ማሪታዊ 'ፈውሲ ጥይት' ዝተዋህቦ ሰብ ንፈተነ ብዝተተኰሰሉ ጥይት ተቐቲሉ

ባህላዊ መከላኸሊ ጥይት ዝዓጠቐ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ካብ ጥይት ይከላኸል'ዩ ብዝብል ባህላዊ ፈውሲ ዝወሰደ ወልቀሰብ ንፈተነ ብዝተተኰሰሉ ጥይት ከም ዝተቐትለ ጸብጻባት ካብ ናይጀርያ ሓቢሮም።

ፖሊስ ከም ዝበሎ ሓደ ባህላዊ ፈዋሲ፡ ነቲ ሰብ ካብ ጥይት ዝከላኸል 'ነጻግ ዓረር' ወይ 'ጋን ማሽን' ተባሂሉ ዝፍለጥ ማሪታዊ መከላኸሊ ሂብዎ።

ከም ዝከላኸለሉ ንምርግጋጽ ድማ፡ ብሓደ ኣብቲ ከባቢ ዝተሰንዐ ብረት ናብቲ ሰብ ጥይት ተኲሱ ክብሉ ሰብ መዚ ጸጥታ ይኸሱ።

እቲ ፈዋሲ ምስ ካልኦት ክልተ ጥርጡራት ተሓባበርቱ ምስቲ ቅትለት ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከም ዘለዉ ኣፈኛ ፖሊስ ኣሕመድ ዋኪል ገሊጹ።

በቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ሃገር ኣብ እትርከብ ዞባ ባውቺ ዝተፈጸመ ጉዳይ ዝድለዩ ዘለዉ ካልኦት ጥርጡራት ኣብ ምህዳን ከም ዘለዉ'ውን እቲ ኣፈኛ ሓቢሩ'ሎ።

ኣድማዕነት ናይቲ "ፈውሲ ጥይት" ንምርግጋጽ ዝተተኮሰሉ ወዲ 43 ዓመት ሙሃማዱ ዓሊ ምዃኑ ዋኪል ጠቒሱ።

ብዛዕባ'ቲ ተዂሲ ምስ ተሓበሩ፡ ኣባላት ፖሊስ ብቕልጡፍ ናብ ቦታ ፍጻመ ብምብጻሕ ነቲ ግዳይ ናብ ሆስፒታል ወሲዶሞ።

እንተዀነ ኣብቲ ሆስፒታል ምስ በጽሑ ድሮ ህይወቱ ከምዝ ሓለፈ ተረጋጊጹ።

ዝዀነ ሰብ ብኸምዚ ዝበለ ግጉይ እምነት "መዝሓል ጥይት" ከይከውን ህዝቢ ክጥንቀቕ ከም ዘለዎ ድማ እቲ ብዓል መዚ ፖሊስ ተማሕጺኑ።

እቶም ክሱሳት፡ መርመራ ድሕሪ ምክያዱ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ትጽቢት ይግበረሎም።

ትኣምር ሓይሊ ኣለዎ ዝብሃል ፈውስታት ማሪታዊ እምነታት ምጥቃም ኣብ ሕብረተሰብ ናይጀርያ ብሰፊሑ ዝርአ ንቡር ልምዲ'ዩ።

ንብዙሕ ጥዕናዊ ጸገማትን ማሕበራዊ ጉዳያትን ናብ ባህላውያን ፈወስቲ ወይ ጠንቋሎ ምኻድ ኣብታ ሃገር ልሙድ ባህሊ'ዩ።

እንተዀነ ግን፡ ብሰንኪ ከምዚ ዝበለ እምነታት፡ ብዙሓት ሰባት ብጥይት ከም ዝተቐትሉ ጸብጻባት ይሕብሩ።