እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዘተ ሰላም ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ከምዝካየድ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ
ኣብ መንጐ ፈደራል መንግስቲ እትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን፡ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ፡ ን 24 ጥቅምቲ 2022 [14 ጥቅምቲ 2015 ግእዝ]፡ ዘተ ሰላም ከም ዝካየድ፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ገሊጹ።
ኣምባሳደር ሬድዋን ሎሚ 20 ጥቅምቲ [10 ጥቅምቲ 2015] ኣብ ትዊተር ገጹ ከም ዘስፈሮ፡ ብመሰረት ካብ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝረኸብዎ ሓበሬታ፡ እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘተ ሰላም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክጅመር እዩ።
ኣምባሳደር ሬድዋን “ኣብቲ ዘተ ሰላም ንምስታፍ ዘለና ቈራጽነት ደጊምና ነረጋግጽ፡" ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ፡ "እንተዀነ፡ ገለ ውሑዳት ነቲ ዝርርብ ሰላም ዋጋ ኣስኢኖምዎ ኣለዉ። ብዛዕባ እነካይዶ ናይ ምክልኻል ስጕምቲ ናይ ሓሶት ክስታት ምቕራቦም ኣዝዩ ኣሕዚኑና እዩ፡" ኢሉ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ውድብ ጥዕና ዓለምን ኣሜሪካን፡ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ'ቲ እናጸንከረ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ተኣሳሲሩ፡ ሰለማውያን ሰባት ንመጥቃዕቲ ዘቃልዕ ደብዳባትን ብሃበ ተረኽበ መቕተልትን ይካየድ ምህላዉ ምግላጾም ዝዝከር እዩ።
ብፍላይ፡ እታ ብዙሓት ተመዛበልቲ ኣዕቍባ ዘላ ከተማ ሽረ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ምእታዋ ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።
ዛጊድ እቲ ብኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዝምራሕ ዘተ ብዝምልከት፡ ካብ ሰብ መዚ ትግራይ ዝተወሃበ ቃል የለን።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ቀዳማይ ሰሙን 'ዚ ወርሒ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ዘተ ሰላም ክሳተፉ ንዘቕረበሎም ጻውዒት፡ ተቐቢሎም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።
ምኽንያቱ ብዕሊ’ኳ እንተዘይተገልጸ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ሎጂስቲክስ እቲ ዘተ ከም ዝተቓረጸን ንዘይተወሰነ ዕለት ከም ዝተናውሐን ይዝከር።
መዓልቲ ዘተ ሰላም ድሕሪ ምስግጋሩ፡ ኣብ ዘለዉ መዓልታት ከቢድ ውግእ ዝቐጸለ ኰይኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ንከተማ ሽረ፡ ኣላማጣን ኮረምን ከም ዝተቘጻጸረ ጸብጻባት ይሕብሩ።
እንተዀነ መራሕቲ ትግራይ ከተማ ኮረም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይልታት ትግራይ ምህላዋ ንቢቢሲ ገሊጾም።
ሕብረት ኣፍሪቃ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብቕልጡፍ ደው ክብልን ሰብኣዊ ሓገዝ ክግበርን ጸዊዑ እዩ።
ሓይልታት ትግራይ፡ ነቲ ጻውዒት ተቐቢሎም ነዚ ተግባራዊ ክገብር ሓቲቶም።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኵነታት ኢትዮጵያ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ይኸውን ኣሎ" ብምባል እቲ ኲናት ብቕልጡፍ ደው ክብል ጸዊዑ።
ብተወሳኺ፡ "ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ክወጽእ" ጸዊዑ።
ሕብረት ኣውሮጳ ተመሳሳሊ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ኰይኑ፡ ሓይልታት ትግራይ እውን ካብ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ክቝጠብ ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ኣብ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ካልኣይ ዓመቱ ተቓሪቡ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ፡ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ወሲዱ፡ ንሚልዮናት ግዳያት ጥሜት ምምዝባልን ዝተፈላለዩ ኣስካሕካሕቲ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ኣቃሊዑ'ኳ እንተዀነ፡ ዛጊት ሰላማዊ መዕለቢ ኣይተረኽቦን።