ዩጋንዳ፡ ሽዱሽተ ህጻናት ሓደ ስድራ ብኢቦላ ተለኺፎም

Published

ኣብ ካምፓላ ርእሰ ከተማ ዩጋንዳ፡ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ዝዀኑ ሽድሽተ ህጻናት ብኢቦላ ከም ዝተለኽፉ ሰብመዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

ዶክተራት እታ ሃገር ኣብ ካምፓላ ይላባዕ ንዘሎ ቫይረስ ንምግታእ፡ ተሪር ስጕምቲ ክውሰድ ንሰሙናት ክጽውዑ ጸኒሖም’ዮም።

ብመሰረት ሓበሬታ ሰብመዚ ጥዕና እታ ሃገር፡ ሓደ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፈ ዘመድ ካብ ካልእ ከባቢ መጺኡ ምስታ ስድራ ድሕሪ ምጽባሩ እዩ፡ እቶም ህጻናት ብቫይረስ ኢቦላ ተለኺፎም።

እዚ ለበዳ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ኣብታ ሃገር ካብ ዝርአ ንደሓር፡ ሚኒስተር ጥዕና ዩጋንዳ፡ 109 ሰባት ብቫይረስ ኢቦላ ከም ዝተለኸፉን 30 ከም ዝሞቱን ኣፍሊጡ። ካብዞም ዝሞቱ፡ እቶም 15 ካብ ካምፓላ እዮም።

ቫይረስ ኢቦላ ህዝቢ ኣብ ዝእከበሎም ከባቢታት ብቕልጡፍ ዝላባዕ ኰይኑ፡ እዚ  ‘ሱዳን ስትረይን’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓይነት ቫይረስ ዛጊድ ክታበት ኣይተረኸቦን።

ኣብዚ ወርሒ፡ ማእከል እዚ ለበዳ ዝዀና ወረዳታት ሙበንድን ካሳንዳን፡ ካብ ካልኦት ከባብታት ተነጺለን ክፀንሓ ተገይሩ ነይሩ።

ፕረዝደንት ዩጋንዳ ዩዌሪ ሙሰቬኒ፡ ለበዳ እቲ ቫይረስ ንምግታእ ካብ ሰብሞያ ጥዕና ንዝወሃብ ቅደመ መጠንቀቕታት ዝምልከት፡ ስጕምቲ ኣብ ምውሳድ ልኡም ብምዃኑ፡ ገለ ሰባት ሻቕሎቶም ይገልጹ።

ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ዶክተር ጄን ሩት ኣሴንግ፡ ህዝቢ ብብዝሒ ኣብ ዝንቀሳቐሰለን ከተማታት፡ ለበዳ እቲ ቫይረስ ከም ዘስግኣ ገሊጻ።

ናይቶም ኣብ ካምፓላ በዚ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሽድሽተ ህጻናት ስምን ዕድመን፡ መንነቶም ንምዕቃብ ኣይተገለፀን።

እንተዀነ እዞም ህጻናት ዝመሃርሉ ቤት-ትምህርቲ ከም ዘይተዓፀወ ተፈሊጡ ኣሎ።

ዶክተር ኣሴንግ ከም ዝበለቶ፡ ካብቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን በዚ ቫይረስ ዝሞቱ፡ እቶም ሽድሽተ በቲ ቫይረስ ንዝተለኽፉ ሰባት ዝኣልዩ ዝነበሩ ሰብሞያ ጥዕና እዮም።

ቫይረስ ኢቦላ ኣብታ ሕመረት ቁጠባ እታ ሃገር ዝዀነት ካምፓላ ብፍጥነት እንተ ተላቢዑ፡ ናብ ካልኦት ሃገራት ናይ ምልባዕ ዕድሉ ዝለዓለ እዩ።