ሩዋንዳዊ ጥርጡር ገበን ምጽናት ዓሌት ኣብ ቤት-ፍርዲ ደው ንምባል ብቝዕ ከም ዘይኮነ ተገሊጹ

ፌሊሲዬን ካቡጋ

ምንጪ ስእሊ, EPA

Published

ኣብ 1994 ንዝተፈጸመ ገበን ምጽናት ዓሌት ሩዋንዳ ብገንዘብ መዊሉ ተባሂሉ ዝተኸሰሰ ወዲ 88 ዓመት ጥርጡር፡ ኣብ ቤት-ፍርዲ መጋባእያ ደው ንምባል ብቝዕ ከም ዘይኰነ፡ ቤት-ፍርዲ ሕቡራት ሃገራት ወሲኑ።

ፌሊሲዬን ካቡጋ፡ ጽኑዕ ሕማም ኣእምሮ ከምዝነበሮ ብሰብ ሞያ ክንገር ጸኒሑ እዩ።

ዘርኢ ምጽናት ሩዋንዳ ምስ ተኻየደ ን26 ዓመታት ካብ ማእሰርቲ ክስወር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ2020 ኣብ ፓሪስ እዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ኣብ እዋን ምጽናት ዓሌት ሩዋንዳ፡ እቲ ዝሃብተመ ሩዋንዳዊ ከም ዝዀነ ዝንገረሉ ፌሊሲዬን ካቡጋ፡ ሚሊሻታት ዓሌት ሁቱ ን 800 ሽሕ ቱትሲን ልኡማት ሁቱን ክጭፍጭፉ ገንዘብ መዊሉ ብዝብል እዩ ተኸሲሱ። ንሱ ግን ነዚ ክሲ ይነጽግ።

ማሕበር ኢቡካ ውጻእ መዓት ምጽናት ዓሌት ሩዋንዳ፡ ብብይን ዳያኑ ከም ዝሓዘኑ ንቢቢሲ ዞባ ዓበይቲ ቐላያት ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ ማሕበር ፊልበርት ጋክዌንዚር፡ “ከም ውጻእ መዓት፡ ክእሰር እንከሎ፡ ኣብ መወዳእታ ፍትሒ ክንረክብ ኢና ብምባል ዕረፍቲ ተሰሚዑና ነይሩ” ኢሉ።

ካቡጋ፡ ብሓቂ ኣብ መጋባእያ ደው ክብል ስለዘይክእል ድዩ ዝብል ጥርጣረ ከም ዘለዎ ዝገልጽ ፊልበርት፡ ማሕበር ኡቡካ ነዚ ጉዳይ ንቕድሚት ዝወስደሉ መገዲ ከም ዘናዲ ሓቢሩ።

ኣብ ምጽናት ዓሌት ሩዋንዳ ተሳተፍቲ ንዝነበሩ ጥርጡራት ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ዝቐጸለ ወፍሪ፡ ቤት-ፍርዲ ከምዚ ዓይነት ውሳነ ክህብ እዚ ንፈለማ እዋን እዩ።

ዳያኑ እቲ ኣብ ዘ ሄግ ኔዘርላንድስ ዝርከብ ቤት-ፍርዲ ገበነኛታት ኲናት፡ ካቡጋ፡ “ትርጕም ብዘለዎ ኵነት ኣብ መጋባእያ ክሳተፍ ብቝዕ ኣይኰነን፣ ንቐጻሊ እውን ኵነታት ጥዕናኡ ኣሰካፊ እዩ” ክብሉ በይኖም። ካብ ኣርባዕቲኦም ዳያኑ እቲ ሓደ ዳኛ ግን፡ ብውሳነ እቶም ዳያኑ ኣይተሰማምዐን።

እቶም ዳያኑ፡ ካልእ ኣማራጺ ሕጋዊ መስርሕ ብምቕራብ፡ እዚ ድማ ምስ ስሩዕ መስርሕ መጋባእያ ዝቀራረብ፡ ግን ከኣ ገበነኛ እዩ ዝብል ውሳነ ዘይወሃበሉ ክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

እቲ ቤት-ፍርዲ፡ ኵነታት ጥዕና ፌሊሲዬን ካቡጋ ንምምርማር፡ ኣብ መጋቢት መስርሕ ፍርዲ ደው ክብል ውሳነ ከም ዘሕለፈ ይፍለጥ።

ብመሰረት ሰነዳት ቤት-ፍርዲ፡ እቲ ጥርጡር 88 ዓመት ዝዕድመኡ ሽማግለ ኰይኑ፡ ንሓቀኛ ዕድመኡ ዝምልከት ግን ሓደሓደ ዘይምርድዳኣት ኣለዉ።

ፌሊሲዬን ካቡጋ፡ ኣብ 1970ታት ኣብ ንግዲ ቆጽሊ ሻሂ ተዋፊሩ ብዘዋህለሎ ሃብቲ፡ ንቀተልቲ ጭፍራ ሁቱ ኣጽዋራት ከም ዘዕጠቐ እዩ ዝኽሰስ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ እዚ ሃብታም ነጋዳይ፡ ዝነበሮ መደበር ራድዮ፡ ሁቱ፡ ንዓሌት ቱትሲ ክቐትሉ ዘለዓዕሉ ጽልኣዊ ዘረባታት ብምፍናው፡ ነቲ ምጽናት ዓሌት ከም ዘጐሃሀሮ እውን ተኸሲሱ እዩ።

መምርመርቲ ፖሊስ ፈረንሳይ፡ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ሓደ መንበሪ ህንጻ፡ ብስኑዕ መንነት ኣብ ዝነብረሉ ዝነበረ እዋን እዮም ኣብ ቀይዲ ኣእትዮምዎ።

ኣሜሪካ፡ ፌሊሲዬን ካቡጋ ዝርከበሉ ሓበሬታ ንዝሃበ ሰብ ሓሙሸተ ሚልዮን ዶላር ንምሽላም ቃል ኣትያ ነይራ።