ክርስትያኖ ሮናልዶ ብዓቢ ክፍሊት ናብ ሃገራዊ ጋንታ ስዑዲ ዓረብ 'ኣል ናስር' ተጸንቢሩ

ምንጪ ስእሊ, AL NASSER
ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ፖርቱጋል ክርስትያኖ ሮናልዶ ንሰለስተ ዓመት ናብ ክለብ ክለብ ስዑዲ ኣል ናስር ተጸንቢሩ።
ሮናልዶ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ነታ እንግሊዛዊት ክለብ ዝኾነት ማንቸስተር ዩናይትድ ድሕሪ ምንቃፉ'ዩ ምስታ ጋንታ ተፈላልዩ።
ሮናልዶ ምስታ ስዑዳዊት ክለብ ክፈርም ከሎ፡ ኣብ ዓመት ልዕሊ 210 ሚልዮን ዶላር ክኽፈሎ እዩ ተሰማሚዑ፡ እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ንሓደ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዝለዓለ ደሞዝ ክኽፈል ንፈለማ እዋን ምዃኑ ይንገር።
ወዲ 37 ዓመት ሮናልዶ፡ ብዛዕባ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝገበሮ ምግዓዝ፡ ኣብ ካልእ ሃገር ምስ ሓዳስ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ክጻወት ምዃኑ ከም ዘሕጉሶ ገሊጹ።
"ኣብ ኩዕሶ እግሪ ኤውሮጳ ክበጽሖ ዝደለኹ ኩሉ በጺሐ'የ። ተመኩሮይ ናብ ኣህጉር ኤስያ ንምስግጋር ሕጂ'ዩ ዝመስለኒ" ኢሉ።
9 ግዜ ተዓዋቲ ሊግ ኩዕሶ እግሪ ስዑዲ ዓረብ ዝኾነ ኣልናሰር ምስ ሮናልዶ ዝገበሮ ውዕል "ታሪኻዊ" ክብል ገሊጽዎ።
ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ክለብ፡ እዚ ስምምዕ "ንሊግና፡ ሃገርናን ቀጻሊ ወለዶ ኣወዳትን ኣዋልድን ብናቶም ደረጃ ዓቕሞም ዘሐይል'ዩ" ኢልዎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካልእ ስዑዳዊ ክለብ ‘ኣል ሂላል’ ንሮናልዶ 305 ሚልዮን ፓውንድ ክኸፍል እኳ እንተሓተተቶ፡ ንሱ ግን ምስ ዩናይትድ ብዘለዎ ርክብ ሕጉስ ምዃኑ ብምግላጽ ነጺግዎ እዩ።
ክርስትያኖ ሮናልዶ፡ ምስ ህቡብ ኣቕራቢ መደብ ቲቪ ፒየርስ ሞርጋን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ንኣስልጣኒ ማንቸስተር ዩናይትድን ኤሪክ ቴን ሃግን ኣኽብሮት ከም ዘይብሉን "ተጠሊመ" ድሕሪ ብምባሉን ዝሓለፈ ኣብ ሕዳር ካብታ ክለብ ተፈላልዩ።
ካብ ዩናይትድ ናብ ርያል ማድሪድ፡ ቀጺሉ ናብ ጁቬንቱስ ዝተሰጋገረ ሮናልዶ ቅድሚ ሓደ ዓመት ናብ ናይ ቀደም ክለቡ ተመሊሱ። ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ 346 ጸወታታት 145 ሸቶታት ኣመዝጊቡ።
ሮናልዶ ምስ ዩናይትድ ኣብ ባእሲ ምስ ኣተወ፡ ኣብ ሰሙን 500 ሽሕ ፓውንድ ይኽፈሎ'ኳ እንተነበረ፡ ግን ምስታ ጋንታ ክፈላለ ወሲኑ።
ክርስትያኖ ሮናልዶ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ቀጠር ኣብ ዝተዛዘመ ዋንጫ ዓለም ሓለቓ ሃገራዊት ጋንታ ሃገሩ ኮይኑ ተሰሊፉ፡ ኣብ 5 ውድድራት ዋንጫ ዓለም ሽቶ ብምምዝጋብ ክብረወሰን ኣመዝጊቡ'ዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
