እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ልዕሊ 160 ሽሕ ተዋሳእትን ሰብ ሞያን ሆሊውድ ኣድማ ጀሚሮም
ተዋሳእቲ ሆሊውድ ኣሰር ጸሓፍቲ ብምስዓብ ኣብ ታሪኽ 60 ዓመት እቲ ኢንዳስትሪ ዘይተርኣየ ኣድማ ከካይዱ ጀሚሮም።
ስክሪን ኣክተርስ ጊልድ (ኤስ ኤ ጂ) ዝተባህለ ማሕበር ተዋሳእቲ፡ ፊልም ዘፍርዩ ትካላት ፍትሓዊ ምክፍፋልን ዝሓሸ ኵነታት ስራሕ ክፈጥሩ ጠሊቡ ኣሎ።
ልዕሊ 160 ሽሕ ተዋሳእቲ ብኣቆጻጸራ ሎስ ኣንጀለስ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ስራሕ ደው ከብሉ እዮም።
እዚ ስጕምቲ መብዛሕትኦም ንጥፈታት ስራሕ ፊልምን ቴሌቪዥንን ኣመሪካ ደው ክብሉ ዝገብር እዩ።
እቲ ኣድማ ድሕሪ ምእዋጁ ፍሉጣት ተዋሳእቲ ሲልያን መርፊ፡ ማት ደመንን ኢሚሊ ብለንትን ሓሙስ ምሸት ኣብ ለንደን በዅሪ ምርኢቱ የካይድ ካብ ዝነበረ ፊልም ክሪስቶፈር ኖላን ኣቋሪጾም ወጺኦም።
ኤስኤጂ ዝጸውዖ ሰልፊ ኣድማ፡ ብአቆጻጽራ ሎስ ኣንጀለስ ዓርቢ ንግሆ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ነትፍሊክስ ካፎርንያ ዝጅምር ኰይኑ ቀጺሉ ናብ ፓራሞንት፡ ዋርነር ብሮስን ዲዝነይን ክቕጽል እዩ።
እቲ ትካል፡ ሰብ ሰራሕ ብልሒ (ኣርተፍሻል ኢንተለጀንስ)፡ ኮምፒተር ወለድ ገጻትን ድምጺታትን ንተዋሳእቲ ተኪኦም ከይሰርሑ እውን ውሕስና ክወሃቦ ይጠልብ።
ንስቱድዮታትን ኣስራሕትን ዝወከለ፡ ጥምረት ኣፍረይቲ ተንቀሳቐስቲ ምስልታትን ቴሌቪዥንን ብግደኡ ነቲ ኣድማ ተቓዊሙ ኣሎ።
"ስቱድዮታት ብዘይቶም ምርኢታት ተሌቪዥናትን ፊልምታትን ዝሰርሑ ተዋሳእቲ ክንቀሳቐሱ ስለዘይክእሉ፡ እቲ ኣድማ እንጽበዮ ኣይኮነን።
"ብዘሕዝን እቲ ማሕበር ኣብዚ ኢንዳስትሪ ዝተመርኮሱ ኣሽሓት ሰባት ናብ ቍጠባዊ ጸገም ዘእቱ መንገዲ እዩ መሪጹ" ክብል ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ ንኣጠቓቕማ ሰብሰርሖ ብልሒ ዝምልከት፡ እቲ ጥምረት ምስ ተዋሳእቲ ዝመሳሰሉ ውጽኢት ቴክኖሎጂታት ከይጥቀምን ዲጂታላዊ ቅዳሕ ተዋሳእቲ ኣብ ዝድለየሉ ድማ ፍቓዶም ክሓትትን ዝቕይድ ወሳኒ ኣመመ ከምዝተሰማምዐ ገሊጹ።
ዳይረክተር ኤስኤጄን ላዕለዋይ ተደራዳርን ዱንካን ክራብትሪ ግን እቲ ዝቐረበሎም ሓሳብ ነጺጉ።
ንሱ እቲ እማመ፡ ተዋሳእቲ ተቐሪጾም ሓደ ግዜ ጥራይ ክኽፈሎም፡ እቲ ትካል ግን እቲ ዝተቐድሐ ምስሎም ንዘልኣለም ክውንኖ ዝገብር ከምዝዀነ ይምጕት።
ካልእ ጠለብ እቲ ማሕበር ንተዋሳእቲ ዝኽፈል ደሞዝን ክፍሊት ተደጋጋሚ ምርኢትን ክዓቢ ኣለዎ ዝብል እዩ።
እቲ ኣድማ ምስቶም ፍሉጣት መሳርሕቶም ክነጻጸር እንከሎ፡ ውሑድ ክፍሊት ዝረኽቡ ተዋሳእቲ ዝሓወሰ እዩ።
ካልእ 11500 ኣባላት ዘለዉዎ ማሕበር ጸሓፍቲ (ራይተርስ ጊልድ ኣመሪካ) ዝሓሸ ደሞዝን ኵነታት ስራሕን ይፈጠረልና ዝብል ኣድማ ካብ 2 ግንበት 2023 ጀሚሩ የካየድ ኣሎ።
እቲ ብክልቲኦም ማሕበራት ዝካየድ ዘሎ ኣድማ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ 1960 ዝተካየደ ኣድማ ናይ መጀመርታ እዩ። ኣብ 1980 ፕረዚደንት ኣመሪካ ኰይኑ ዝተመረጸ ተዋሳኢ ሮናንድ ሬገን ዳይረክተር ኤስኤጂ ኣብ ዝነበረሉ ኣብ 1960 ተመሳሳሊ ኣድማ ተኻይዱ ነይሩ።
ቅድሚ ኤስኤጂ ኣድማ ምጽውዑ፡ ኣብ ኣይዳሆ ተኣኪቦም ንዝነበሩ መራሕቲ ኢንዳስትሪ ዘረባ ዘስመዐ ፈጻሚ ስራሕ ዲዝነይ፡ ቦብ ኢገር፡ ብኽልቲኦም፡ ማሕበራት ጸሓፍትን ተዋሳእትን፡ ዝቐርብ ዘሎ ጠለብ፡ ነቲ ካብ ጽልዋ ኮቪድ ገና ዘይተላቐቐ ኢንዳስትሪ ዝጎድእን ተፈጻምነት ዘይብሉን እዩ ኢሉ።
በቲ ኣድማ ኣብ መስርሕ ዝነበሩ ፊልምታት ዝቋረጹ ኰይኖም ፍሉጣት ተዋሳእቲ ሆሊውድ ኣብ ምፍላጥ ዝተወድኡን ሓድስቲ ዝጅምሩን ፊልምታት ኣይክርከቡን እዮም።