ጀርመን 250 ሽሕ ኬንያውያን ሰራሕተኛታት ክትቈጽር’ያ

መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ነቲ ውዕሊ ከቲሞም

ምንጪ ስእሊ, AFP

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ጀርመን ን250 ሽሕ ኬንያውያን ደለይቲ ስራሕ ኣፍደገኣ ክተርሑ እያ። እቶም ሰራሕተኛታት ገሊኦም ሰብ ሞያ ፍርቆም ድማ ሓውሲ ሞያውያን ከምዝዀኑ ተገሊጹ።

እዚ ድማ በቲ መንግስታት ጀርመንን ኬንያን ዝተሰማምዕዎ ውዕል መሰረት ተፈጻሚ ዝኸውን እዩ።

ኬንያ ስራሕን እኹል መሃያን ብዘይብሎም መንእሰያት እትጻገም ሃገር ክትከውን እንከላ ጀርመን ድማ ሕጽረት ሰራሕተኛታት ጉልበት ኣጋጢምዋ ኣሎ።

ዛጊድ ሓሙሽተ ዘወርቲ ኣውቶብስ ሰሜን ጀርመን ኣብ እትርከብ ከተማ ፍሌንስበርግ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።

እቲ ኣብ መንጐ ጀርመንን ኬንያን ዝተገበረ ስምምዕ ሰራሕተኛታት፡ መንግስቲ እታ ኣውሮጳዊት ሃገር ስደት ንምግታእ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ክሕግዝ እዩ ተባሂሉ።

እቲ ስምምዕ ኣብ ጀርመን ብዘይ ሕጋዊ ፍቓድ ዝርከቡ ኬንያውያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ’ውን ከጠቓልል እዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ጀርመን ጸረ ስደተኛታት ዝዀነ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ተፈታውነቱ እናወሰኸ ይመጽእ ስለዘሎ ጉዳይ ስደተኛታት ንመንግስቲ እታ ሃገር ሕማም ርእሲ ኰይንዎ ኣሎ።

ኣብ ጀርመን ብተኸታታሊ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝዓተሩ መንግስታት ኣብ ሕሉፍ ዓመታት ብተነጻጻሪ ብዝሒ ዘለዎም ሓተቲ ዑቕባ ኣብታ ሃገር ክሰፍሩ ኣፍቂዶም።

ጀርመን ኣብ 2015-2016 ኣጋጢሙ ኣብ ዝነበረ ቅልውላው ስደተኛታት ካብ ሶርያ ዝሃደሙ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ዝተቐበለት ኮይና ኣብ 2022 ወርሒ ለካቲት ድማ ወራር ሩስያ ካብ ዝጅምር ንደሓር 1.2 ሚልዮን ዩክሬናውያን ተቐቢላ።

እቲ ናይ ስራሕ ውዕሊ ብቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝን ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶን’ዩ ኣብ በርሊን ተፈሪሙ።

ጀርመን፡ ኬንያውያን ኣብቲ ዝዓበየ ቍጠባ ኣውሮጳ ስራሕ ንኽረኽቡ፡ ገለ ካብ ሕጊታት ኢሚግሬሽን ከተቃልል ተሰማሚዓ'ላ።

ሰብመዚ ጀርመን፡ ፍቓድ ዘለዎ ስራሕ ንዝረኸቡ ኬንያውያን ዝወሃብ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ብዛዕባ ምንዋሕ ክሓስብሉ ምዃኖም'ውን ተሓቢሩ።

ኬንያውያን ኣብ ጀርመን ንኽመሃሩ ወይ ሞያዊ ስልጠና ንኽረኽቡ ድማ ናይ ነዊሕ ግዜ ቪዛ ክወሃቦም እዩ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ካብ ኬንያ ዝኸዱ ክኢላታት ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ፡ ናብ ጀርመን ኣትዮም ክሰርሑ ክፍቀደሎም እዩ።

ክልቲኦም መንግስታት ሞያዊ ስልጠና ዝወድኡ ወይ ናይ ዩኒቨርሲቲ ዲግሪ ዝረኸቡ ክኢላታት ክድግፉ ተሰማሚዖም ኣለዉ።

እቲ ስምምዕ ዜጋታት ክልቲአን ሃገራት ዳግማይ ንምእታውን ንምምላስን ዝምልከት ድንጋገታት እውን ዘጠቓልል እዩ።

ምዝመዛ ጉልበት፡ ግዱድ ዕዮን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ንምክልኻልን ንምምካትን ዝሕግዙ መምርሒታት ኣብቲ ስምምዕ ተኻቲቱ'ሎ።

ብሓሙስ ኣብ ከተማ ፍሌንስበርግ ንሓሙሽተ ኬንያውያን መራሕቲ መካይን ኣብ ዝተገበረ ኣቀባብላ ሚኒስተር መጓዓዝያ ሽለስዊግ-ሆልስታይን ክላውስ ሩሄ ማድሰን፡ ጀርመን ጻዕራማት ኣእዳውን በሊሕ ኣእምሮን ከምዘድልያ ገሊፁ።

እቲ ውዕሊ ሆስፒታላት ኬንያ ንሕጽረት ሰብ ሞያ ከየሳጥሐን ተሰጊኡ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, AFP

እቶም መራሕቲ መካይን፡ ኣብ ጀርመን ስራሕ ክረኽቡ ተስፋ ብምግባር፡ ብኩባንያ ኣውቶቡስ ኣክቲቭ ክስልጥኑ እዮም።

ሓካይም፡ ነርስታትን መምህራንን ካብቶም ኣብቲ መደብ ክሳተፉ ትጽቢት ዝግበረሎም እዮም።

ዓለምለኸ ውድብ ሰራሕተኛታት እቲ ስምምዕ ኣብ ጀርመን ንዝርከቡ ኬንያውያን ሰራሕተኛታት ዕድል ስራሕ ብዓቢኡ ክውስኽን ኣብታ ሃገር ንዘሎ ሕጽረት ጉልበት ክፈትሕን ትጽቢት ከምዝግበር ኣፍሊጡ።

እንተዀነ ኣብ ኬንያ ከም ሓካይምን ነርስታትን ዝኣመሰሉ ሰብ ሞያ ንስራሕ ናብ ወጻኢ ሃገራት ክኸዱ እንከለዉ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝርከባ ሆስፒታላት ዓቢ ሕጽረት ሰራሕተኛታት ሕክምና ከምዘለወን ስክፍታታት ኣሎ።

ኬንያዊ ጠበቓን ፖለቲከኛን ኤኩሩ ኣውኮት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት "ብዋጋ ሃገርና ንኻልኦት ሃገራት ከነገልግል ምኻድና ዘሕዝን'ዩ" ኢሉ።

ላዕለወይቲ በዓልቲ ስልጣን ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ ሮዝሊን ንጆጉ ግን ኬንያ ንጠለባት ዓለማዊ ዕዳጋ ስራሕ እያ ትምልስ ዘላ ኢላ።