'ስርሐይ ሬሳ ኣብ መንበር ኣቐሚጥካ ትኽ ኢሉ ኮፍ ከምዝብል ምግባር እዩ'

ምንጪ ስእሊ, Richard Kennady
መጠንቀቕታ፡ እዚ ዛንታ ምስሊ ሬሳታት ዝሓዘ እዩ!
"ስርሐይ ሬሳ ኣብ መንበር ኣቐሚጥካ ትኽ ኢሉ ኮፍ ከምዝብል ምግባር እዩ ነይሩ" ይብል ራቪንድራን ብዛዕባ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ስራሑ ክዛረብ እንከሎ።
"ድሕሪኡ እቲ ሰኣላይ ምእንቲ ክስእል ሽፋን ዓይኒ ናይቲ ሬሳ ይቐልኦ።"
እንዳ ስእሊ ወይ ስቱድዮ ዝውንን ዝነበረ ኣቦኡ ስሪኒቫሳን፡ ኣብ 1972 ንፈላማይ ስርሑ ክልእኮ እንከሎ፡ ወዲ 14 ዓመት እዩ ነይሩ።
ሪቻርድ ኬናዲ’ውን ወዲ ትሽዓተ ዓመት እንከሎ ተመሳሳሊ ዘሰክፍ ተመኵሮ ኣሕሊፉ እዩ። ብድሕሪ እቲ ዝሞተ ሰብ ኮፍ ዝበለሉ መንበር ኰይኑ ጻዕዳ ጨርቂ ዘርጊሑ ክሕዝ ተገይሩ።
"ፈሪሐ የንቀጥቀጥ ነይረ፤ ሽዑ ምሸት ፍጹም ክድቅስ ኣይከኣልኩን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። “ንሓያለ ለይቲታት እቲ ዝሞተ ሰብ ዝረኣየሉ ዘባህርር ሕልሚ ብተደጋጋሚ ሓሊመ፤ ዘስካሕክሕ እዩ ነይሩ።"
ክልቲኦም ሰኣልቲ ዝዀኑሉ ምኽንያት ኣቦታቶም እንዳ ሰኣላይ ስለ ዝነበሮም’ዩ። ብድምር ከኣ ልዕሊ 1,000 ዝሞቱ ሰባት ስኢሎም ኣለዉ።
ንሳቶም ካብቶም ቍጽሮም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናነከየ ዝመጸ፡ ኣብ ደቡባዊ ህንዲ ግዝኣት ታሚል ናዱ ዝርከቡ፡ ዝሞቱ ሰባት ኣብ ምስኣል ዝነጥፉ ሰኣልቲ እዮም።
እቲ ስራሕ ኣብ ሰብዓታትን ሰማንያታትን ጽቡቕ ኣታዊ እዩ ዝርከቦ ኔሩ።
ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ዘይተለምደ ስርሖም ኣዘራሪብዎም ኣሎ።
ምስ ፍርሒ ምቅላስ
ክሳዕ ቅድሚ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት፡ ብዙሓት ማሕበረሰባት ታሚል ናዱ፡ ስእሊ ምስኣል ዕድመ ሓደ ሰብ ከም ዘሕጽር ይኣምኑ ነይሮም። እዚ ማለት ብዙሓት ሰባት ድሕሪ ሞቶም ጥራይ እዮም ንመጀመርታ ግዜ ተሳኢሎም።
ራቪንድራን ኣብታ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ግዝኣት ቸናይ ንደቡብ 400 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ካራይኩዲ እዩ ዓብዩ። ንሓደ ኮተቴ ደስ ዝብል ስራሕ’ኳ እንተዘይነበረ፡ ትምህርቱ ከቋርጽ ስለ ዝደለየ ግን መመኽነይታ ኰይንዎ።
