ቀታሊ ስነ ጥበባዊ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ኒፕሲ ሃስል ን60 ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንስነ ጥበባዊ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ራፐር ኒፕሲ ሃስል ብምቕታል ገበነኛ ዝተባህለ ኤሪክ ሪከርደር ሆልደር ጁንየር [ንእሽቶ] ን60 ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ ።
ኤሪክ ራይት ሆልደር ጁንየር፡ ኣብ ሓምለ 2019፡ ኣብ ደቡብ ሎስ ኣንጀለስ ኣብ ዝርከብ መኽዘን ክዳውንቲ ንሃስል(ኤርሚያስ ኣስገዶም) ብምቕታሉ ብቐዳማይ ዲግሪ ቅትለት ተፈሪዱ።
ናይ ግራሚ ኣዋርድ ሕጹይ ሃስል ብኢድ ሰብ ካብዛ ዓለም ክፍለ እንከሎ ወዲ 33 ዓመት እዩ ነይሩ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ ክልተ ኣብቲ ኸባቢ ዝጸንሑ ሰባት እውን ተወቒዖምን ቈሲሎምን እዮም ።
ሆልደር ብቕትለትን ነቶም ክልተ መንገደኛታት ብምህራሙን ተኸሲሱ ንኣዋርሕ ዝኣክል ኣብ ቤት ፍርዲ ክመላለስ ድሕሪ ምጽንሑ ገበነኛ ብምዃኑ እዩ እቲ ፍርዲ ተበይንሉ።
ብሞት ክቕጻዕ እዩ ዝብል ትጽቢት'ኳ እንተዘይነበረ፡ ናይ ነዊሕ ዓመታት ማእሰርቲ ከጋጥሞ ምዃኑ ግን ብብዙሓት ክግመት ጸኒሑ እዩ።
ኣራንሾኒ ክዳን ዝተኸድነ ሆልደር ፍርዱ ምስ ተነበበሉ ምላሽ ኣይሃበን ።
ጠበቓኡ ግን ንማዕከን ዜና ኤቢሲ፡ ኣብቲ ዝተዋህቦ ብይን ይግባይ ክብል መደብ ከም ዘለዎ ገሊጹ ።
ዓቃብ ሕጊ ኣሮን ጃንሰን፡ "ህቡብነት እቲ መዋቲ ኣብ ግምት ብምእታው ኣጸጋሚ ክኽውን እዩ" ኢሉ ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣኽበርቲ ሕጊ ፈተነ ቅትለት፡ እቲ መጥቃዕቲ ብፍላጥ ዝተዋደደ እዩ ክብሉ እንከለው እቲ ናይ ሆልደር ጠበቓ ግን እቲ ኩነታት ዘበገሶን ዘንሃሮን እዩ ክብል ተማጒቱ።
ናይ ሆልደር ጠበቓ ግን፡ ሆልደር ምስ ሃስል ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ምስ ፖሊስ ይተሓባበር ኣሎ ዝብል ብዛዕብኡ ዝተናፈሰ ወረ ኣዝዩ ከምዘቖጥዖ ገሊጹ።
ሃስል እንተ ወሓደ 10 ሳዕ እዩ ብጠያይት ተወቒዑ፣ ድሕሪኡ እቲ ቐታሊ ንሃስል ኣብ ርእሱ ሃሪሙ ካብቲ ቦታ ከምዝሃደመ ናይ ሎስ ኣንጀለስ ምክትል ዓቃቢ ሕጊ ነቲ ቤት ፍርዲ ከም ዘረደአ ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ።
ኣብ ደቡብ ሎስ ኣንጀለስ ዝዓበየ ሃስል፡ ኣብ እዋን ንእስነቱ ኣባል ጉጅለ ሮሊን 60ታት ነይሩ።
ነቲ ሕብረተሰብ ንምኽሓስ ብዝገበሮ ወፍሪ ከኣ ማራቶን ክሎዚንግ ዝተባህለ ድኳን ከፊቱ።
ቅድሚ ሙማቱ፡ ኣብቲ ገዛውቲ ንዘጋጥም መጥቃዕቲ ንምክልኻል ምስ ፖሊስ ሎስ ኣንጀለስ ተዘራሪቡ ነይሩ።
ድሕሪ ሞቱ፡ ኣብ 2020፡ ብሉጽ ናይ ራፕ ደርፊ ኣወሃሃዲ ብዝብል ክልተ ናይ ግራሚ ሽልማታት ዝረኸበ ሃስል ካብ ተዋሳኢት ላውረን ሎንደን ክልተ ቆልዑ ገዲፉ እዩ ።
ኣብታ 'ዎክ ኦፍ ፈይም' እትብል ደርፉ ከኣ፡ ናይ ሆሊውድ ናይ ኮኾብ ሽልማት ተሸሊሙ እዩ ።
ሞት ሃስል ምስ ተሰምዐ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ደገፍቲ፡ ነቲ ደራፋይ ዘለዎም ኣድናቖትን ክብርን ገሊጸም እዮም።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
