እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተልኣኹ ኣሸማገልቲ ኣብ መቐለ ዝርርብ ጀሚሮም
ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተበገሱ ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ንሽምግልና ሎሚ ንግሆ ናብ መቐለ ኣትዮም፡ ምስ መራሕቲ ትግራይን መራሕቲ ሃይማኖትን ዝርርብ ጀሚሮም ኣለዉ።
ኣብቲ ኣብ ኣዳራሽ ፕላኔት ሆቴል ዝካየድ ዘሎ ዝርርባት፡ ካብ ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን ካብ ክልቲኡ ወገን ከምዝተረኽቡ ወኪል ቢቢሲ ካብ መቐለ ዝሰደደልና ሓበሬታ የመልክት።
እቲ ጕጅለ ልኡኽ ሰላም፡ ብኣካቢ ተቋማት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሸኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ዝተመርሐ ኰይኑ፡ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃማኖታትን ዓበይቲ ዓዲን ዝሓቘፈ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።
ካብ ተወከልቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ፣ ምክትል ህወሓትን ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ከምኡ'ውን፡ ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት ዶክተር ፍስሃ ሃብተፅዮን ከምዘተረኸቡ ተፈሊጡ'ሎ።
እቲ ኣኼባን ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ (መቐለ) ኣትሒዙ "ንሚድያ ዕፅው ግበሩልና" ከምዝበሉ እውን ምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ናይ መጀመርታ ኣኼባ ኣብ ዕፁው ዝተኻየደ ብምዃኑ መዘራረቢ ኣጀንዳን ኣብቲ ዝርርብ ዝተልዓሉ ዝርዝር ሓሳባትን ኣይተፈልጠን።
እቶም ብባዕላዊ ተበግሶ ከምዝመፅኡ ዝገልፁ ኣሸማገልቲ ዓዲ፡ ኣብ መቐለ ናይ ሓደ መዓልቲ ጥራይ ፃንሒት ከምዝህልዎም እዩ ተገሊፁ ዘሎ።
ኣብታ ከተማ ኣብ ዝህለዎም ፃንሒት፡ ኣብታ ከተማ ተዛዊሮም ንተወከልቲ ህዝብን ምስ ገለ ኣባላት መሪሕነት ህወሓት ክዘራረቡ ምዃኖምን ትጽቢት ይግበር።
ኣብ መንጐ መሪሕነት ውድብ ህወሓትን መንግስቲ ፈደራልን ሕጂ'ውን ዘይምርድዳእ ዝረአ ዘሎ ዀይኑ፡ ብፍላይ ምስ ምስራዝ ሕጋዊ ሰብነት እቲ ውድብ ስዒቡ፡ እቲ ተዅሲ ኲናት ትግራይ ክቋረፅ ዝገበረን፡ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣንፃራዊ ሰላም ዝፈጠረን ውዕል ፕሪቶርያ ንሓደጋ ከየቃልዖ ይስጋእ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ሓምለ 3 [2025] ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብዛዕባ ትግራይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ከዘራርብ ዝቐነየ ኰይኑ፡ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን 'ሕጂ'ውን ናብ ትግራይ ኬድኩም ናይ ምሽምጋል ስራሕቲ ኣካይዱ" ምባሉ ዝዝከር እዩ።
"ኣብዚ ዝተኸበረ ቤት ምኽሪ ሓደ መልእኽቲ ከመሓላልፎ ዝደሊ፡ ናይ ሃይማኖት ኣቦታት ኣለኹም። ካልእ ስራሕ የብልኩምን። ብቕልጡፍ ትግራይ ናብ ግጭትን ኲናትን ከይኣቱ ስራሕኩም ሕጂ ጀምሩ፣ ድሕሪ ምውልዑ ምዝራብ ትርጕም የብሉን።"
