ውድብ መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ሓገዝ መግቢ ከቕርብ ጀሚሩ

ረድኤት ዝቕበሉ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, WFP

Published

ውድብ መግቢ ዓለም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቋሪፅዎ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ንስደተኛታት ጥራይ ምሃብ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ኢትዮጵያውያን’ውን ሓገዝ መግቢ ምሃብ ክጅምር ይጽዕር ከምዘሎ ሓቢሩ።

እቲ ትካል ዝህቦ ዝነበረ ሓገዝ መግቢ ናብቶም ዝግብኦም ተጠቀምቲ ከይበፅሐ ንኻልእ ዕላማታት ይውዕል ከምዝነበረ ብምግላፅ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከምዘቋረፆ ይዝከር።

ውድብ መግቢ ዓለም፡ ዳግም ረድኤት መግቢ ከቕርብ ዝጀመረ "ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ስደተኛታት ምስ ዕደላ ረድኤት ተታሓሒዙ ዓብዪ ለውጢ ስለዝተገበረ" ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ተሓጋጋዚት ፈጻሚት ስራሕ እቲ ትካል፡ ቫለሪ ጓርነሪ፡ “ሓገዝ መግቢ ነቶም ኣብ ከቢድ ኩነታት ዝርከቡ ስደተኛታት መሰረት ህይወቶም እዩ። ኣብዚ እዋን ነቲ ቀረብ ንኽንጅምሮ ዘኽእሉና ኣገደስቲ ስጉምትታት ኣብ ግብሪ ብምውዓልና ዕረፍቲ ተሰሚዑናሎ" ኢላ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ተቛሪጹ ዝነበረ ሓገዝ መግቢ ዳግማይ ምጅማሩ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ኣስታት 900 ሽሕ ስደተኛታት ቀረብ መግቢ ክበፅሕ ዘኽእል’ዩ ተባሂሉ’ሎ።

ኢትዮጵያ መብዛሕትኦም ካብ ሶማልያ፣ ደቡብ ሱዳንን ኤርትራን ዝመጽኡ 850 ሽሕ ስደተኛታት ዝነብሩላ ኮይና፡ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ድማ ካብ ሱዳን ዝመፅኡ ኣስታት 35 ሽሕ ስደተኛታት ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ ከምዘድልዮም እቲ ትካል ኣፍሊጡ።

ኣብ ሸውዓተ ክልላት እታ ሃገር ምክፍፋል መግቢ ከምዝጅመርን ተጠቀምቲ ከም ጥራምረ፣ ዘይቲ ኣትክልትን ጨውን ዝበሉ ሓገዛት ክወሃቦም ምዃኑን ፕሮግራም መግቢ ዓለም የመልክት። ንገሊኦም ከኣ ክፋል ናይቲ ዝግብኦም ሰብኣዊ ሓገዝ ብጥረ ገንዘብ ክወሃቦም እዩ።

እቲ ሓገዝ ንተጠቀምቲ ክውዕል ንምግባር እተን ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝርከባ 24 መኽዘናት መግቢ ብፕሮግራም መግቢ ዓለም ክመሓደራ ዝግበር ኮይኑ ሓበሬታ ተጠቀምቲ ድማ ብዘመናዊ መንገዲ ቁጽጽር ክግበረሉ እዩ።

ንስደተኛታት ጥራይ ሓገዝ ክህብ ጀሚሩ ዘሎ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ሓገዝ መግቢ ንዘድልዮም ሚልዮናት ኢትዮጵያውያን እውን ደገፍ ምሃብ ክጅምር ዘኽእሎ ስርዓት ኣብ መስርሕ ፈተነን ምትግባርን ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

ልክዕ ከምኡ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘቕርቦ ዝነበረ ሰብኣዊ ረድኤት ደው ኣቢልዎ ዝፀንሐ ኣመሪካዊ ትካል ‘ዩኤስኤ ኣይዲ’ (USAID) እውን ንስደተኛታት ዝግበር ሓገዝ ዳግማይ ክጅምር ከምዝወሰነ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዘፍለጠ ይዝከር።

‘ዩኤስኤ ኣይዲ’ ነቲ ረድኤት ክቕፅሎ ዝወሰነሉ ምኽንያት መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ኣብ ኣሰራርሓ ቀረብ ረድኤት መግቢ ንስደተኛታት ለውጢ ስለዝገበሩ ከምዝኾነ ብምሕባር “መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ረድኤት ስደተኛታት ናይ ምጉዓዝ፣ ምኽዛንን ምክፍፋልን ዕዮ ንኻልኦት መሻርኽቲ ኣሕሊፉ ብምሃቡ እዩ” ክብል ኣረዲኡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ቀጻሊ ድርቂ፣ ኩናትን ግጭትን ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ኣስታት 20 ሚልዮን ሰባት ሓገዝ መግቢ ከምዘድልዮም መረዳእታታት ትካላት ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።

ኣብታ ንኣስታት ክልት ዓመት ብዂናት ዝተሃስየት ትግራይ ድማ፡ ምቁራፅ እቲ ረድኤት ስዒቡ፡ ልዕሊ 1400 ብጥሜት ከምዝሞቱ ክልላዊ ሓለፍቲ ንቢቢሲ ምግላጾም ዝዝከር እዩ። ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝተመዛበሉ ሰባት ድማ ኣብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ኩነታት ከምዝርከቡ ጸብጻበት ይሕብሩ።