ኣብ ታሪኽ እስራኤል ዝዓበየ ዝተባህለ ሰልፊ ተቓውሞ ተኻይዱ

እስራኤላውያን ሰልፈኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ጎደናታት ተል ኣቪቭ ዝተኻየደ ሰልፊ ድማ ኣስታት 200 ሽሕ ሰልፈኛታት ተሳቲፎም
Published

ኣማኢት ኣሻሓት እስራኤላውያን፡ ኣብቲ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ዝዓበየ ክኸውንን ከምዝኽእል ዝተገመተ ሰላማዊ ሰልፊ ተቓውሞ ተሳቲፎም።

መንግስቲ ፡ ኣብ መስርሕ ፍርዲ እታ ሃገር ክተኣታትዎ ዝወጠኖ መሰረታዊ ለውጢ ዝቃወሙ ሰልፊታት ንዝሓለፉ ዓሰርተ ሰሙናት ክካየዱ ቀንዮም።

ኣብ ከም ሃይፋ ዝበላ ክተማታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ቁጽሪ ሰልፈኛታት ዝተመዝገበ ኮይኑ፡ ኣብቲ ኣብ ጎደናታት ተል ኣቪቭ ዝተኻየደ ሰልፊ ድማ ኣስታት 200 ሽሕ ሰልፈኛታት ተሳቲፎም።

ገለ ኣካላት እቲ ብመንግስቲ ዝተተለመ ለውጢ ዲሞክራሲ ዘናእስ እዩ ብምባል ይወቕሱ።

መንግስቲ ነታንያሁ ግና ንጒጅለ መራጾ ዝጠቅም ከምዝኾነ ይምጒት።

ኣዳለውቲ ፡ ኣብቲ ብቀዳም ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ኣስታት 500 ሽሕ ሰልፈኛታት ከምዝተሳተፉ ዝገለጹ ኮይኖም፡ ጋዜጣ እስራኤሊ ሓሬዝ ድማ “ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር እቲ ዝዓበየ ሰልፊ ተቓውሞ” ክትብል ገሊጻቶ።

መራሒ ተቓዋሚ የር ላፒድ፡ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ቢር ሺቫ ንዝተኣከቡ ሰልፈኛታት፡ እታ ሃገር “ኣብ ታሪኻ እቲ ዝዓበየ ቅልውላው” ከምዘጋጠማ ተዛሪቡ።

“ማዕበል ግብረ ሽበራ ይወቕዐና እዩ ዘሎ፤ ቁጠባና ይደቅቕ ኣሎ። ገንዘብ ካብታ ሃገር ይወጽእ ኣሎ። ትማሊ ኢራን ምስ ስዑድ ዓረብ ሓድሽ ውዕል ፈሪማ ኣላ። ነዚ መንግስቲ እዚ እተሻቕሎ ሓንቲ ነገር ግን ንዲሞክራሲ እስራኤል ምዕናው እዩ” ኢሉ።

ታሚር ዝተባህለ ሰልፈኛ ድማ “ እዚ ለውጢ መስርሕ ፍርዲ ኣይኮነን። እስራኤል ናብ ሙሉእ ውልቀ መላኽነት ዝወስድ ናዕቢ እዩ። እስራኤል ንደቀይ ዓዲ ዲሞክራሲ ኮይና ክትጸንሖም እየ ዝድልይ” ክብል ንወኪል ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ መስርሕ ፍርዲ እታ ሃገር ዝግበር ለውጢ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ተቓወምቲ ናብ ጎደናታት ክወጹ ገይሩ ኣሎ።

እቲ ለውጢ፡ ዝተመረጸ መንግስቲ ኣብ ምምራጽ ዳያኑ ወሳናይ ተራ ክህልዎ ዝገብርን፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣንጻር ፈጸምቲ ዝህልዎ ናይ ምውሳን ዓቕሚ፡ ውሱን ክኸውን ዝገብርን እዩ።

እቲ ጉዳይ ኣብ ማሕበረሰብ እታ ሃገር ዓሚዩቕ ፍልልይ ዝፈጠረ ኮይኑ፡ ዓንዲ ሑቚ ሰራዊት ተባሂሎም ዝፍለጡ፡ ኣባላት ተጠባባቒ ዕቁር ሓይሊ እታ ሃገር፡ ነቲ ለውጢ ብምቅዋም ስራሖም ደው ከብሉ ምዃኖም ኣጠንቂቆም ኣለዉ።

ብሰኑይ፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኣባላት ዕቁር ኣብረርቲ ነፈርቲ ውግእ፡ ንሰልጠና ከምዘየመልክቱ ዝገልጽ ዘይተሓሰበ ስጉምቲ ወሲዶም። እንተኾነ ጸኒሖም ውሳነኦም ብምቕያር ናብ ስልጠና ክኣትዉን ምስ ኣዘዝቶም ክዘራረቡን ተሰማሚዖም።

ብሓሙስ ድማ ሰልፈኛታት መንገዲ ብምዕጻው ቤንጃሚን ነታንያሁ ካብታ ሃገር ከይወጽእ ንምዕጋት ፈቲኖም። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ጸኒሑ ናብ ሮም ተበጊሱ።

መንግስቲ እታ ሃገር እቶም ሰልፈኛታት ብፖለቲከኛታት ተዓሽዮም ኣብ ዝብል ቅዋሙ ጸኒዑ ኣሎ።

ነቐፍቲ እቲ ውጥን፡ እቲ ኣብ መስርሕ ፓርላማ ዝረኣይ ዘሎ ትልሚ ለውጢ፡ መስርሕ ቤት ፍርዲ ፖለቲካዊ ዝገብርን ናብ ምልካዊ መንግስቲ ዝወስድን ከምዝኾነ ይገልጹ።

ነታንያሁ፡ እቲ ለውጢ ኣብያተ ፍርዲ ካብ ስልጣኖም ንላዕሊ ከይኸዱ ዓሊሙ ዝተነደፈን ኣብቲ ዝሓለፈ መረጻ ብዝህቢ እስራኤል ዝተደገፈን ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ።