ካማላ ሃሪስ፡ ኣብ ልዕሊ ጥዕና ትራምፕ ጸቕጢ ፈጢራ

ካማላ ሃሪስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ሕጽይቲ ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ፡ ጥዕንኣ "ኣብ ጽቡቕ ኩነታት" ከምዘሎ ዘረጋግፅ ሰነድ ጥዕናዊ መርመራኣ ዕላዊ ምግባራ፡ መወዳድርታ ዶናልድ ትራምፕ እውን ከምኡ ክገብር ፀቕጢ ይበጽሖ ኣሎ።

ሕጽይቲ ምክትል ፕረዚደንት ሰልፊ-ዲሞክራትስ ሃሪስ፡ መነሓንሕታ ዶናልድ ትራምፕ ውፅኢት መርመራ ሕክምና ብዘይምዝርግሑ፡ "ግልፅነት ከምዝጐድሎ" እያ ትኸስስ።

እታ ምክትል ፕረዚደንት ወሲኻ፡ ሰልፊ ሪፓብሊካን ዝዀነ ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ "ፕረዚደንት ክኸውን ብቑዕ ድዩ ኣይኮነን" ህዝቢ ኣመሪካ ክፈልጥ ከምዘይደሊ ገሊጻ።

ሓገዝቲ ትራምፕ ግን ሰነዳት ሕክምናኡ ኣመልኪቶም ምላሽ ሂቦም፤ ውልቃዊ ሓኪሙ ጥዕንኡ "ኣብ ኣዝዩ ፁቡቕ ኵነታት" ከምዘሎ ምግላፁ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣባላት ጉጅለ ጎስጓስ ትራምፕ፡ እቲ ሕፁይ ፕረዚደንት "ኣዝዩ ውፅኢታውን ጽዑቕን ጎስጓስ የካይድ ኣሎ" ብምባል ሃሪስ ክንድኡ ዝኣክል "ሓያል ዓቕምን ፀዋርነትን" ከምዘይብላ ነቒፎም።

ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሕጹያት ፕረዚደንት ዝካየድ ዘሎ ምልልስ ቃላት ዝተበገሰ፡ ቤት ጽሕፈት ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ንኣመሪካ ከም ፕረዚደንት ኮይና ንምግልጋል ዘድሊ ብቕዓት "ኣካላውን ኣእምሮኣውን ሓይሊ" ከምዘለዋ ዝሕብር ጥዕናዊ መርመራ ድሕሪ ምዝርግሓ ስዒቡ እዩ።

ንሰለስተ ዓመታት ሓኪም ሃሪስ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ኮሎኔል ሰራዊት ኣመሪካ ዶክተር ጆሹዋ ሲሞንስ፡ እታ ምክትል ፕረዚደንት ዘካየደቶ ዝተፈላለየ መርመራታት፡ "ጥዕይትን ንጥፍትን" ምዃና ዘመልክት ምዃኑ መስኪሩ።

ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ውጽኢት ሕክምና ሃሪስ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ወሃቢ ቃል ጎስጓስ ዲሞክራትስ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከምዚ ክብል ጽሒፉ፡ “ዶናልድ ትራምፕ፡ ሕጂ ድማ ናትካ ታራ 'ዩ"።

ዲሞክራትስ፡ ነቲ ወዲ 78 ዓመት ተወዳዳሪ ሪፐብሊካን ትራምፕ ብ‘እርጋንን ምዝሓል ኣእምሮን’ ክነቕፍዎ ፀኒሖም እዮም።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ኣብ ዝካየድ መረፃ እንተተዓዊቱ፡ ኣርባዕተ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ እንተብቅዕ፡ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ እቲ ዝዓበየ ፕረዚደንት ዝብል ክብረወሰን [ምስ ፕረዚደንት ጆ ባይደን] ክካፈል እዩ።

ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕን ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ንዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረፃ ኣመሪካ ንምዕዋት ይነሓንሑ ኣለዉ።

ክሳብ ሕጂ ዝተገብረ ህዝባዊ ዳህሳሳት፡ ካማላ ሃሪስ ንትራምፕ ብጸቢብ ትመርሖ ከምዘላ ዝሕብር ኰይኑ፡ ኣብተን ብርቱዕ ንሕንሕ ዘካይዱለን ኣገደስቲ ግዝኣታት ኣዝዩ ዝተቓራረበ ውፅኢት ኣለዎም።