ለበዳ ፋንጋስ ንኹላትና ናብ ዞምቢ ክቕይረና ይኽእል’ዶ?

ኣብ ‘The Last of Us’ ዘርእስታ ተኸታታሊት ፊልም ዝርአ ብኮርዲሰፕስ ዝተበልዐ ሬሳ

ምንጪ ስእሊ, HBO/WARNER MEDIA/LIANE HENTSCHER

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ‘The Last of Us’ ዘርእስታ ተኸታታሊት ፊልም ዝርአ ብዕሰ ኮርዲሰፕስ ዝተበልዐ ሬሳ
Published

ምስ ሓደ ኣዝዩ ዘርዕድ ነገር ከላልየኩም- እቲ ንግዳያቱ ናብ ዞምቢ ዝቕይር ፋንጋስ (ዕሰ)።

ዘርኢ እቲ ፋንጋስ ናብ ሓደ ኣካል ይኣቱ። ድሕሪኡ እቲ ፋንገስ እናዓበየ ይኸይድ’ሞ ንኣእምሮ ናይቲ ኣአንጋዲኡ ኣካል ጨውዩ ክቆጻጸር ይጅምር።

እቲ ጽግዕተኛ ፋንጋስ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣካል ኮይኑ ናብ ዝዓበየ ፍጻመ እናተዳለወ፡ ንነፍሲ ወከፍ መኣዛታት እናኣውጽአ፡ ነቲ ግዳይ ይበልዖ።

ሽዑ ካብ ርእሲ እቲ ግዳይ መጠንጠያ ሓረግ ሞት ይፍንጀር። እቲ ናብ ፍረዝበጽሐ ኣካል እቲ ፋንጋስ ኣብ ከባቢኡ ናብ ዘለው ነገራት ይብተን እሞ፡ ነቶም ካልኦት'ውን ንተመሳሳሊ ዕጫ የቃልዖም።

እዚ ኣብ ኣዝዩ ዘፍርሕ ፊልም ዘሎ ዘስካሕክሕ ትርኢት እዩ ዝመስል።

ዋላ'ኳ ካብቲ ዘፍርሕ ፊልም ዝያዳ ዘሰክፍ እንተኾነ፡ ልቢ ወለዳዊ ስራሕ ኣይኮነን።

ፋንጋስ ምስ እንስሳ ኮነ ምስ ኣትኽልቲ ዘይምደቡ ካብቶም ዝብልዑ ማሽሩም ክሳዕ እቶም ኣባህረርቲ ጽግዕተኛታት እዮም።

ኮርዲሰፕስን ኦፊዮኮርዲሰፕስን ዝተበሃሉ ዓሌታት ጽግዕተኛ ፋንገስ ናይ ብሓቂ ኣለው።

እዚ ናይ ቢቢሲ ተኸታታሊ ፊልም ፕላኔት አርዝ፡ ፋንጋስ ንሓደ ጻጸ ክጎብጦ እንከሎ የርኢ።

Skip YouTube post
ንትሕዝቶ Google YouTube ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ Google YouTube ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ Google YouTube ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን። ትሕዝቶ YouTube መወዓውዒታት ክህልዎ ይኽእል'ዩ።

End of YouTube post

በዚ ትርኢት 'ዞምቢ ጻጸ' ተደሪኹ ዝተዳለወ ሓድሽ ተኸታታሊ ፊልም "The Last of Us" ድሮ ምስ ብሉጻት ክስራዕ እንከሎ፡ እቲ ናይ ቪድዮ ጌም'ውን ኣዝዩ መሳጢ እዩ።

ኣብቲ ጌም ይኹን ኣብቲ ፊልም፡ ኮርዲሰፕስ ንቡር ግዳያቱ ሓሸራት ካብ ምህዳን ንደቂ ሰባት ናብ ምልካፍ ይዘልል። ከም ውጽኢቱ ዝሰዓበ ለበዳ ከኣ ብርሰት ሕብረተሰብ የብጽሕ።

ኣብ ሓቀኛ ዓለም ግን፡ ለበዳ ኮርዲሰፕስ ከጋጥም ተኽእሎ ኣሎ ድዩ?

