ትራምፕ: ኣብ ኣመሪካ ብውልደት ዝርከብ ዜግነት ከብቅዕ ምዃኑ ተዛሪቡ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ምሩጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ኣመሪካ ንዝውለድ ዝኾነ ሰብ ሽዑ ንሽዑ ዝወሃብ [ኣውቶማቲክ] ዜግነት ንኸብቅዕ ምስ ዲሞክራትስ ብምዃን ከምዝሰርሕ ተዛሪቡ። ብቑልዕነቶም ናብ ኣመሪካ ንዝመጹ ነገር ግን ሰነዳት ንዘይብሎም ስደተኛታት ንምሕጋዝ ክሰርሕ ምዃኑ'ውን ቃል ኣትዩ።

እቲ ምሩፅ ፕረዚደንት፡ ኣብቲ ብዓርቢ ዝሃቦ ሰፊሕ ቃለ መሕትት፡ 20 ጥሪ 2025 ፕረዚደንት ኮይኑ ምስተሰየመ ብዛዕባ ኢሚግሬሽን፡ ጸዓትን ቁጠባን ሓዊሱ ብዙሕ መምርሕታት ከምዘውጽእ ቃል ኣትዩ።

ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ጆ ባይደን መርመራ ክካየድ ከምዘይደሊ ሓሳብ እኳ እንተቕረበ፡ ንናዕቢ ካፒቶል ዝመርመሩ ኣባላት ባይቶ ሓዊሱ ገለ ካብ ፖለቲካዊ ተጻባእቱ ክእሰሩ ከምዘለዎም ገሊጹ።

ትራምፕ ኣብ መረጻ 2020 ምስተሳዕረ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ናብ ካፒቶል ኣትዮም ናዕቢ ብምልዓሎም ዝተፈርዱ ኣማኢት ሰባት ምሕረት ክገብረሎም ስለምዃኑ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ኣብታ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ስራሑ ናቶም ጉዳይ ክርኢ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

ትራምፕ ኣስዒቡ፡ "ትፈልጡ ኢኹም፡ ንእግረ መንገደይ፡ ኣብኡ ካብ ዝኣትዉ ዓመታት ኣቑጺሮም ኣለዉ፡ ኣብ ረሳሕን ፍንፉንን ቦታ ድማ እዮም ዘለዉ፡ ክፉት ክኸውን'ውን ክፍቀደሉ ዘይግባእ ቦታ'ዩ" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ፕረዚደንት ኮይኑ ምስተዓወተ፡ "እዞም ሰባት ኣብ ሲኦል'ዮም ዝነብሩ ዘለዉ" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብ ጉዳይ ኢሚግሬሽን፡ ትራምፕ ንኤንቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነቲ ኣብ ኣመሪካ ዝተወልደ ዝኾነ ሰብ ዋላ ወለዱ ኣብ ካልእ ቦታ እንተተወልዱ፡ ናይ ኣመሪካ ፓስፖርት ክረክብ ዝፈቅድ፡ መሰል-ውልደት [birth right] ዝበሃል መስርሕ ንምውጋድ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ገሊጹ።

መሰል ልደት ዜግነት ካብ መበል 14 መመሓየሺ ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ዝምንጩ ኮይኑ፡ "ኣብ ኣመሪካ ዝተወልዱ ኩሎም ሰባት ዜጋታት ኣመሪካ እዮም" ዝብል እዩ።

ትራምፕ ብተወሳኺ ነቲ ኣብ ግዜ ናይ ምረጹኒ ጎስጓስ ዘእተዎ መጽብዓ፡ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት፡ እንተላይ እቶም ዜጋታት ኣመሪካ ዝኾኑ ኣባላት ስድራቤት ዘለዎም ስደተኛታት ክጥረዙ ምዃኖም ገሊጹ።

"ስድራቤታት ዝበታተን ክኸውን ኣይደልን እየ፡ ስለዚ ስድራቤት ዘይትብትነሉ እንኮ መገዲ፡ ብሓባር ንኹሎም ክትመልሶም ኣለካ" ኢሉ።

ትራምፕ ብተወሳኺ ምስ ኮንግረስ ብምትሕብባር ነቶም 'ድሪመርስ' ዝበሃሉ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ዘመነ ኦባማ ዝነበረ መደብ- 'ዲፈርድ ኣክሽን ፎር ቻይልድሁድ ኣሪቫልስ' ንሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ክሕግዝ ክቕፅል ከምዝደሊ ገሊጹ።

"ምስ ዲሞክራትስ ኣብዚ ውጥን እዚ ክሰርሕ እየ" ዝበለ ትራምፕ፡ ገለ ካብዞም ስደተኛታት ጽቡቕ ስራሕ ረኺቦም ንግዲ ከምዝጀመሩ ጠቒሱ።

ትራምፕ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ተጻባእቱ ሕነ ንምፍዳይ ዝተሓነዮ፡ ክገብሮ ድዩስ ኣይክገብሮን- ዝተሓዋወሰ ምልክታት ዝህብ ይመስል።

ቀጻሊ ወርሒ ስልጣኑ ዘብቅዕ ዘሎ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብዚ ሰሙን'ዚ ነቲ ብገበን ዝተፈርደ ወዱ ሃንተር ምሕረት ገይርሉ'ዩ።

ባይደን ቅድሚ ካብ ቤት ጽሕፈት ምውጻኡ ንኻልኦት ፖለቲካዊ መሻርኽቲ ዴሞክራትስ ይቕሬታ ክገብር ይሓስብ ከምዘሎ ይግለጽ።

ትራምፕ ከምቲ ኣብ ሓደ እዋን ዝተሓነዮ ኣብ ልዕሊ ባይደንን ስድርኡን ፍሉይ መርመራ ክገብር ከምዘይደሊ ይመስል።

"ናብ ሕሉፍ ክምለስ ኣይኮንኩን ዝጥምት ዘለኹ" ኢሉ። "ሃገርና ዕውትቲ ንምግባር እየ ዝጽዕር ዘለኹ። ሕነ ዝፈዲ ዕዉት ብምዃን'ዩ" ኢሉ።

እንተኾነ ግን እቶም ንዕኡ ዝመርመርዎ ኣባላት ናይቲ ብዲሞክራት ዝምራሕ ኮሚተ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ "ናብ ቤት ማእሰርቲ ክኣትዉ ኣለዎም" ኢሉ'ሎ።

ሓንቲ ኣባል ናይቲ ኮሚቴ ኣባል ኮንግረስ ሪፓብሊካን ነበር ሊዝ ቸኒ ትማሊ ሰንበት ንትራምፕ መልሲ ሂባቶ።

"ኣባላት እቲ ኮሚቴ ክእሰሩ ኣለዎም" ዝብል ርእይቶኡ "መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ልዕልና-ሕግን መሰረታት ሃገርናን ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ" ምዃኑ ገሊጻ።