ኒኪ ሄሊ ኣብ መረጻ ሪፓብሊካን ዋሽንግተን ዲሲ ንትራምፕ ስዒራ

ኒኪ ሄሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እዚ፡ ኒኪ ሄሊ ኣንጻር ዶናልድ ትራምፕ ዘመዝገበቶ ናይ መጀመርታ ዓወታ እዩ።
Published

ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ሪፓብሊካን ዝዀነት ኒኪ ሄሊ፡ ኣብቲ ኣብ ዋሽንግተን ሲዲ ዝተኻየደ መባእታዊ መረጻ ሪፓብሊካን ንዶናልድ ትራምፕ ስዒራቶ።

እዚ፡ ሄሊ ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ፕረዚደንት ሪፓብሊካን ኣብ መረጻ 2024 ንምዃን ኣብ ልዕሊ’ቲ ቀንዲ መነሓንሕታ ዘሎ ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ ዝረኸበቶ ናይ መጀመርታ ዓወት እዩ።

ኒኪ ሄሊ ኣብታ እትነብረላ ግዝኣት ደቡብ ካሮላይና ከምዝተሳዕረት ዝፍለጥ ኰይኑ፤ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ግን ኣብ መባእታዊ መረጻ ሪፓብሊካን ዝተዓወተት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኰይና ኣላ።

እዚ ይዅን ግን ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሄሊ ብዓብላልነት ይመርሕ ከምዘሎ ይንገር፤ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ድማ ንሪፓብሊካን ወኪሉ ምስ ጆ ባይደን ክገጥም ዓቢይ ተኽእሎ ከምዘሎ ብኣጋ ተገሚቱ’ሎ።

መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ኣመሪካዊ ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ከም ዝገለጾ፡ እታ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ነበር ሄሊ፡ ኣብዚ ናይ ዋሽንግተን ዲሲ ቅድመ-መረጻ 62.9 ሚእታዊት ድምጺ ክትረክብ እንከላ፡ ትራምፕ 33.2 ሚእታዊት ጥራይ እዩ ረኺቡ።

በዚ ዝረኸበቶ ዓወት ድማ ሄሊ፡ ንዅሎም እቶም ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝተዳለዉ 19 ውክልናታት ሪፓብሊካን ክትወስድ እያ። እዚ ድማ ኣብ መላእ ሃገር ንዝረኸበቶ ውክልና ናብ 43 ከብጽሖ እዩ።

እዚ ኰይኑ ግን ካብቲ ድሮ 247 ኣመዝጊቡ ዘሎ ትራምፕ ኣመና ዝተሓተ እዩ፤ ሕጹይ ፕረዚደንታዊ ተመራጺ ንምዃን 1215 ውክልና ምርካብ ከምዘድሊ ይፍለጥ።

ዋሽንግተን፡ ብዲሞክራት ዝተዓብለለት ከተማ ኰይና፡ ኣስታት 23 ሽሕ ጥራይ ምዝጉባት ሪፓብሊካን ስለዘለዋ፡ እዚ ዓወት ከም ዓቢይ ትእምርቲ ከም ዝውሰድ ይግለጽ ኣሎ።

ወሃቢት ቃል ፕረዚደንታዊ ጐስጓስ ሚስ ሄሊ ዝዀነት ኦሊቭያ ፐረዝ-ኩባስ፡ “ሪፓብሊካን ንዶናልድ ትራምፕን ንዅሉ’ቲ ንሱ ዝፈጠሮ ህውከትን ዕግርግርን ምንጻጐም ዘገርም ኣይኰነን” ኢላ።

ትራምፕ፡ ንጐስጓስ ሪፓብሊካን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መባእታዊ መረጻ ወይ ባይቶ ክፍለ ግዝኣታት ክሳብ ሕጂ ዓብሊሉዎ እዩ ጸኒሑ።

ንሱ፡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ‘ሱፐር ቲዩስደይ’፡ ኣብ 15 ግዝኣታት ኣመሪካ ኣብ ዝካየድ መረጻታት ክዕወት ኣብ ምድላው ይርከብ። እዛ ዕለት እታ ዝዓበየት መዓልቲ ውድድር ሕጹይት ኰይና፡ 874 ውክልና ሪፓብሊካን ተቐሪቡ’ሎ።