ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ወኪሉ ዝላዘብ ጉጅለ ስራሕ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ

ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ወኪሉ ዝላዘብ ጉጅለ ሰላም

ምንጪ ስእሊ, AMBASSADOR REDWAN HUSSEIN TWITTER PAGE

Published

ኣስታት 20 ኣዋርሕ ዘቑፀረ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ብሰላም ንምዝዛም ዝተጣየሸ ኮሚቴ ተላዛቢ ኮሚቴ መንግስቲ ስራሕ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ጉዳያት ደሕንነትን ኣባል እቲ ኮሚቴን ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ እቲ ኮሚቴ ፈላማይ ኣኼብኡ ትማሊ ሰሉስ 05 ሓምለ 2014 ዓ.ም ኣቆፃፅራ ግእዝ ከምዘካየደ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚቴ፡ ብኣሸማጋልነት ሕብረት ኣፍሪቃ ንዝካየድ ልዝብ ኣብ ኣሰራርሓን ከይዲ ስነ-ምግባርን ተዘራሪቡ ውሳነ ከምዘሕለፈ ብመገዲ ትዊተር ሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ንኡሳን ኮሚቴታት ከምዝተጣየሹን፡ ብመሰረት እዚ ዝተጣየሸ መሓውር፡ ሓላፍነት ተከፋፊሎም ስራሕ ከምዝተጀመረ ሓበሬታ እቲ ኣምባሳደር የረድእ።

እቲ ኣብ ሞንጎ መራሕቲ ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ዝካየድ ዝርርብ መዓስን ኣበይን ከምዝካየድ ዛጊድ ካብ ክልቲኦም ወገናት ዝተገለፀ ሓበሬታ የለን።

ገዛኢ ውድብ ብልፅግና ቅድሚ ክልተ ሰሙን እዩ፡ እቲ ኵናት ከብቅዕ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳይ ወፃእን ደመቐ መኮንን ዝምራሕ ተላዛቢ ጉጅለ ከምዝሰየመ ተገሊፁ።

ካብ ኣይተ ደመቀ መኮንንን ኣምባሳደር ሬድዋን ብተወሳኺ ሚኒስትር ፍትሒ ዶክተር ጌድዮን ጢሞቲዎስ፣ ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ፣ ሌተናል ጀነራል ብርሃቡ በቀለ፣ ዶክተር ጌታቸው ጀምበርን ኣምባሳደር ሓሰን ዓብደልቃድርን ብኣባልነት ተኻቲቶም'ዮም።

ብወገን ትግራይ ዛጊድ እንመን ተደራደርቲ ኮይኖም ከምዝቐርቡ ወግዓዊ ዝኾነ ነገር የለን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዝርርብ ብሕብረት ኣፍሪቃ ከምዝምራሕ ቅዋሙ ዘፍለጠ እንትኾን፡ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕብረት ከምዘለዎም ቅረትኦም ዝገለፁ መራሕቲ ትግራይ ድማ ኣብ ኬንያ ናብ ዝካየድ ዘተ ላዕለዎት ተወከልቲ ከምዝልእኹ እዮም ኣፍሊጦም።

ብመራሒ ትግራይን ኣቦ መንበር ህወሓትን ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ተፃሒፉ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃን ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታን ዝርከቡዎም መራሕቲ ዝተፅሓፈ ደብዳበ፡ ሓይልታት ትግራይ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምዝርራብ ድሉዋት ከምዝዀኑ እዩ ዝገልፅ።

“ኣብቲ ብመንግስቲ ኬንያ ዝተፀውዐን ዝዳሎን ዘተ ዝሳተፍ፡ ሓላፍነትን መምርሒን ዝተወሃቦ ላዕለዋይ ልኡኽ ንምስዳድ ተዳሊና ኣለና” ዝበለ ዶክተር ደብረጽዮን፡ ኣብ ልዕሊ እታ ዘተ እተአንግድ ዘላ ኬንያን መራሒኣ ኡሁሩ ኬንያታን እምነት ከም ዘለዎም ብምሕባር እውን ኣድናቘቱ ገሊፁ።

ቅድም ክብል ፕረዝደንት ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፡ ናብ ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ፕረዝደንት ሴኔጋልን ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ኣብ ልዕሊ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘለዎም ቅረታ ገሊፁ ነይሩ።

ክልቲኦም ወገናት ነዚ ኵናት ብሰለማዊ መገዲ ንምዝዛም ድሌቶም ምዃኑ እኳ እንተፍለጡ፡ ዛጊድ እቲ ዝርርብ ብቐጥታዊ ምጅማሩ ብወግዒ ዝተገለፀ ነገር የለን።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ህይወት ኣሽሓት ዝበልዐን ከቢድ ቅልውላው ዘስዓበን ኵናት፡ ሓይልታት ትግራይ ንርእሰ ከተማ ትግራይ ከተማ መቐለ ምቁፅፃሮም ስዒቡ፡ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ልሒዅ ምንባሩ ይዝከር። ንዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ድማ እቲ ኲናት ህድእ ኢሉ ይርከብ።