ኣመሪካ ምስ ኲናት ትግራይ ብዝዛመድ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተነብረ እገዳ ኣናዊሓ

ባይደን

ምንጪ ስእሊ, EPA

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ምስ ኩናት ትግራይ ብዝተኣሳሰር ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተነብረ ትእዛዝ ፕረዚደንታዊ እገዳ፡ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ወሲኑ።

እቲ ፕረዚደንት ዓርቢ 1 ዕለት 2016 ዓ.ም. [ግ] ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ፡ "ንሰላም፡ ጸጥታን ምርግጋእን ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ከእትዎ ዝጸንሐ ኩነታት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ሕጂ'ውን ንሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካን ፖሊሲ ወጻእን ክግመት ዘይክእል ስግኣት ኣንፀላልዩ ኣሎ" ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት ወሲኹ፡ እቲ ብፍላይ ብኢትዮጵያ ዝፍለጥ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ቁፅሪ 14046 ክቕፅል ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ገበናት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሞም ዝበሃሉ ውልቀሰባትን ትካላትን እገዳ ክግበር ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ብ7 መስከረም 2014 ዓ.ም [ግ] ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ምውፅኡ ዝዝከር እዩ።

እቲ ትእዛዝ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምንዋሕ እቲ ኲናት ብቐጥታ ወይ ድማ ብተዘዋዋሪ ተሓባበርቲ ዀይኖም ኣበርክቶ ዝገበሩ፣ ንተበፃሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝዕንቅፉ፣ ተኹሲ ደው ምባል ዝዕንቅፉ እገዳታት ክግበር ዘፍቅድ እዩ።

እቲ ብክታም እቲ ፕረዚደንት ዝወፅአ ትእዛዝ፡ ብቐንዱ ንሰበስልጣን መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ’ውን ንምምሕዳር ክልል ኣምሓራን ኣባላት መሪሕነት ህወሓትን ዝዓለመ’ዩ ነይሩ።

እቲ ትእዛዝ ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ዀይኑ፡ ካብ 17 መስከረም 2021 እቲ ውሳነ ካብ ዝተመሓላለፈሉ እዋን ጀሚሩ፡ ዓመት ዓመት ብትእዛዝ ፕረዚደንት ይሕደስ ኣሎ።

እዚ ትእዛዝ’ዚ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ፈጻሚ እቲ ትእዛዝ ዝኾነ ክፍሊ ገንዘብ ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ተሳተፍቲ ናይቲ ኲናት’ዮም ዝብሃሉ ወተሃደራዊ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን እገዳ ኣንቢሩ።

ነቲ ትእዛዝ ስዒቡ፡ ብሕዳር 20121 ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ ህግደፍ፣ ከምኡ'ውን እቲ ብህግደፍ ዝውነኑ ዓቢ ንግዳዊ ኮርፖረሸን ቀይሕ ባሕሪን ማዕከን ሕድርን እገዳ ከምዝተገብረሎም ይዝከር።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣብቲ ብ 6 ዓርቢ 2016 ዓ.ም ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካን ፕረዚደንት ሰኔትን ዝተጻሕፈ ደብዳበ፡ እቲ ፍሉይ ትእዛዝ ካብ 7 መስከረም 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ከየብቅዕን ኣብ ግብሪ ክውዕልን ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር፡ እቲ "ሃገራዊ ህጹጽ እዋን" ዝብል ስያመ ዘለዎ ድንጋገ፡ እቲ ግዜ ቅድሚ ምዝዛሙ ኣብ ውሽጢ 90 መዓልታት ኣብ ቦትኡ ክጸንሕ ሕቶ እንተዘይቐሪቡ፡ ግዜኡ ከምዘብቅዕ ፕረዚደንት ባይደን ነቲ ደብዳበ ጽሒፉ።

እቲ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ፡ ንኹሎም ኣብ ኲናት ትግራይ ንዝተሳተፉ ወገናት ዝምልከት ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ንቤት ጽሕፈት ካዝና ኣመሪካ ዝተፈላለየ ጥሕሰት ዝፈጸሙን ሰላም ዝዓንቀፉን ሰባት ክሕተቱ ኣድላዪ ስልጣን ከምዝሃበ ተገሊጹ።

እቲ ዳርጋ ኣብ መላእ ሰሜን ኢትዮጵያ ንኽልተ ዓመት ዝቐፀለ ደማዊ ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት እታ ሃገር ዓቢ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ኣስዒቡ እዩ።

ብፍላይ ኣብ ልዕሊ እቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣብ ዘይእዉጅ ዕፅዋን ክባን ኣትያ ዝተሃሰየት ክልል ትግራይ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ዝሃለቐ ዀይኑ፡ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ድማ ካብ መረበቶም ብሓይሊ ተመዛቢሎም።

ብሰንኪ እቲ ኲናት፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን’ውን ብዙሓት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ተፀበይቲ ሰብኣዊ ሓገዛት ኮይኖም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።

ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ሓይልታት ኤርትራ፣ ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ህወሓትን፡ ምስ ገበናት ኲናት ክመዓራረ ዝኽእል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ባይደን ነዚ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ድሕሪ ምፍራሙ፡ ኢትዮጵያ ብመርገጺ ኣመሪካ ከምዘይተሓጎሰት ገሊጻ ምንባራ ይዝከር።

ኲናት ትግራይ፡ በቲ ብፌደራል መንግስትን ህወሓትን ብ3ሕዳር 2022 ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ውዕል ሰላም እኳ እንተኣብቀዐ፡ ኣመሪካ ግን ክሳብ ሕጂ ኩነታት ሰሜን ኢትዮጵያ ከምዘይተማሐሸ ትገልፅ።