"ድሕሪ ናይ ሒደት ኣዋርሕ ልምምድ፡ ስእሊ ዝሞቱ ሰባት ክስእል በይነይ ከይደ" ይብል።
ራቪንድራን በብቕሩብ ክእለቱ ኣማዕቢሉ - ኣብ ትሕቲ ክሳድ እቲ ኣብ መንበር ኮፍ ዝበለ ሬሳ መተርኣስ ብምግባር ርእሱ ከይቀንን ይገብር፡ ክዳውንቲ የስተኻኽልን ድሕረ-ባየታ ይቕይርን።
"ንፍርሐይ ተቓሊሰ ስርሐይ ክፈትዎ ጀሚረ፤ ሬሳታት ኣብ ስእሊ ጽቡቕን ሓቀኛን ክመስል ገይረ።"
ልቢ ዝሰብሩ ተሰኣልቲ

ምንጪ ስእሊ, Heritage Art/Getty Images
ሪቻርድ እውን ካብ ራቪንድራን ኣብ ዝንእስ ዕድመ እዩ ጀሚሩ። ካብ ቸናይ ንምዕራብ ኣስታት 350 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ጐቦታት የርካውድ ንኣቦኡ ናብ ስራሕ የሰንዮ ነይሩ።
ዝኸበደ ተመኵሮኡ ድማ፡ ሬሳ ሓድሽ ዝተወልደ ዕሸል ምስኣል የጠቓልል።
''እቶም ወለዲ ኣዝዮም ሓዚኖም። እታ ኣደ ብቐጻሊ ትበኪ ነይራ።"
ሰኣላይ ምስ መጸ፡ እታ ኣደ ነቲ ዕሸል ሓጺባን ሓድሽ ልብሲ ኣልቢሳን ገለ መመላኽዒ ገይራትሉ።
"እቲ ዕሸል ባምቡላ ይመስል ነይሩ" ክብል ሪቻርድ ይዝክር። "ኣደኡ ሓቚፋቶ ስኢለዮ። ዝደቀሰ’ዩ ዝመስል።"
"ኣዝዩ ዘሕዝን ነይሩ።"
ሬሳ ምሕጻብን ብዕምባባ ምውቃብን ዝኣመሰሉ ወግዒታት’ውን ይስእሉ ነይሮም። ገለ ስድራቤታት ሓደ ወይ ክልተ ስእሊ ጥራይ ክደልዩ እንከለዉ፡ ገሊኦም ግን ዝያዳ ይጠልቡ።
"ናብቲ መቓብር ከይተረፈ ከይደ፡ እቲ ሬሳ ዝቕበረሉ ዝነበረ ህሞት ስኢለዮ፡" ይብል ራቪንድራን።
እቶም ሰኣልቲ ግዜ ይሓጽሮም ነይሩ። ሓዘንተኛታት ስድራቤታት ሓደ-ሓደ ግዜ ንጽባሒቱ ንዝግበር ስነ-ስርዓት ሓዘን ብፍሬም ዝተቐመጠ ስእሊ ዝሞቱ ኣዝማዶም ስለ ዝደልዩ፡ ነቲ ስእሊ ኣብ ሓደ ለይቲ ከማዕብልዎን ክሕትምዎን ግድን ይኸውን።
ራቪንድራንን ሪቻርድን ብተዛማዲ ዘይተራቐቐ ጸሊምን ጻዕዳን ካሜራታት ይጥቀሙ’ኳ እንተነበሩ፡ ስርሖም ግን ብዝግባእ ፈጺሞም’ዮም።
ዓማዊሎም ናይ ሂንዱን ክርስትያንን ስድራቤታት ኰይኖም ገለ ካብዚኦም ሕጂ’ውን ነቶም ብፍሬም ዝተቐመጡ ኣሳእል ኣብ ናይ ጸሎት ክፍሎም ኣቐሚጦምዎም ይርከቡ።
ራቪንድራን ክልተ ሬሳታት ኣስላም ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝሰኣለ ይዝክር፤ ሪቻርድ ግን ከምዚ ዓይነት ተመኵሮ የብሉን።
ዘባህርሩ ሕልምታት

ምንጪ ስእሊ, Richard Kennady
ሪቻርድ ኣብ ክፍሊ ፖሊስ እውን ይሰርሕ ነይሩ። ዘይባህርያዊ ሞት ዘጋጠሞም ወይ ከም ግዳያት ገበን፡ ነብሰ ቅትለትን ሓደጋ ዝዀኑ ይስእል፤ መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ሬሳታት ብጥይት ኣዝዮም ዝቘሰሉ እዮም።
