ናታንያሁ ንሚኒስተር ምክልኻል ድሕሪ ምስጓጉ ሰፊሕ ተቓውሞ ተላዒሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ናታንያሁ ንሚኒስተር ምክልኻሉ ድሕሪ ምስጓጉ፡ ኣብ መላእ እስራኤል ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ንተቓውሞ ናብ ጐደናታት ወጺኦም።
ሚኒስተር ምክልኻል ዮኣቭ ጋላንት፡ ነቲ ስርዓተ ፍትሒ ንምትዕርራይ ዝቐረበ ኣካታዒ መደባት ብዝምልከት ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣብ እየሩሳሌም ፖሊስን ወተሃደራትን ኣብ ጥቓ ገዛ ናታንያሁ ዝተኣከቡ ሰልፈኛታት ንምብታን ናይ ማይ ተተኳሲ ተጠቒሞም።
ኣሜሪካ ብዛዕባ እቲ ዝርአ ዘሎ ምዕባለታት ኣዝያ ከምዝተሻቐለት ብምግላጽ ምስምማዕ ክፍጠር ጸዊዓ።
ነቲ ሓድሽ ሕጊ ዝቃወም ሰልፊ ንምክያድ ኣቐዲሙ መደብ ተታሒዙሉ ከምዝነበረ እዩ ዝግለጽ።
እቲ ምምሕያሽ ሕጊ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ’ታ ዳያኑ እትሸይም ኮሚተ ምሉእ ቍጽጽር ንኽገብር ስልጣን ዝህብ ውጥናት ዘጠቓልል እዩ።
ብተወሳኺ ኣብያተ ፍርዲ ንሓደ ኣብ ሓላፍነቱ ዘይብቝዕ ዝዀነ መራሒ ንምእላይ ከይክእላ ጸቕጢ ዘሕድር እዩ ተባሂሉ።
እዚ ድማ ንረብሓ እቲ ብብልሽውና ቀጻሊ ፍርዲ ዝጽበዮ ዘሎን ኣብ ስልጣን ዝርከብን ቤንያሚን ናታንያሁ ተሓታቲ ንዘይምግባር ዝተወጠነ ምዃኑ ብምግላጽ ብዙሓት ተቘጢዖም ኣለዉ።
ናታንያሁ ግን፡ እቲ ምምሕያሻት ሕጊ ኣብያተ ፍርዲ ስልጣነን ካብ ልክዕ ንላዕሊ ከይጥቀማ ንምግታእ ዝተዳለወ ምዃኑ ይምጕት።
እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ኣፍ ደገ ገዛ ናታንያሁ ድሕሪ ምቅዋሞም፡ ባንዴራታት እስራኤል ሒዞም ድስቲን ጣውላን እናሃረሙን፡ ንሓይልታት ፖሊስ ብምፍንጣሕ ናብ ‘ክነሰት’ [ባይቶ እስራኤል] በጺሖም።
ሓንቲ ሰራሕተኛ መንግስቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ ናታንያሁ "ከም ዲሞክራስያዊት ሃገር ንዘለና ኵሉ መስመር ዝጠሓሰ ኰይኑ ተሰሚዑኒ" ክትብል ተዛሪባ።
"ነታ ዝተረፈትና ዝተጸንቀቐት ዲሞክራሲ ድማ ንከላኸል ኣለና፤ በዚ ኵነታት ክድቅስ ኣይክእልን። ነዚ ዕብዳን ደው ክሳብ ዘየበልናዮ ዋላ ሓንቲ ክሰርሕ ኣይክእልን እየ" ኢላ።
ኣብ ተልኣቪቭ እውን ባንዴራታት ዝሓዙ ሰልፈኛታት፡ ንሓደ ካብቶም ቀንዲ ጽርግያታት ንልዕሊ ክልተ ሰዓታት ዓጽዮም ድሕሪ ምጽንሖም ብኸቢድ ሓይሊ ፖሊስን ማይን ተበቲኖም።
ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ጋላንት፡ ንሰሙናት ካብቶም በቲ ዝቐረበ ለውጢ ሕጊ ሕጕሳት ዘይነበሩ ኰይኑ ተቓውምኡ የስምዕ ነይሩ።
ኣብ መጀመርታ መጋቢት ኣብረርቲ ነፈርቲ ውግእ ሓይሊ ኣየር እስራኤል፡ ኣብ ታዕሊም ብዘይምስታፍ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ተራእዩ ዘይፈልጥ ተቓውሞ ኣካይዶም።
ጸኒሖም ድማ ኣብቲ ስልጠና ክሳተፉን ምስ ኣዘዝቶም ክዘራረቡን ተሰማሚዖም።

ምንጪ ስእሊ, AMIR COHEN
ጋላንት ብቐዳም ኣንጻር እቲ ሕጊ ተዛሪቡ ነይሩ። ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ከምዝተቘጥዑን ተስፋ ከምዝቘረጹን ድማ ገሊጹ።
ንሱ ብተለቪዥን ኣብ ዝተራእየሉ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር ናታንያሁ ካብ ሃገር ወጻኢ ዝነበረ ኰይኑ፡ ድሕሪ ሕጂ ከም ሚኒስተር ምክልኻል ክኣምኖ ከምዘይክእል ገሊጹ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሰሙን እቲ ሓድሽ ሕጊ ብመንገዲ ባይቶ ከጽድቘ ድልየት ኣለዎ።
እዞም ክልተ ፖለቲከኛታት ኣባላት ‘ሊኲድ’ ዝተበሃለ ሰልፊ እዮም።
ጋላንት ካብ ስልጣኑ ምስ ተባረረ፡ "ኵነታት ጸጥታ እስራኤል ወትሩ ናይ ህይወተይ ተልእኾ እዩ ነይሩ፡ ወትሩ ድማ ክኸውን'ዩ" ክብል ብትዊተር መልእኽቱ ኣሕሊፉ።
መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ እስራኤል ያየር ላፒድ፡ ኣብ ምእላይ እቲ ሚኒስትር ምክልኻል ተቓውሞኡ ኣስሚዑ ኣሎ።
"ናታንያሁ ንጋላንት ከባርሮ ይኽእል'ዩ፤ ኰይኑ ግን ንክውንነት ክስዕር ወይ ነቲ ንዕብዳን ናይቲ ጥምረት ንምምካት ዝስጕም ዘሎ ህዝቢ እስራኤል ከባርሮ ኣይክእልን'ዩ" ኢሉ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
