ኣማውታ ፖለቲከኛ ኦነግ በቴ ኡርጌሳ ብናጻ ክምርመር ኣመሪካ ንሰበስልጣን ኢትዮጵያ ሓቲታ

ምንጪ ስእሊ, REPORTER NP
ሓላፊ ፖለቲካ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ በቴ ኡርጌሳ ኣብ ከተማ መቂ ተቐቲሉ ከምዝተረኽበ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣማውታኡ ብናጻ ዓለምለኻዊ ወገን ክምርመር ንኽፈቕዱ ኣመሪካ ንሰበስልጣን ኢትዮጵያ ሓቲታ።
"ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ተኣማንነት ዘለዎን ናጻን ዓለምለኻዊ ኣካል ንሞት በቴ ኡርጌሳ ዕሙቕ ዝበለ ምርመራ ከካይድ ክፈቕዱ ይግባእ" ክብል ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ሰነት ኣመሪካ ብ2 ሚያዝያ 2016 [ረቡዕ 11 ሚያዝያ 2023] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጸዊዑ።
ንድሕነቱ ክብል ስሙ ክግለጽ ዘይፈቐደ ናይ ቀረባ ዓርኪ ኣይተ ቡቴ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ፍርቂ ለይቲ 1 ሚያዝያ 2016 [ግእዝ] ኣብ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ኣብ ትርከብ ከተማ መቂ ከም ዝተቐትለ ሓቢሩ።
ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ለሚ ገመቹ ኣብ ፌስቡክ ገጹ "በቴ ዘጋጠሞ ክኣምን ኣይከኣልኩን" ክብል ጽሒፉ።
ቅትለት እቲ ፖለቲከኛ "ዘሰንብድን ዘሕዝንን እዩ" ክብል ኣቦ መንበር ኮሚቴ ርክባት ወጻኢ ባይቶ ኣመሪካ ቤን ካርዲን ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ እቲ ኮሚቴ ገሊጹ።
"ኣብቲ ክልል ዘይሕጋዊ ቅትለት፡ ስቅያትን ፖለቲካዊ ጭቆናን እናበዝሐ ይመጽእ ኣሎ" ክብል ብምግላጽ እውን፡ ንስድራኡ ዝተሰምዖ ዓሚቝ ሓዘን ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ "ስርዓት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ" ኣብ ክልል ኦሮሚያ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ፖለቲካዊ ተቓወምቲ፡ ሚድያታትን ነቐፍቲን "ዓፊኑ" ክብል ብትሪ ነቒፉ።
እዚ ኵነታት ኣብ መላእ ሃገር "ዓቢይ ውሕስነት ኣልቦነትን ሓፈሻዊ ዘይምርግጋእን" ኣበርክቶ ገይሩ'ዩ ኢሉ።
ኣብ ፖለቲካ ኦሮሞ ብዝገበሮ ዕቱብ ምንቅስቓስ ዝፍለጥን ኣብ ውድቡ ልዑል ጽፍሒ ዝነበሮን ኣቶ በቴ፡ ኣብ መፋርቕ ለካቲት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ንክልተ ሰሙን ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽንሑ ብ30 ለካቲት 2016 ብ100 ሽሕ ብር ዋሕስ ከም ዝተፈትሐ ይፍለጥ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ናይ ቀረባ ዓርኩ፡ በቴ ኣብ ከተማ መቂ ካብ ዝሓደረሉ ክፍሊ ሆቴል ብኣስገዳድ ክወጽእ ምስተገብረ ተቐቲሉ ሬሳኡ ኣብ መንገዲ ተደርብዩ ከም ዝተረኸበ’ዩ ዝገልጽ።
እቲ ቅትለት መን ከም ዝፈጸሞ ኣይፈልጥን ክብል እንከሎ፡ ኣብ ከተማ መቂ ኣገልግሎት ተሌኮም ብምቍራጹ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ኣጸጋሚ ምዃኑ ሓቢሩ።
ካልእ ምስ ኣቶ በቴ ቅርበት ዘለዎ ውልቀሰብ፡ እቲ ፖለቲከኛ ኣብ ጥቓ እታ ከተማ ዝርከብ ሕርሻ ፓፓያ ንምዕዛብ ናብ መቂ ከም ዝተጓዕዘ ገሊጹ።
ወሲኹ፡ ቅትለት እቲ ኣቦ ኣርባዕተ ቈልዑ ዝዀነ ኣቶ በቴ ንስድራኡ ምስተነግረ፡ ኣባላት ስድራ ትማሊ ንግሆ ናብታ ከተማ መቂ ከም ዘቕንዑ ሓቢሩ።
ብዛዕባ እቲ ቅትለት እንታይ ተባሂሉ?
ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣቶ በቴ ኣብ ዝተወልደላ ከተማ ከም ዝተቐትለ ኣረጋጊጹ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ቅተለት ምጽራይ ከም ዝገብር ብምግላጽ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት'ውን ዘይሻራዊን ሚዛናውን ምጽራይ ክገብራ ጸዊዑ።
መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ብወገኑ፡ መንግስቲ ዋላ'ውን ምስ ኣቶ በቴ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ እንተሃለዎም ምስቲ ቅትለት ግን ዘራኽቦ ነገር የለን ኢሉ።
ኣብ ልዕሊ እቲ ፖለቲከኛ ዝተፈጸመ ቅትለት ብምኹናን ኣብ ዙርያ እቲ ገበን ኣድላዪ ምጽራይ ምስ ተገብረ እቲ ርኽበት ወግዓዊ ከም ዝኸውን ኣፍሊጡ።
ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዳኒኤል በቀለ (ዶ/ር)፡ ኣብ ዙርያ ቅትለት ኣቶ በቴ ዘይሻራዊ ምጽራይ ክካየድ ከም ዘለዎ ብምምልካት፡ ቀተልቲ ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ሰብ መዚ ክልልን ፈደራልን ቅልጡፍ፡ ዘይሻራውን ዝተማልአን መርመራ ክገብሩ ይሓትት ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
በቴ ኡርጌሳ መን'ዩ?
ኣቶ በቴ፡ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ተሳትፎኡ ብዙሕ ግዜ ዝተኣሰረ ፖለቲከኛ እዩ።
ብ14 ለካቲት 2016 [ግ] እውን ምስ ሓደ ፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ስካይላይት ሆቴል ምስ ፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ኣንቷን ጋሊንዶ እናተዘራረቡ እንከለዉ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ድማ ተፈቲሖም።
ኣብቲ እዋን መንግስቲ፡ እቲ ጋዜጠኛ ኣፍሪካን ኢንተሊጀንስ ዝዀነ ኣንቷን ጋሊንዶን ኣቶ በቴን "ምስ ፋኖን ኦነግ ሸኔን ሓቢሮም ዓመጽን ረብሻን ንምልዕዓል ብምስርሖም" ከምዝተኣስሩ ገሊጹ ነይሩ።
ብተወሳኺ ኣብ መፋርቕ 2013 [ግ] ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ቡራዩ ተኣሲሮም ዝነበሩ ንላዕለዎት መራሕቲ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ንምሕታት ኣብ ዝኸደሉ እዋን ኣብኡ ተታሒዙ ንነዊሕ እዋን ተኣሲሩ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቡራዩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣተሓሕዛኡ ሰብኣዊ መሰላት ዝጐደሎ ምዃኑ ብምግላጽ ንመዓልታት ኣድማ ምሕሳም መግቢ ድሕሪ ምክያዱ፡ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ኣጋጢምዎ ነይሩ።
ቅትለት ኣቶ በቴ ብዝምልከት ንፖሊስን ሰበስልጣንን ከተማ መቂ ንምዝርራብ ዝተገበረ ጻዕሪ ብሰንኪ ምቍራጽ ኣገልግሎት ተሌፎን ክሰምር ኣይከኣለን።
ቢቢሲ ሓለፍቲ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ተሌፎን ስለ ዘይተላዕለ ምላሽ ኣይረኸበን።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