"ንሓደጋ ረኽሲ ፋንጋስ ትሑት ግምት ዝሃብናዮ ይመስለኒ" ይብል ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ትሮፒካዊ ሕማማት መራሒ ክኢላ ፋንጋስ (ዕሰ) ዶክተር ኒል ስቶን።

"ምስ ለበዳ ፋንጋስ ንምግጣም ድማ ፍጹም ድልዋት ኣይኮንናን።"

ብጽግዕተኛ ዕሲ ዝተበልዐ ኣባጨጐራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብጽግዕተኛ ዕሰ ዝተበልዐ ኣባጨጐራ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዩትሬክት ክኢላ ማይክሮባዮሎጂ ዶክተር ቻሪሳ ደ ቤከር፡ ኮርዲሰፕስ ብኸመይ ዞምቢ ዝኾኑ ጻጸታት ከም ዝፈጥር ኣጽኒዓ፤ ንሳ ኣብ ሰባት ተመሳሳሊ ከጋጥም ይኽእል እዩ ኢላ ከም ዘይትሓስብ ትዛረብ።

"ሙቐት ኣካላትና ኣዝዩ ልዑል ስለዝኾነ መብዛሕትኦም ፋንጋሳት ጽቡቕ ጌሮም ክሰፍሩን ክዓብዩን ኣይኽእሉን - እዚ ድማ ኣብ ኮርዲሰፕስ'ውን ተመሳሳሊ'ዩ" ትብል።

"ናታቶም ስርዓተ መትኒ ካብ ናትና ዝቐለለ'ዩ፡ ስለዚ ብርግጽ ሓንጎል ሰብ ካብ ምቁጽጻር ሓንጎል ሓሸራት ምቁጽጻር ዝቐለለ ይኸውን፡ ስርዓተ-ምክልኻሎም’ውን ካብ ናትና ኣዝዩ ዝተፈልየ'ዩ።"

መብዛሕትኦም ዓይነታት ጽግዕተኛታት ኮርዲሰፕስ ኣብ ውሽጢ ሚልዮናት ዓመታት ብምምዕባል ንሓደ ዓይነት ሓሻራ ጥራይ ኣብ ምልካፍ ዝነጥፉ ኮይኖም እዮም። መብዛሕትኦም ካብ ሓደ ሓሻራ ናብ ካልእ ኣይዘሉን።

"እዚ ፋንጋስ ካብ ሓሻራ ናባና ዘሊሉ ረኽሲ ከስዕብ” ተኽእሎኡ ዘይሕሰብ እዩ ትብል ዶክተር ደ ቤከር።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ንመጀመርታ ግዜ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዝርዝር ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ፋንጋሳት ኣውጺኡ ነይሩ።

ኣብቲ ዝርዝር፡ ገለ ዘስካሕክሑ ፋንጋሳት ይርከቡ፡ ግን ናብ ዞምቢ ዝቕይር ኮርዲሰፕስ ኣብቲ ዝርዝር ዘይምጥቕላሉ ዕረፍቲ ዝህብ’ዩ።

ግን ንምንታይ’ዩ ዘይተጠቓለለ?

ፋንጋሳት ዘስዕብዎም ሓደጋታት ካብ ዝነዓቑ ነዊሕ ጸኒሑ እዩ። "ሰባት ከም ንእሽቶ ነገር፡ ኣገዳሲ ዘይኮነ ነገር ገይሮም እዮም ዝሓስብዎ" ይብል ዶክተር ኔል ስቶን።

ካብቶም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዓይነታት ፋንጋስ፡ እቶም ሕማም ዘስዕቡ ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ጥራይ እዮም፣ ገለ ካብዚኦም ግን ካብ ዝረኸሰ ጽፍሪ እግሪ ኣዝዮም ዝኸፍኡ ሳዕቤናት ክህልዎም ይኽእል’ዩ።

ዓመታዊ ኣስታት 1.7 ሚልዮን ሰባት ብፋንጋስ ይሞቱ - እዚ ድማ ካብ ዓሶ ኣስታት ሰለስተ ዕጽፊ ዝዛይድ’ዩ።

ካብ ኮርዲሰፕስ ዝዛይዱ ቀተልቲ ስግኣታት

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣዝዮም ዘሰክፉ፡ ዝበሎም 19 ዝተፈላለዩ ፋንጋሳት ኣለልዩ እዩ።

