እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ላዕለዎት ሰበስልጣኑ ካብ ሓላፍነቶም ከም ዘይወረዱ ገሊጹ
ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ዘካየዶ ምርመራ ቅድሚ ምዝዛሙ ኣብ ኢትዮጵያ ላዕለዎት ሰበስልጣኑ ብወለንታኦም ካብ ስልጣኖም ከም ዝለቐቝ ዝገልጽ ጸብጻብ ነጺጉ።
ቤት ጽሕፈት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኢትዮጵያ ብ6 ሰነ 2023 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያዊ ዋና ዳይረክተር እቲ ትካል ክላውድ ጊቢዳርን ምክትሉ ጀኒፈር ቢቶንን ካብ ስርሖም ከም ዘይተሰናበቱ ገሊጹ።
ናብ ትግራይ ዝተለኣኸ ሓገዝ ረድኤት፡ ካብ ዝግባኦ መዓላ ተኣልዩ፡ እናተሰርቀ፡ ናብ ዕዳጋ ወሪዱ ክሽየጥን ክልወጥን ከም ዝተራእየ ዝፍለጥ እዩ።
በዚ ምኽንያት እቲ ውድብ፡ ረድኤት ምቕራብ ደው ምባሉ ብዝምልከት ዘካይዶ መርመራ ቅድሚ ምዝዛሙ፡ እቶም ላዕለዎት ሰበስልጣን ካብ ሓላፍነቶም ክወርዱ ሕቶ ኣቕሪቦም ዝብል ጸብጻብ ድሕሪ ምውጽኡ እዩ ነዚ መግለጺ ሂቡ ዘሎ።
ይዅን እምበር፡ ዳይረክተር ክላውድ ጊቢዳር ዋላ’ኳ ኣብ ዕረፍቲ እንተሃለወ፡ ሕጂ'ውን ሰራሕተኛ ናይቲ ትካል ምዃኑ ሓቢሩ።
ብተመሳሳሊ ምክትሉ ጀኒፈር ቢቶንደ’ውን ክሳዕ ሕጂ ኣብ ስራሕ ከም ዘላ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት እቲ ትካል ገሊጹ።
እቲ ትካል ኣብ ትግራይ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ምግቢ ረድኤት ቅድሚ ሓደ ወርሒ ደው ከም ዘበለ ይፍለጥ። እዚ ድማ ንተጠቀምቲ ዝተላእከ ረድኤት መግቢ ኣብ ዕዳጋ ድሕሪ ምሻጡ እዩ።
ብተወሳኺ ብፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝህቦ ደገፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ነቶም ዘድልዮም ሰባት ጥራይ ክበጽሕ ዝሕግዝ ስርዓት ንምዝርጋሕ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።
ኣብ መፋርቕ ሚያዝያ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም እውን ኣብ ክልል ትግራይ ዝግብሮ ዝነበረ ሓገዝ መግቢ ከም ዘቋረጸ ኣፍሊጡ እዩ።
ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ረድኤት ንኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ ትካል ንተጠቀምቲ ዝተለኣኸ ሓገዝ መግቢ ተሰሪቝ ብዝብል ክሲ መርመራ ንምክያድ ስርሒታት ምክፍፋል ሓገዝ ደው ከም ዘበለ ገሊጾም ነይሮም።
ውፅኢት ናይቲ ምርመራ ዛጊት እኳ እንተዘይተገለጸ እቲ ትካል ብ 60 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ኣብቲ ክልል ከም ዘለዉ እዩ ኣፍሊጡ።
ንጥፈታት ዕደላ ረድኤት ብግሉጽ መገዲ ንምጅማር ድማ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብቐረባ ብምስራሕ ከም ዝቕጽል’ውን ገሊጹ።
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብሰኑይ ኣብ ትዊተር ገጹ፡ ምምሕዳሩ ሓገዝ መግቢ ንዘይተሓሰበ ዕላማ ምውዓሉ ብዝምልከት ምርመራ የካይድ ከም ዘሎ ሓቢሩ ኣሎ።
ብተወሳኺ ምስ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመርን ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ትሬሲ ጃኮብሰንን ዘተ ከም ዝገበሩ’ውን ጠቒሱ።
ኣቶ ጌታቸው፡ ውጽኢት እቲ ምርመራ ንህዝቢ ከም ዝግለጸን ረድኤት ዘጥፍኡ ውልቀሰባት’ውን ከም ዝሕተቱን ሓቢሩ።