ብኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተጸወዐ ሰላማዊ ሰልፊ ንዘይተወሰነ ግዜ ተናዊሑ

ፓትርያርክ ኣቡነ ማትዮስ

ምንጪ ስእሊ, EOTC

Published

መራሕቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ፡ መርገጺ እታ ቤተክርስትያን ተቐባልነት ረኺቡ ኢሎም።

ትማሊ ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መንጎ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን ኣብ ዝተኻየደ ዘተ፡ ኣብ ውሽጢ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ ዘጋጠመ ቅልውላው፡ መንግስቲ፡ እታ ቤተ ክርስቲያን ዘቕረበቶ ቅድመ ኩነት ከምዝተቐበሎ ተገሊጹ።

ሎሚ ቀዳም 4 ለካቲት 2015፡ ውፅኢት እቲ ዘተ ብዝምልከት ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፡ ካብ ሃይማኖታዊ፣ ቀኖናውን ምምሕዳራውን ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ኣብቲ ዘተ ዝተገበረ ድርድር ከምዘየለ ተገሊፁ።

እቶም ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብቋንቋታት ኣምሓርኛን ኦሮኛን ኣብ ዘቕረብዎ መግለጺ፡ "መንግስቲ መርገጺ ቤተ ክርስቲያን ተቐቢሉ ሓድነትን ልዑላውነትን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝሕሉ መንገዲ ከም ዝሰርሕ ኣረጋጊጹ ኣሎ" ኢሎም።

ኣብቲ ኣኼባ ብፓትርያርክ ኣቡነ ማትዮስ ዝምራሑ ዓሰርተ ክልተ ጳጳሳት ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮነንን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲን ሽማግለታትን ተረኺቦም።

ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣብ መንጎ ኣቦታት እታ ቤተ ክርስቲያን ዘጋጠመ ጸገም ስዒቡ፡ ገለ ኣባላት እታ ቤተ ክርስቲያን ከምዝተቐትሉን ከምዝቖሰሉን ተገሊጹ።

ብተወሳኺ ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ኣቦታትን ኣባላትን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቤት ማእሰርቲን ዝፍጸሙ ዘለዉ ግፍዒ ብቕልጡፍ ደው ክብልን ዝተኣሰሩ ክፍትሑን ብሰላምን ብናፅነትን ኣገልግሎቶም ከቕርቡን ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ ኢሎም።

መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኣብ ዘካየድዎ ዘተ መንግስቲ መርገጺ ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ብምሉእ ተቐቢሉ ስለዘሎ፣ ነዚ ንምትግባር ግዜ ስለዘድልን፣ ንሰንበት 5 ለካቲት 2015 ዓ.ም ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝተሰጋገረ ተገሊጹ ኣሎ።

ብወገን ቤተ ክርስቲያን ብሕጊ ዝተትሓዙ ጉዳያት ሕጋዊ ኣሰራርሓኦም ተኸቲሎም ከምዝቕፅሉ ኣመልኪቶም።

ኦርቶዶክሳዊት ቤትክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ'ቶም ቆኖናኣ ብምጥሓስ ሽመት ጵጵስና ዝሃቡ ጉጅለ ጳጳሳት ዘቕረበቶ ሕጋዊ ክሲ ተቐባልነት ከምዝረኸበ ጠበቓኣ ትማሊ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

እቲ ትማሊ ዝሓለፈ ውሳነ ቤትፍርዲ፡ እቶም ካብታ ቤተክርስትያን ዝተፈንጨሉን ብሲኖዶስ ዝተወገዙን ጳጳሳት ኣብ ዝኾነ ቀጽሪ ህንጻ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ከይኣትዉ ንግዚኡ ዝእግድ'ዩ።

ጠበቓ እታ ቤተክርስትያን ኣንዷለም ገዳ ከምዝበሎ፡ እቶም ተኣጊዶም ዘለዉ ጳጳሳት፡ ኣቡነ ሳዊሮስ፡ ኣቡነ ዜና ማርቆስ፡ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ፡ ከምኡ'ውን እቶም "ብዘይጋዊ" ኣገባብ ዝሸምዎም ኤጲስ ቆጶሳትን ዝርከብዎም 28 መራሕቲ ሃይማኖት እዮም።

ጠበቓ ናይቶም ዝተወገዙ ጳጳሳት ብወገኖም ብሽም "ሓድሽ ሲኖዶስ" ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ቤትፍርዲ ነቲ ዝተባህለ እገዳ ከምዘይወሰነ ገሊጹ ክብል ኦሮሞ ሜድያ ኔትዎርክ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ'ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ቤተክርስትያን ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ኣብ ግምት ብምእታው ምርግጋእ ሃገርን ድሕነት ዜጋታትን ንምሕላው ተሪር ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምትታት ከምዝወስድ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ብሓሙስ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ኮሚዩኒኬሽን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እዩ ነቲ መጠንቀቕታ ሂቡ።

እቲ ቅልውላው ቅድሚ ክልተ ሰሙን ካብታ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ዝተነጸሉ ሰለስተ ጳጳሳት ንኻልኦት 26 ጳጳሳት ድሕሪ ምሻሞም ዝጀመረ'ዩ።

ሲዶኖስ ብድሕሪኡ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ ድማ ነቲ 'ዘይሕጋዊ' ዝበሎ ሽመት ብምንጻግ፡ ነቶም ዝሸሙን ዝተሸሙን ከምዘወገዞም ይዝከር።