ካብ መንጎኦም፡ እቲ ቀታሊ ሱፐርባግ ዝበሃል ካንዲዳ ኦሪስ ከምኡ'ውን ስጋና ብቕልጡፍ ዝበልዕን ኣብ ገጽና ከቢድ መጉዳእቲ ዘስዕብን ፋንጋስ ሙኮርማይሰተስ ይርከብዎም።

ኣብ ለንደን ናብ ዝርከብ ቤተ-ፈተነ ኣገልግሎት ጥዕና (HSL) ካብ ሕሙማት ዓባይ ብሪጣንያ ዝተወሰዱ ቅምሶታት ብምምርማር ረኽስታቶም ብፋንጋስ ዝመጽእ እንተኾይኑን እንታይ ዓይነት ሕክምናታት ውጽኢታዊ ክኸውን ከም ዝኽእልን ዝተንተነ ዶክተር ኒል ስቶን፡ ገለ ካብቶም ዓበይቲ ሓደጋታት ፋንጋስ የረድእ።

ዶክተር ኒል ስቶን፡ ነቲ ፋንጋስ ካንዲዳ ኦሪስ ዘስዕቦ ሓደጋ ሸለል ንብሎ ኣለና ይብል

ምንጪ ስእሊ, JAMES GALLAGHER

መግለጺ ስእሊ, ዶክተር ኒል ስቶን፡ ነቲ ፋንጋስ ካንዲዳ ኦሪስ ዘስዕቦ ሓደጋ ሸለል ንብሎ ኣለና ይብል

ሓደ ካብዚኦም ካንዲዳ ኦሪስ እዩ።

እዚ ብሑቕ ዝመስል ፋንጋስ ኮይኑ፡ ኣብ ጥቓኡ ምስ እንህሉ ድማ ሓያል ጨና ናይ እንዳ ቢራ ወይ ብሑቕ ሃንገፍ ይብለና።

ኣብ ውሽጢ ኣካላት እንተኣትዩ ግን ንደም፡ ስርዓተ መትኒን ውሽጣዊ ኣካላትን ክወርር ይኽእል። ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ፍርቂ ካብቶም ወራሪ ረኽሲ ካንዲዳ ኦሪስ ዝሓዞም ሰባት ከም ዝሞቱ ይግምት።

"ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ዝተራእየ ጸይቀ-ግኑን'ዩ፡ ሕጂ ግን ኣብ መላእ ዓለም ክርከብ ይኽእል" ይብል ዶክተር ስቶን።

እቲ ናይ መጀመርታ ዝተሰነደ ሕማም ኣብ 2009 ኣብ እዝኒ ሓደ ሕሙም ኣብ ቶክዮ ሜትሮፖሊታን ሆስፒታል ኣረጋውያን ዝተረኸበ ነይሩ።

ካንዲዳ ኦሪስ ብተፈጥሮኡ ጸረ-ፋንጋስ መድሃኒታት ዘይግድሶን ገለ ዓይነታቱ ድማ ንኹሎም እቶም ዘለውና መድሃኒታት ዝጻወርን እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ከም ጸይቀ-ግኑን (ሱፐርባግ) ዝቑጸር።

እዚ ፋንጋስ ብቐንዱ፡ ኣብ ሆስፒታላት ብዝተበከሉ ነገራት ይዝርጋሕ። ኣብ ውሽጣዊ መስመራት ሰራውር ደምን መጻብቦታት ጸቕጢ ደምን ይጣበቕ። ክተጽርዮ ብሓቂ ከቢድ ስለዝኾነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ መፍትሒ፡ ምሉእ ዎርድ (ኣብ ሆስፒታል መደቀሲ ሕሙማን) ምዕጻው እዩ። እዚ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከይተረፈ ኣጋጢሙ ነይሩ።

እዚ ፋንጋስ፡ "ኣዝዩ ዘተሓሳስብ" ምዃኑን፡ እንተተዘርጊሑ ድማ "ንምሉእ ስርዓታት ክንክን ጥዕና ክዓጹ ዝኽእል" ኮይኑ እንከሎ ነዚ "ሓደጋ ሸለል ንብሎ" ከም ዘለና ዶክተር ስቶን ይገልጽ።

