰልፊ እታ ሃገር ዝተኣሳሰረ እዩ።
ንልዕሊ 30 ዓመታትንደቡብ ኣፍሪቃ ዝመረሐ ሰልፊ ኣፍሪቃን ናሽናል ኮንግረስ (ኤኤንሲ) ንባዕሉ ካብ ቁርቁስ፣ ብልሽውናን ምምሕዳራዊ ናዕብን ንምንጋፍ ይቃለስ ኣሎ።
ንኣብነት ጉዳይ ኲናት ዩክረይን ዝምልከት፡ ቅዋም መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተሓዋወሰ እዩ።
ፈለማ ነቲ ወራር ኰኒኑ፣ ጸኒሑ ኣይኩንን ኢሉ።
ቀጺሉ ንኔቶ ወቒሱ፣ ንፑቲን ንኢዱ፣ ንሰላም ክሽምግል ኢሉ፣ ልምምድ ባሕሪ ሰራዊት ሩስያ ኣተኣናጊዱ፣ ንባዕሉ ብተብተብ ንኣመሪካ ከረድእ ፈቲኑን መብዛሕተኦም ዘልዕሎም ነጥቢታት ቅዋም ሩስያ ዝሓዙን እዮም።
ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ደቡብ ኣፍሪቃ ንሩስያ ኣጽዋር ኲናት ኣቕሪባትላ ክትብል ዘቕረበቶ ክሲ እውን ዝዀነ ምስጢራውነት ኣለዎ።
ፕረዚደንት ራማፎዛ፡ ጉዳይ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ከም ዝኸበዶን ፈላጥን ማእከላይ መርገጺ ዘለዎ ኣማኻርን ኰይኑ ክረአ ይፍትን ከም ዘሎን ዘመላኽቱ ጥርጣረታት ኣለዉ።
ኰይኑ ግና ብዙሓት ኣባላት ውድቡ ነዚ መርገጺኡ ኣይቕበልዎን።
ሩስያ በቲ ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝገበረቶ ሓገዝ ይፈትዋን ንፖሊሲ ወጻኢ ኣመሪካ ድማ ብሓፈሻ ይጠራጠሮን ይብሉ።
እዚ ኣካይዳ ንኩሎም እቶም ተጓዓነጽቲ ዘየሐጎሰን፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ድኹምትን ምውሳን ዘይትኽእልን ኰይና ክትረኣይን ዝገበረ እዩ።
ናይ ኔልሰን ማንዴላ “ዓዲ ቀስተ ደመና” ኣብዚ እዋን ኣብ ጸገም ኣትያ ከም ዘላ ግልጺ እዩ።
ገለ ሰባት እውን ማዕረ ኣብ ቀረባ “ዝፈረሰት ሃገር” ክትከውን ትኽእል እያ ዝብል መጠንቀቕታ ይህቡ ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, BRICS HANDOUT/GETTY IMAGES
ብኣንጻሩ ኣብዚ ሰሙን ዝሳለጥ ዋዕላ ብሪክስ፡ ንሩስያ ስትራተጂያውን ውጽኢታውን ዲፕሎማሲ እትሰርሓሉ ዕድል ዝፈጥር እዩ።
ኣብ ቀረባ እዋናት ርእሲ ማዕከናት ዜና ኣፍሪቃ በቲ ኣብ ኒጀር ዝተኻየደ ዕልዋን ሩስያዊ ዕሱብ ጉጅለ ቫግነር ነቲ ኵነታት ክጥቀሙ ይኽእል ዝብልን እዩ።
ኰይኑ ግና ሩስያ ብሃርኳት ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢኣ ሰርገይ ላቭሮቭን ሚድያታታን ኣቢላ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ዘይነበራ ህላወ በዲሃ ከም ሓንቲ መማረጺት “ባዕዳውን” ምዕራባውያን ኰይና ቀሪባ ኣላ።
ድኽነት፣ ክሊማዊ ለውጢ፣ እናዓበየ ዝመጽአ በዝሒ ሓይሊ መንእሰይን ሸቕሊ ኣልቦነትን ከምኡ ድማ ለውጢ ዘይብሉ መነባብሮን ኣብ ዝፈተነን ሃገራት ዝነብር ህዝቢ ሓድሽ ኣማራጺ ይርእይ ኣሎ።
ምዕራባውያን ንምሩስያ ንምፍታን እንታይ ገይረን?- ዝብል ሕቶ እውን የልዕል።
ብርግጽ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ምዝራብ ሓደገኛ እዩ፤ መራሕቲ ኣፍሪቃ ከም ዓቀይቶት ናይቲ ሰለይ ዝብል ዘሎ ዝሑል ኲናት ጌርና ምርኣይ እውን ግጉይ እዩ።
ሃገራት ምዕራብ ዝኽተለኦ ጥቡቕ መምርሒ፥ ንዝደለየኦም መራሕቲ ምዕዳምን ካልእን ከም ፈረንሳን ብሪጣንያን ዝበላ ነበር ባዕዳውያን ገዛእቲ ንኣፍሪቃ ከም ሓደ ምእላይ ዘድልኦ ኣድካሚ ቅልውላው እምበር ክትሕገዝ ከም ዘለዋ መሓዛ ኣይርእያኣን ዝብል ወቐሳ ክቐርብ ይስማዕ።
ከምዚ ኢልካ ምድምዳም ግን ፍትሓዊ ዘይክኸውን እኽእል።
ምኽንያቱ ምዕራባውያን ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ንግድን ምሕደራን ኣፍሪቃ ብዙሕ ጉልበትን ገንዘብን ኣፍሲሶም እዮም።
ኰይኑ ግና ሰራዊት ፈረንሳን ድሮናት ኣመሪካን ኣብ ከም ኒጀርን ሶማልያን ዝኣመሰሉ ከባቢታት ብርቱዕ ነቐፌታ ኣስዒቦም።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