ንሱ፡ እቲ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ኲናት ደው ዘበለ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ "ንህዝቢ ትግራይ እፎይታ ኣምጺእሉ'ዩ" ኢሉ።
"ደቆም መዓልታዊ ካብ ምስኣን ኣድሒኑ'ዩ፣ ንኢትዮጵያ ድማ ሓድሽ ባህሊ ፈጢሩ'ዩ።"
"ብኣና ወገን ኣብ ምድሪ ትግራይ ሓንቲ ጥይት ክንትኩስ ድልየት የብልናን። እንተኽኢልና ከነልምዕ ኢና ንደሊ። ኣብ ትግራይ ዘለዉ ሓይልታት ህዝቢ ትግራይን ክፈልጥዎ ዘለዎም፡ ብሰላምን ብልዝብን ጉዳያትና ክንፈትሕ ይክኣል'ዩ። ሎሚን ትማሊን ሓደ ኣይኮነን፡ ስለዚ [ኲናት] ይትረፍ።"
እንተዀነ፡ ቅድሚ'ቲ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ዝቐዘፈ ደማዊ ኲናት ትግራይ ኣብ ዘመሓላለፎ ተመሳሳሊ መልእኽቲ'ውን፡ ኣብ ትግራይ ኲናት ምውላዕ "ዕብዳን'ዩ" ክብል ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ብበዓል ኣትለት ሃይለ ገብረስላሰ ዝተመርሐ ጕጅለ ሽምግልና ናብ መቐለ ኣምሪሑ ምንባሩ ይዝከር።
ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብወገኑ፡ ነቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝሃቦ ርእይቶ መልሲ ብምሃብ፡ ዘላቒ ሰላም ከምዝጽእ ዝኽእል መሰረታውያን ኣብ ዝዀኑ ጉዳያት ለውጢ የምጽእ ከምዘየሎ ኣብሪሁ።
ህወሓት ኣብቲ መግለጺ፡ መንግስቲ ክሳብ ሕጂ ንሕገ መንግስቲ ብምጥሓስ ንትግራይ ወሪሮም ዘለዉ ሓይልታት ክወጽኡን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብኣስገዳድ ዝተነበሩ ምምሕዳራት ሓደስቲ ሰፋሮን ክወጽኡ ብዘይምግባሩ፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ተፈናቐልቲ ተወለድቲ ትግራይ ናብ መሬቶም ክምለሱ ከምዘይክኣሉ ኣብሪሁ።
ኣብይ ኣሕመድ ግን፡ ኣብቲ "ወልቃይት" ክብል ዝገለጾ ምዕራብ ትግራይ ተፈናቐልቲ ከምዘይተመልሱን፡ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ መሊኡ ከምዘይተፈትሐን ብምእማን፡ "መንግስቲ ዝተፈናቐሉ ዜጋታትና ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣለዎም ዝብል ጽኑዕ መርገጺ'ዩ ዘለዎ፡" እውን ኢሉ ነይሩ።
ህወሓት፡ ብዛዕባ ምትግባር ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ ዝምልከት ምስ ላዕለዋይ ኣውሓሲ እቲ ውዕል ዝዀነ ፓነል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣኼባ ንምክያድ ብተደጋጋሚ ጻውዒት ክግበር ከምዝጸንሐን እንተዀነ ክሳብ ሕጂ እቲ ኣኼባ ከምዘይተኻየደን ገሊጹ።
ኣብቲ መግለጺ፡ "መንግስቲ ፌደራል ንዘለዉ ፖለቲካዊ ጸገማት ኣብ ክንዲ ብፖለቲካዊ ዘተ ክፈትሖም ዝፍትን ኣብ ዓፋርን ምዕራብ ትግራይን ዕጡቓት ብምስልጣንን ብምድጋፍን፡ ከምኡ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ብብሄራዊ መንነቶም ተፈልዮም ክእሰሩን ክስደዱን" ይገብር ከምዘሎ ከሲሱ።
ኣብ ክልል ዓፋርን ናብ ክልል ዓፋር ዘራኽብ ወሰናነን ትግራይን ካብ ሓይልታት ትግራይ ዝተፈንጨሉ ዕጡቓት ከምዘለዉ ዝዝረብ ኰይኑ፡ ኣብ ትግራይ ኵናት ሓድሕድ ከይውላዕ ካብ ብዙሓት ስግኣት ከምዘሎን ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።