ምክትል ፕረዚደንት ነበር ሪፓብሊካን፡ ንካማላ ሃሪስ ከምዝመርፅ ኣፍሊጡ

ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካን ኣባል ሪፓብሊካንን ነበር ዲክ ቸኒ
Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካን ኣባል ሪፓብሊካንን ነበር ዲክ ቸኒ ንዲሞክራት ካማላ ሃሪስ ከምዝመርፅ ኣፍሊጡ።

ኣብ እዋን ምምሕዳር ፕረዚደንት ጆርጅ ቡሽ ሰፊሕ ጽልዋ ዝነበሮ ዲክ ቸኒ፡ ብዛዕባ እዚ ውሳነኡ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ልዕሊ ዶናልድ ትራምፕ ንሪፓብሊክን ሓደገኛ ዝኾነ ውልቀሰብ የለን" ኢሉ።

ጓል ዲክ ቸኒ ዝኾነት ሊዝ ቸኒ፡ ኣቦኣ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ፕረዚደንታዊ መረፃ ምስታ ሕፅይቲ ዲሞክራት ዝዀነት ካማላ ሃሪስ ይውግን ከምዘሎ ትዛረብ።

"ትራምፕ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ሓሶትን ዓመጽን ብምጥቃም ኣብ ዝሓለፈ መረፃ ንምትላል ፈቲኑ'ዩ" ኢሉ።

"ዳግማይ ስልጣን እንተድኣ ሒዙ፡ ክእመን ኣይክእልን'ዩ"።

ዲክ ቸኒ፡ “ከም ዜጋታት መጠን፡ ሕገ-መንግስትና ንምሕላው ኣብ ክንዲ ውድባዊ ድጋፍ፡ ረብሓ ሃገርና ከነቐድም ኣለና። ነዚ እየ ድማ ንምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ከመርፅ ወሲነ" ኢሉ።

እዚ መርገጺ ዲክ ቸኒ ኣብ ደገፍቲ ካማላ ሃሪስ ብዙሕ ፍናን ፈጢሩ ኣሎ።

"እታ ምከትል ምክትል ፕረዚደንት፡ ደገፍ ምክትል ፕረዚደንት ነበር ዲክ ቸኒ ብምርካባ ኣዝያ ሕጉስቲ እያ። ቅድሚ ውድቡ ንረብሓ ሃገሩ ምቕዳሙ ድማ ክብሪ ይስመዓና" ኢላ ኣደ መንበር ጐስጓስ ዲሞክራት ዝኾነት ጄን ኦማሊ ዲሎን።

ዲክ ቸኒ ኣብ ልዕሊ ዶናልድ ትራምፕ ዘለዎ ጥርጣረን ዘይዕግበትን ዝገለጸ ናይ መጀመርታ ሪፓብሊካን ኣይኮነን።

ጓሎም ሊዝ ቸኒ እውን ንካማላ ሃሪስ ደገፋ ሂባ ኣላ።

ንሳ፡ ኣባል ነቲ ብ6 ጥሪ 2021 ኣብ ካፒቶል ዝተፈጸመ ናዕቢ ዝምርምር ኮሚተ ባይቶ ኣገልጊላ፡ ድሕሪ እቲ ፍጻመ ድማ ንፕረዚደንት ነበር ትራምፕ ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ካብ ዘድመጹ 10 ሪፓብሊካን ሓንቲ እያ ነይራ።

ዶናልድ ትራምፕ መርገጺ ዲክ ቸኒ ምስ ሰምዐ፡ ነቲ ምክትል ፕረዚደንት ነበር "ዘይጠቅም፡ ስማዊ ሪፓብሊካን" ክብል ነፂግዎ።

ወሲኹ ድማ፡ ንዲክ ቸኒ ኣብ እዋን ኲናት ዒራቕ ዝወሰዶ ተግባር ኣመልኪቱ፡ "ንጉስ ዘይሕለል ኲናት" ክብል ነቒፍዎ።