ካልእ ቀታሊ ፋንጋስ ክሪፕቶኮከስ ኒኦፎርማንስ እዩ፤ እዚ ናብ ስርዓተ መትኒ ደቂ ሰባት ኣትዩ ኣዝዩ ሓደገኛ ኣንቅጺ (መኒንጃይትስ) ከስዕብ ይኽእል።

ሲድን ኢሊን ቅድሚ ኢሊ ብዕሳዊ ረኽሲ ምሕማማ መርዓኦም ከብዕሉ ከለዉ

ምንጪ ስእሊ, SID AND ELLIE

መግለጺ ስእሊ, ሲድን ኢሊን ቅድሚ ኢሊ ብዕሳዊ ረኽሲ ምሕማማ መርዓኦም ከብዕሉ ከለዉ

ሲድን ኤሊን ኣብ ኮስታሪካ እዋን ሕጽኖት ኣብ ዘሕልፉሉ ዝነበሩ እዋን ኢሊ ሕማም ክስምዓ ጀሚሩ።

መጀመርታ ከም ሕማም ርእስን ዕግርግር ምባልን ዝኣመሰሉ ምልክታት ተሰሚዕዋ፤ እዚ ብሰንኪ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣብ ጸሓይ ምጽናሓ ዝመጸ መሲልዎም ነይሩ።

ድሕሪኡ ግን ፈጥፈጥ ክትብል ጀሚራ፡ ምሉእ ወቕዒ ምንፍርፋር’ውን ኣማዕቢላ። ኣብ ክልተ ዕንጸይቲ ተኣሲሩ ብዝተንጠልጠለ መደቀስ ዓለባ ተሰኪሞም ናብ ጃልባ፡ ካብኡ ድማ ናብ ሕክምና ወሲዶምዋ።

"ካብዚ ንላዕሊ ዘስካሕክሕ ነገር ርእየ ኣይፈልጥን" ይብል ሲድ።

መርመራታት ኣብ ሓንጎላ ሕበጥ ከም ዘሎን ብክሪፕቶኮከስ ከም ዝተጠቕዐትን ኣረጋጊጾም። ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኢሊ ዝተገበረላ ሕክምና ውጽኢታዊ ነበረ። ን12 መዓልቲታት ኣብ ሕክምናዊ መርውሓ (ventilator) ድሕሪ ምጽናሕ ካብ ዕውለት ወጺኣ።

"ኣውያት ጥራይ እየ ዝዝክር" ትብል። ንሳ ሰለስተ ቈልዑ ከም ዝወለደትን በዓል ቤታ ገንዘቦም ብቁማር ከም ዝወድኦን ዝኣመሰሉ ምህትፍታፍ ኣጋጢምዋ ነይሩ። "ስለዚ መጀመርታ፡ ናትና ነገር ዓብቂዑ’ዩ እየ ኢለዮ" ትብል።

ሕጂ፡ ኢሊ ብጽቡቕ ትሓዊ ኣላ። ፋንጋስ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ከምዚ ዓይነት ነገር ከስዕብ ይኽእል እዩ ኢላ "ፈጺማ" ሓሲባ ከም ዘይትፈለጥ ትዛረብ።

ሙኮርማይሰትስ ዕሲ ንምእማኑ ብዘጸግም ቀልጢፉ ክዓቢ ይኽእል’ዩ

ምንጪ ስእሊ, JAMES GALLAGHER

መግለጺ ስእሊ, ፋንጋስ ሙኮርማይሰትስ ንምእማኑ ብዘጸግም ቀልጢፉ ክዓቢ ይኽእል’ዩ

ጸሊም ፋንጋስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሙኮርማይሰትስ፡ ነቲ ስጋ ዝበልዕ ሕማም ሙኮርማይኮሲስ ዘስዕብ’ዩ። ተንኮለኛ ባህርያቱ ዝገልጽ ሳጓ ኣለዎ - ቀላዒ መኽደን።

ሙኮርማይሰትስ ዕሲ ቀልጢፉ እዩ ዝዓቢ። እዚ ኣብ ላዕሊ ዝርአ ምስሊ፡ ን24 ሰዓታት ጥራይ ኣብ ልሕሉሕ መኽደን ዘለዎ ናይ ብርጭቆ ብያቲ ዝዓበየ ሙኮርማይሰትስ ዕሲ፡ ነቲ መኽደኒ ከልዕሎ ከም ዝኽእል የርኢ።

