ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ 13 ህጻናት ብጥሜት ሞይቶም ተባሂሉ

Published

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ደቡብ ኣብ ዝርከብ ዞባ ኮንሶ ብዘጋጠመ ሕጽረት መግቢ፡ 13 ህጻናት ከም ዝሞቱ ናይቲ ዞባ ተወካሊ መንግስቲ ኣቶ ተስፋየ ጫሬ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ኮንሶ፡ ወቕቲ ዝሓለወን እዅልን ዝናብ ኣይነበረን። ብሰንኪ እዚ ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ዘድልዮም 122,735 ኣለዉ። ብተወሳኺ ኣብቲ ከባቢ ብዝልዓሉ ግጭታት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ 68,087 ይርከቡ። ቍጽሪ እቶም ብጥምየት ዝሳቐዩ ሰባት ከም ዝወሰኸን፡ ብሓፈሻ 190,825 ሰባት ተጸበይቲ ከምዝዀኑ ኣቶ ተስፋየ ይሕብር።

ኣካያዲ ስራሕ ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋ ክልል ደቡብ ዝኾነ ኣቶ ጋንታ ጋምኣ፡ ረድኤት ናብቶም ተጸበይቲ ይቐርብ ከምዘሎ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣቶ ተስፋይ ግን፡ ረድኤት ሴፍቲነት እንተቐረበ'ውን እዅል ከምዘይኮነ ይሕብር።

ወሲኹ፡ ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝርከቡ ሰለስተ ወረዳታት ቍጽሪ እቶም ብሕጽረት መግቢ ተጠቒዖም ናብ ትካል ጥዕና ዝመጹ ህጻናት ከም ዝወሰኸ ይሕብር።   

እቲ ሓላፊ ከም ዝብሎ 244 ብሕጽረት መግቢ ዝተጐድኡ ህጻናት ኣብ ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን ይርከቡ።

እቲ ዞባ ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ፡ ግጭትን ናህሪ ዋጋ መነባብሮን ይፍተን ከምዘሎ ዝገለጸ ኣቶ ተስፋይ፡ ግጭት ኣብ ዝነበሮም ከባቢታት 20 ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝተቓጸሉን፡ 10,430 ህጻናት ትምህርቲ ከምዘቋረጹን ይሕብር።

“ካብ ፈጣሪ ወይ ካብ መንግስቲ እጽበ ኣለኹ”

ኣቶ ኮታና ኣሌ ለሚሳ ኣብ ዞባ ኮንሶ፡ ወረዳ ካራት፡ ቀበሌ ሶሮቦ እዮም ዝነብሩ።

ኣቦ 12 ቈልዑ ዝዀኑ ኣቶ ኮታና፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ጣፍ፡ መሸላ፡ ዕፉን፡ ዳጉሻን ባልደንጓ'ኳ እንተዘርኡ ብሰንኪ ሕጽረት ዝናብ ፍረ ክህብ ኣይከኣለን።

እዚ ዅነታት ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ስለ ዝተደጋገመ ንዝኸፍአ ጸገም ከም ዝተቓልዑ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ቆፎኦም ዝነበረ ወዲኦም ምስ ደቈም ጥራይ ኢዶም ከምዝተረፉ ዝዛረቡ ኣቶ ኮታና፡ “ካብ ፈጣሪ ወይ ካብ መንግስቲ እጽበይ'ለኹ፡” ይብሉ።