"ኣዝዩ ዝርብሽ ነይሩ። ሓደ ሓደ ግዜ ክበልዕን ክድቅስን ኣይክእልን።"
ግን ስእልታቱ ኣብ ቤት ፍርዲ ከም መርትዖ ቀሪቦም ስድራቤታት ካሕሳ ንኽረኽቡ ሓጊዞም እዮም።
ነዚ ዓይነት ስራሕ ጽቡቕ ክፍሊት ይኽፈሎም ነይሩ - ካብቲ ልሙድ ዋጋ ብዕጽፊ የኽፍሉ ከም ዝነበሩ ይዝክሩ።
ካብ ኣዝማዶም ምኽሪ ይረኽቡ’ኳ እንተነበሩ፡ ምስቲ ዘስካሕክሕ ስራሕ ዝተኣሳሰር ግን ርኡይ ጸለመ ነይሩ።
ሪቻርድ፡ "ብዙሓት ዓማዊል ንኻልእ ስራሕ ከዋፍሩኒ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን" ይብል።
ተኸተልቲ ሂንዱ ዝዀኑ ስድራ ራቪንድራን፡ ምስ ሞት ዝተኣሳሰር ቦታታት ከም ርኹስ ስለ ዝቘጽርዎ፡ ቅድሚ ናብ ገዛኡ ወይ ስቱድዮኡ ምእታዉ ናይ ግድን ክነጽህ ነይርዎ።
"ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዜ ክሕጸብ የድልየኒ ነይሩ። ኣቦይ፡ እቲ ካሜራ ናብ ስቱድዮ ቅድሚ ምእታዉ ገለ ማይ ከይተረፈ ይነጽጐ ነይሩ።"
ሰፊሕ ልምዲ

ምንጪ ስእሊ, Richard Kennady
ቅድሚ ሕጂ፡ ሰባት ድሕሪ ሞቶም ምስኣል ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝተለመደ ነይሩ።
ኣብ መፋርቕ መበል ዓሰርተ ትሽዓተ ክፍለ ዘመን፡ ብዙሓት ብሓዘን ዝተሃስዩ ስድራቤታት ምስ ዝሞቱ ደቆምን ካልኦት ኣዝማዶምን ይስኣሉ ከም ዝነበሩ ይፍለጥ።
ስእሊ ክቡር ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብዙሓት ሰባት ብህይወት ከለዉ ዝዀነ ስእሊ ኣይነበሮምን። ድሕሪ ሞቶም ክሰኣሉ ምግባር ግን ስድራቤታት ዝጸናንዕሉ መንገዲ እዩ ነይሩ።
ኣብ ኣሜሪካ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጢ ገዛውቲ ሬሳ ኣብ ልዕሊ በረድ ተቐሚጡ ይሰኣል ነይሩ።
ነቶም ክቐብሩ ዘይከኣሉ ወይ ኣብ ግዚኡ ዘየርከቡ ኣባላት ስድራቤት፡ ድሕሪ ሞት ዝተሰኣሉ ኣሳእል ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ።
ስእሊ ሞት ኣብ ዘመነ ቪክቶርያ ብሪጣንያ እውን ተፈታዊ ከም ዝነበረ ይንገር።
ኣብተን ብሕማም ዕንፍሩር፡ ‘ዲፍተርያ’፡ ‘ስካርለት ፊቨር’፡ ‘ሩቤላ’ ዝተላብዐለን ከተማታት፡ ሞት ኣብ ዝዀነ እዋን ከጋጥም ስለ ዝኽእል ብዙሓት ሰባት ኣብታ ሓጺር ዕድመኦም ክሰኣሉ ፈጺሞም ኣይክእሉን ነይሮም።
መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ ሞት ዝተሰኣለ ስእሊ፡ ቀዋሚ መልክዕ ናይ ሓደ ፍቑር ቈልዓ ንምርካብ ናይ መወዳእታ ዕድል እዩ ነይሩ።
እቲ ተግባር ግን ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ዓለም - ምናልባት ድሕሪ ክንክን ጥዕና ሰባት ዝነብሩሉ ዕድመ ስለዝተመሓየሸ - እናተገደፈ መጺኡ።
ኣብ ታሚል ናዱን ከምኡ’ውን ከም ምዕራብ ቤንጋልን ኦዲሻን ኣብ ዝኣመሰላ ግዝኣታት ህንዲን ከምኡ'ውን ኣብ ቅድስቲ ከተማ ቫራናሲን ግን ንነዊሕ እዋን ጸኒሑ’ዩ።
ሪቻርድ ነዞም ምስልታት እዚኣቶም ከም ስነ-መጐታዊ መቐጸልታ ናይቶም ኣቐዲሞም ዝነበሩ ናይ ቀለም ስእልታት እዩ ዝሪኦም።
"ቅድሚ ስእሊ ምምዕባሉ፡ ዓበይቲ ጐይቶት፡ ስነጥበባውያን ብቐለም ክስእልዎም ይእዝዙ ነይሮም።"
"ስእሊ መቐጸልታ ናይቲ ነቲ ዝኽሪ ንምዕቃብ ዝዓለመ ልምዲ እዩ። ሃብታማት ጥራይ እዮም ናይ ቀለም ስእሊ ክእዝዙ ዝኽእሉ ነይሮም፤ ስእሊ ግን ዋላ ድኻታት ብተመጣጣኒ ዋጋ ዝረኽብዎ ነይሩ" ክብል ይውስኽ።
ናብ ፍጻመ ምቕራብ
ኣብ መወዳእታ 1980ታት ግን ዝዀነ ሰብ ክጥቀመለን ዝኽእል ሕሱራት ካሜራታት ነቲ ዕዳጋ ኣዕለቕለቓኦ፤ ናይ ምስኣል ፍርሒ’ውን ክጠፍእ ጀሚሩ።
"ብዙሓት ሰባት ንኣሽቱ ካሜራታት ገዚኦም ኣሳእል ክስእሉ ጀሚሮም" ክብል ሪቻርድ ይገልጽ።
ጠለብ ኣገልግሎቱ እናነከየ ምስ ከደ፡ ኣታዊኡ ንምዕባይ፡ ኣብ ፍጻመታትን በዓላትን ቤተክርስትያን ከተኵር ጀሚሩ።
ራቪንድራን ኣብ ዝተፈላለዩ ፍጻመታት ኣብያተ ትምህርቲን ህዝባዊ መደባትን ኣተኲሩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ናይ መርዓ ሰኣላይ ኰይኑ። ሕጂ ኣብ ስሳታት ዕድመኡ ይርከብ።
ነቶም ነቲ ሞያ ንኽመሃር ከምኡ’ውን ንፍርሒ ሞት ክስዕር ዝሓገዙዎ ምዉታት ድማ የመስግን፤ ኣብ ናቱ ግን እቲ ልምዲ ክፍጸም ኣይደልን።
"ድሕሪ ሞተይ ዝዀነ ሰብ ክስእለኒ ኣይደልን፡" ይብል።
ሕጂ ወዲ 54 ዓመት ዝዀነ ሪቻርድ ኣባሓጐኡ ምስሞተ ስኢልዎ እዩ፤ ስእሊ ሰለስተ ወለዶ ኣቦታቱ ኣለዎ። ዘይከም ራቪንድራን፡ ክሳዕ ሕጂ ዓቢ እኩብ ኣሳእል ምዉታት ኣለዎ።
"ስድራና ኵሉ ግዜ ስእሊ ኣቦታትና ይዕቅብዎ እዮም። ንንእሽቶ ወደይ ድሕሪ ሞተይ ስእሊ ክስእለኒ ከም ዘለዎን፡ እታ ስእሊ ድማ ኣካል ውርሻ ናይቲ ስድራቤት ክትከውን ከም ዘለዋን ነጊረዮ’የ።"






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
