ኣካላት ሰብ ሸይጠን ተባሂለን ዝተኸሰሳ ኣደን ጓልን ተፈሪደን

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ኣመሪካ፡ ክፍለሃገር ኮሎራዶ ሓንቲ ወናኒት ትካል ቀብሪን ወላዲታን፡ ኣካላት ሰብ ብዘይፍቓድ ሸይጠን ብዝብል ክሲ ገበነኛታት ኮይነን ብምርካበን ተፈሪደን።
ጓል 46 ዓመት ሜጋን ሄስን ወላዲኣ ጓል 69 ዓመት ሸርሊ ኮክን፡ ንኣስታት 560 ሬሳታት ብምጥባሕ ኣካላት ወሲደን ንናይ ስልጠና ትካላት ሸይጠንኦ።
እተን ዓደግቲ ትካላት ግን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝተረኽበ ኣካላት ምንባሩ ዝፈልጥኦ ኣይነበረንን።
ነቲ ገበን ካብ 2010 ክሳብ 2018 ኣብ ዝነበረ እዋን'የን ፈጺመንኦ።
ኣኽበርቲ ሕጊ ከም ዝበልዎ፡ ኣብ ገለ እዋናት ምሉእ ኣካላት ከም ዘለዎ ይሸጥኦ ነይረን።
ኣብ ኣመሪካ ኣካላት ምልጋስ ፍቑድ ኮይኑ፡ ክሽየጥ ግን ኣይኽእልን።
ሜጋን ሄስ ን20 ዓመት ማእሰርቲ ክትፍረድ እንከላ፡ ወላዲታ ኮክ ድማ ን15 ዓመታት ተፈሪዳ'ላ።
እታ ኣብ ከተማ ሞንትሮስ 'ሳንሰት ሜዛ ፊዩነራል ሆም' ዝተባህለ ናይ ቀብሪ ትካል ዝነበራ ሄስ፡ ንዘይተፈጸመ ምንዳድ ሬሳ (ክረሜሽን) ንቤተሰብ መወትቲ ክሳብ 1000 ዶላር ተኽፍል ነይራ።
ንገሊኦም ድማ፡ ኣካላት ክልግሱ ፍቓደኛታት እንተኾይኖም ነቲ ስነስርዓት ብናጻ ከተካይዶ ጠለብ ተቕርበሎም ከም ዝነበረት ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊጾም።
ብዘይፍቓድ፡ ከምኡ'ውን ዝተሰንዐ ናይ ምልጋስ ኣካላት ቅጥዕታት ተጠቒመን ዝተፈላለየ ኣካላት ይሸጣ ከም ዝነበራ'ዮም ኣኽበርቲ ሕጊ ከሲሶም።
ኣብ ውሽጢ'ቲ ናይ ቀብሪ ትካል 'ዶነር ሰርቪስስ' ዝተባህለ ካልእ ትካል ምልጋስ ኣካላት ብምምስራት፡ ቀላጽም፡ ኣእጋርን ርእሲታትን ሰባት ይሸጣ ነይረን።
ነቲ ትካል ዝተጠቕምሉ ሓያለ ቤተሰብ መወቲ ጸኒሖም ከም ዝፈለጥዎ፡ ናይ ካልኦት ሬሳታት ዝተሓወሶ ሓሙኽሽቲ'ዩ ተዋሂብዎም።
"ክልቲኤን ደቂ ኣንስትዮ፡ ነቶም ናብአን ዝመጹ ኣብ ሓዘንን ጓሂን ዝነበሩ ተነቀፍቲ ግዳያት'የን ኣታሊለን" ክብል ፍሉይ ወኪል መርማሪ ገበናት ፈደራል፡ ኤፍ-ቢ-ኣይ ሌናርድ ካሮሎ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ተዛሪቡ።
"ኣብ ክንዲ ዘድልዮም ኣገልግሎት ግን፡ እዘን ስሱዓት ኣንስቲ ነቲ ብዙሓት ግዳያት ዘንበሩለን እምነት ብምጥላም፡ ንመወቲ መቕርቦም ጠባቢሐንኦም"።
ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ድሕሪ ዘካየዶ መርመራ'ዩ፡ ኤፍ-ቢ-ኣይ ኣብ 2018 ነቲ ትካል ፈቲሽዎ።
ትማሊ ዝወዓለ መጋባእያ ቤት-ፍርዲ በቲ ስምዒት ዝትንክፍ መግለጺታት ግዳያት ዝተዓብለለ'ዩ ነይሩ።
"ሜጋን ልቢ ወላዲተይ ምስራቓ፡ ልበይ ሰይራቶ'ያ" ክትብል ሓንቲ ካብተን ግዳያት ናንሲ ኦቨርሆፍ ከም ዝተዛረበት ደንቨር ፖስት ዝተባህለ ማዕከን ዜና ጸብጺቡ።
ኤሪን ስሚዝ ዝተባህለት ካልእ ግዳይ ብወገና "ሎሚ ናይ ኣእዳው ፌሮ ክገጥም ከሎ ክንሰምዕ ኢና መጺእና" ኢላ።
ዳኛ ቤት ፍርዲ ክርስቲን ኣርጒየሎ፡ እቲ ጉዳይ "ኣብ መንበር ፍርዲ ካብ ዝቕመጥ ኣትሒዙ ከምዚ ዓይነት ስምዒት ዝጽንቅቕ ጉዳይ ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን" ክትብል ገሊጻቶ።
እተን ኣደን ጓልን ብህጹጽ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክውሰዳ'ያ እታ ዳኛ ኣዚዛ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
