ፖሊስ ሱዳን ኣንጻር ደገፍቲ ዲሞክራሲ ዘንብዕ ጋዝ ተጠቒሞም

ተቓወምቲ ሱዳናውያን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሱዳናውያን ደገፍቲ ዲሞክራሲ፡ ኣብቲ ኣብ መንጐ ወተሃደራውያን ሲቪልን መራሕቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሕጂ'ውን እምነት የብሎምን
Published

ራብዓይ ዓመት ነቲ ንመራሒ ነበር ዑመር ሓሰን ኣል-በሽር ካብ ስልጣን ዘወገደ ህዝባዊ ናዕቢ ንምዝካር፡ ደገፍቲ ዲሞክራሲ ኣንጻር ወተሃደራዊ ምሕደራ ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ፡ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ዘንብዕ ጋዝን ጠያይትን ብምትኳስ ክብትንዎ ሃቂኖም።

እቶም ንወተሃደራዊ ምምሕዳር ዝቃወሙ ኣሽሓት ሰልፈኛታት፡ ናብ ቤተ-መንግስቲ ገጾም ክምርሹ እንከለው እዮም ብሓይልታት ጸጥታ ተዅሲ ዘንብዕ ጋዝን ጠያይትን ገጢሙዎም።

እቶም ሰልፈኛታት ነቲ ኣብዚ ቐረባ መዓልታት ኣብ መንጐ ወተሃደራትን ሲቪልን ዝተኸተመ ስምምዕ ብዙሕ ነገር ዝጐደሎ ዘይንጹር እዩ ብምባል እዮም ዝነጽግዎ። 

እቲ ተቓውሞ ኣብ ራብዓይ ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ንዖማር ኣል-በሽር ካብ ስልጣን ዘወገደ ህዝባዊ ናዕቢ እዩ ተኻይዱ።

ስርዓት ኣልበሽር ኣብ ሚያዝያ 2019 ብህዝባዊ ጸቕጢ ካብ ስልጣን ቅድሚ ምእላዩ ንዝሓለፈ 30 ዓመታት ነታ ሃገር ክመርሕ ጸኒሑ እዩ።

እቲ ንሓጺር እዋን ዝቐጸለ መስርሕ ምስግጋር ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ብወተሃደራዊ ዕልዋ ተቘጽዩ ምልካዊ መንግስቲ እዩ ዝመርሕ ዘሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት መራሕቲ ናይቲ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ወተሃደራዊ ጃንዳ ነቲ እናጓሃረ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ንሲቪላዊ መንግስቲ ስልጣን ክህብ ከምእተሰማምዐ ይዝከር።

ሲቪላውያን መራሕቲ ስልጣን ዝርከቡሉ ናይ ክልተ ዓመት ናይ መሰጋገሪ ግዜ ክቕበሉ’ኳ እንተተሰማምዑ፡ እቶም ዝበዝሑ መንእሰያት ኣንስትን ሰብኡትን ዝርከብዎም ደገፍቲ ደሞክራሲ ግን፡ ነቲ ስምምዕ ኣትሪሮም ይቃወምዎ ኣለው።

ሰሚራ ሓሰን ዝተባህለት መንእሰይ፡ "ብዘይካ ሲቪላዊ መንግስቲ ካልእ ዝዀነ ይዅን ነገር ኣይንቕበልን ኢና" ዝብል ሓሳብ ምቕራባ AFP ጸብጺቡ። እቶም ሰልፈኛታት "በዚ ስምምዕ እዚ ኣይክንግዛእን ኢና፣  "ናብ ባርነት ኣይክንምለስን ኢና" ዝብል ጭርሖ እናስምዑ እዮም ዝምርሹ ነይሮም።

እቲ ስምምዕ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ምስ ተኸተመ፡ ኣብ መላእ ዓለም ፍሉጥ  ሱዳናዊ ሰራሕ ፊልም ሓጆውጅ ኩካ፡ "እቲ ሕድሪ ተጠሊሙ እዩ፤ እቲ እምነት ከኣ ጠፊኡ እዩ። እቲ ሰራዊት ሕጂ’ውን ከምቲ ቕድም ዝገበሮ  ክገብር ይኽእል እዩ" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።