“ሓደ ፍረ ንጽባሒቱ ናብ ለምባእ እንተተቐይሩ፡ ምኽንያት ኣብ ውሽጡ ሙኮርማይሰትስ ስለ ዝነበረ'ዩ" ትብል ክሊኒካዊ ሳይንቲስት ዶክተር ረበካ ጎርተን።

ንሳ፡ እዚ ፋንጋስ ኣብ ደቂ ሰባት ሳሕቲ ዝረአ'ኳ እንተኾነ፡ "ብሓቂ ከቢድ ረኽሲ" ክኸውን ከም ዝኽእል ትዛረብ።

ጸሊም ፋንጋስ፡ ድኹም ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ንዘለዎም ሰባት ዘጥቅዕ እዩ። ንገጽ፡ ዓይንን ሓንጎልን ዝጎድእ ኮይኑ፡ ንሰባት ክቐትል ወይ ዝተበላሸወ ኣካል ክህልዎም ክገብር ይኽእል።

ሕማቕ ረኽሲ፡ "ከምቲ ኣብ ፍረታት ወይ ኣብ ቤተ ፈተነ ቀልጢፉ ዝዓቢ" ኣብ ኣካላትና’ውን ብቕልጡፍ ከም ዝዓቢ ዶክተር ጎርተን ተጠንቅቕ።

ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ፡ ኣብ ህንዲ ብዙሓት ሰባት ብጸሊም ፋንጋስ ተለኺፎም ነይሮም። ልዕሊ 4 ሽሕ ሰባት ድማ ሞይቶም እዮም። ንኮቪድ ዝውሰድ ዝነበረ ስቴሮይድን ልዑል መጠን ሕማም ሽኮርን ንዝርገሐ እቲ ፋንጋስ ከም ዘጋደደ ይግመት።

ንፋንጋስ ብዕቱብ ክንወስዶ የድሊ ዶ?

ፋንጋሳት ካብ ባክተርያ ወይ ቫይረስ ኣዝዮም ዝተፈለዩ ዓይነታት ረኽሲ እዮም። ብፋንጋስ ዝመጽእ ሕማም ብሰዓልን ምሕንጣስን ዝዝርጋሕ ዘይኮነስ ዳርጋ ኩሉ ግዜ ካብ ከባቢና ዝብገስ እዩ።

ኩላትና ብቐጻሊ ንፋንጋስ ዝተቓላዕና ኢና፡ እንተኾነ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ረኽሲ ዝፍጠር ኣብቶም ዝተዳኸመ ስርዓተ ምክልኻል ዘለዎም’ዩ።

ብሰንኪ ከም ሕክምናታት መንሽሮ፡ ሕማም ሽኮርን ካልኦት ሕማማትን ዳርጋ መብዛሕትና በህይወት ዘለና ብሓይሊ መድሓኒት ስለ ዝኾነ፡ ዝደኸመ ስርዓተ-ምክልኻል እዩ ዘለና።

ዶክተር ስቶን፡ ለበዳ ፋንጋስ ዝላባዓሉ መገዲን ዝለኽፎም ዓይነት ሰባትን ምናልባት ካብ ኮቪድ "ዝተፈለየ መልክዕ" ክህልዎ ከም ዝኽእል ይገልጽ።

ንሱ፡ ብሰንኪ "ኣብ ከባቢና ዘሎ ብዙሕ መጠን ፋንጋስ... ለውጢ ክሊማ፡ ኣህጉራዊ መገሻታት፡ ቁጽሪ ሕሙማት እናወሰኸ ምምጽኡን ከምኡ’ውን ብመንጽር ዓሚቕ ሸለልትነት ሕክምናታት" እዞም ፋንጋሳት ሓደጋ ከስዕቡ ይኽእሉ’ዮም ዝብል ግምት ኣለዎ።

ፋንጋሳት ንኹላትና ናብ ዞምቢ ከይቕይሩና ይኽእሉ እዮም፡ ካብ ረኽሲ ኣጻብዕቲ እግሪ ኣዝዮም ዝሓየሉ ጸገማት ከስዕቡ ከም ዝኽእሉ ግን ንጹር እዩ።