ኣብ ኬንያ ዝተጨውየ ሳምሶን፡ ስድራኡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝመስረትዎ ክሲ እንታይ እዩ?

ኢትዮጵያዊ ነጋዳይ ሳምሶን ተኽለሚካኤል
Published

ስድራ እቲ ኣብ ሕዳር 2021 ኣብ ናይሮቢ ርእሰ ከተማ ኬንያ ዝተጨወየ ኢትዮጵያዊ ነጋዳይ ሳምሶን ተኽለሚካኤል፡ ኣብዚ ወርሒ ሚያዝያ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝኸሰሱ ይፍለጥ።

በዚ መሰረት፡ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ምድብ መጋባእያ ልደታ መዝገብ ክሲ እቲ ካብ ኬንያ ተጨውዩ ንልዕሊ ሓደ ዓመትን ሽድሽተ ወርሕን ተሰዊሩ ዝርከብ ኢትዮጵያዊ ነጋዳይ ሳምሶን ተኽለሚካኤል ክርኢ ጀሚሩ።

ተኸሰስቲ ኣካላት ድማ ቤት-ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን እዮም።

ፍሉጥ ነጋዳይ ሳምሶን ተኽለሚካኤል ኣብ ናይሮቢ ክሌሌሸዋ ኣብ ዝበሃል ከባቢ፡ ኣብ ማእከል ጽርግያ ኣብ መብራህቲ ትራፊክ ደው ኢላ ካብ ዝነበረት መኪናኡ ብምትሕብባር ክዳን ትራፊክ ፖሊስ ዝተኸደነን፡ ስቪል ብዝተኸደኑ ሰባትን ተጨውዩ ካብ ዝውሰድ ደሃዩ ኣይተፈለጠን።

በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ሚለን ሓለፎም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደሃይ ዜጋኡ ንኽፍለጥ ጸቕጢ ክገብር ይምሕጸኑ ከምዘለዉ ተዛሪባ።

“ሳምሶን ኢትዮጵያዊ ስለዝዀነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝያዳ ክሕግዘናን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኬንያ ጸቕጢ ንኽፈጥረልናን ኢና ንምሕጸን ዘለና። እቲ ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ እኹል ኣይኰነን ኢና ንብል ዘለና።” ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።

ስድራ ኣቶ ሳምሶን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ክሲ ድሕሪ ምኽፋቶም፡ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ልደታ ነቲ መዝገብ ክሲ ምርኣይ ዝጀመረ ኰይኑ፡ ንዝሓለፈ ሰኑይ ቈጸራ ተዋሂቡ ነይሩ።

ብመሰረት ቈጸራ፡ ተኸሰስቲ ቤት-ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢን፡ ‘ንስድራ እንታይ ገይርኩምሎም?’ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሎም ኰይኑ፡ ተኸሰስቲ ነዚ ምላሽ ሒዞም ክቐርቡ ቤት-ፍርዲ ንኣርባዕተ ግንበት 2015 [ግእዝ] ቈጸራ ከም ዝሃበ፡ ወይዘሮ ሚለን ንቢቢሲ ኣብሪሃ።

ሳምሶን ተኽለሚካኤል ካብ ከተማ ናይሮቢ ተጨውዩ ካብ ዝውሰድ ንነጀው፡ ከም ስድራ ኣብ ኢድ መን ከም ዝርከብ ዋላ ሓደ ዝረኽብዎ ደሃይ ከምዘየለ ትዛረብ በዓልቲ ቤቱ፡ “ኣብ ወጻኢ ሃገር ተጨውዩ፡ ተዓፊኑ ካብ ዝውሰድ ልዕሊ ሓደ ዓመትን ሽድሽተ ወርሕን ኰይንዎ ኣሎ። ድምጺ ዘይምስማዕን ዘለዎ ቦታ ዘይምፍላጥን ንቤተሰብ ጸገም እዩ ኰይኑ ዘሎ” ብምባል፡ እዚ ናብ ቤት-ፍርዲ ቅሬታ ክተቕርብ ከምዝደረኻ ገሊጻ።

ንሳ ወሲኻ፡ እቲ ኵነታት ኣብ ኬንያ ስለዘጋጠመ፡ መንግስቲ ኬንያ ክሕተተሉ ዝኽእል ኵሉ ንገብር ኣለና፡ ግን ብናትና ዓቕሚ ጥራይ ክኸውን ስለዘይከኣለ፡ ናብ ኢትዮጵያ መጺእና ርድኡና ክንብል ግድን ኰይኑ ኢላ።

ቅድም ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምስዋር ኢትዮጵያዊ ኣቶ ሳምሶን ተኽለሚካኤል ከም ዘጻርዮ ብወግዒ ገሊጹ ነይሩ።

ወይዘሮ ሚለን ሓለፎም
መግለጺ ስእሊ, ወይዘሮ ሚለን ሓለፎም

ኣብ ባይታ ዝተረኸበ ክዉን ነገር ከምዘየለ ትዛረብ ወይዘሮ ሚለን፡ “መጀመርታ ንሓትት ኣለና’ዮም ኢሎምና ነይሮም። ክሳብ ሕጂ ንሓትት ኣለና ኢና ንበሃል ዘለና። እዚ ድማ መልሲ ኣይኰነን፡ ካብዚ ዝሓሸ መልሲ ኢና ንጽበ” ብምባል ቅሬታኣ ገሊጻ።

ንዝሓለፉ 16 ዓመታት ኣብ ኬንያ ዝተቐመጠ ሳምሶን ተኽለሚካኤል፡ ኣብ ኢንድስትሪ ነዳዲ ተዋፊሩ ከም ዝነበረ ይግለጽ።

ኣብቲ ለካቲት ዝሓለፈ ዓመት - 2022፡ ኣብ ናይሮቢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ንመጭወይቲ እዚ ነጋዳይ ብምቅዋም ሰልፊ ተቓውሞ ኣካይዶም ነይሮም።

እዚ ምስዋር ኣብ ኬንያ ስለዝተፈጸመ ንመንግስቲ ኬንያ ከም ዝሓተቱ ትዛረብ ወይዘሮ ሚለን፡ ኣብ ኬንያ’ውን እዚ ጉዳይ ናብ ቤት-ፍርዲ ኣምሪሑ ኣብ ከይዲ ከምዝርከብ ሓቢራ።

“ቤት-ፍርዲ ኬንያ ንወርሒ ሰነ ቈጸራ ሂቡና ኣሎ። ዲሲኣይ ቀሪቦም መልሲ ይህቡ ኣለዉ። እቲ ዝህብዎ መልሲ እኹል ስለዘይኰነ ግን ዘለዎም ኵሉ መረዳእታ ሒዞም ክቐርቡ ንሰነ ቆጸሮ ተዋሂቡ ንጽበይ ኣለና” ኢላ።

ዳይሬክቶረይት ምርመራ ገበን ኬንያ (ዲሲኣይ) ክሳብ ሕጂ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝቐረበሉ መጋባእያ ነቲ ጉዳይ ‘ንምርምሮ ኣለና’ ካብ ዝብል ብተወሳኺ፡ እቶም ኣብቲ ጭውያ ዝተሳተፉ ሓለፍቲ ‘ይከሰሱ’ ‘ኣይከሰሱ’ ኣብ ዝብል መጐት ከም ዝርከቡ ዝሓበረት ወይዘሮ ሚለን፡ እዚ ከኣ ብቤት-ጽሕፈት ፐብሊክ ፕሮሲክዩሽን ከም ዝውሰንን ኣብ ትጽቢት ከምዝርከቡን ገሊጻ።