ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ስደተኛታት እትህቦ ረዲኤት ክትቅጽሎ ምዃና ኣፍሊጣ

ተቐበልቲ ረዲኤት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብ ኢትዮጵያ ዝህቦ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣቋሪጹ ዝርከብ ትካል ዓለምለኻዊ ልምዓት ኣመሪካ (ዩ-ኤስ-ኣይ-ዲ) ንስደተኛታት ዝህቦ ረድኤት ደጊሙ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመት ሰብኣዊ ሓገዝ ብምሃብ ብቐዳምነት ዝጽዋዕ ትካል፡ መጀመርታ ኣብ ትግራይ እዩ ዕደላ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣቋሪጹ።

ቀጺሉ ድማ ቅድሚ ሓያለ ኣዋርሕ ኣብ መላእ እታ ሃገር ምክፍፋል ሰብኣዊ ረድኤት ደው ኣቢሉ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት'ውን ዕደላ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ከምዘበለ ይፍለጥ። ክልቲኦም ትካላት ኣብታ ሃገር ዝቐርብ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝለዓለ መጠንን ዝተዋደደ መንገዲን ኣብ ዘይመዓልኡ ውዒሉ ዝብል ክሲ ምቕራቦም ዝዝከር እዩ።

ብሰንኪ እቲ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ጎንጽታትን ድርቅን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ተጸበይቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ኮይኖም እዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምቁራጽ እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ተቐባልነት ዘይብሉ ፖለቲካዊ ስጉምቲ እዩ ክብል ነቒፍዎ ነይሩ።

ትካል ዓለምለኻዊ ልምዓት ኣመሪካ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ዕደላ ሰብኣዊ ሓገዝ ደጊሙ ንምጅማር ከምዝወሰነኳ ገሊጹ እንተሃለወ፡ እቲ ቀረብ ግን ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ስደተኛታት ጥራይ ዝምልከት ከምዝኾነ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓገዝቱን ኣብቲ ናብ ስደተኛታት ሓገዝ ዝቐርበሉ ኣገባብ ለውጢታት ብምግባሮም ኣብዚ ውሳነ ከምዝተበጽሐ ዝሓበረ መግለጺ ዩኤስኣይዲ፡ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ምጉዕዓዝ፣ ምኽዛንን ምክፍፋልን ሰብኣዊ ሓገዝ ብካልኦት ሓገዝቲ ኣካላት ክስራሕ ብምግባሩ” ከምዝኾነ ጠቒሱ።

እቲ ኣብ ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝተገበረ ለውጢ፡ ቀረብ ብትኽክል ናብ ተጠቀምቲ ምብጽሑ ንምቁጽጻር ብዘኽእል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

“ሓገዝ ምግቢ ኣብ ዘድልዮም ከባቢታት ኢትዮጵያ፡ ሓገዝ ነቶም ዝግበኦም ተጠቀምቲ ከምዝበጽሕ መረጋገጺ ክሳብ እንረክብ ተቋሪጹ ክጸንሕ እዩ” ኢሉ።

ዋላኳ እቲ ረድኤት እንተተቋረጸ ሃነጽቲ ምግብታት ሓዊሱ ካልኦት ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝቐርቡ ሓገዛት ግን ክቕጽሉ እዮም ተባሂሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ዘቕርቡ ትካላት ብዋናነት ዝጥቀስ እቲ ኣመሪካዊ ትካል፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፈረንጂ መብዛሕትኡ ብሓገዝ መግቢ መልክዕ ዝቐረበ ኣስታት 1.5 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ደገፍ ገይሩ።

ኣብታ ሃገር በምኽንያት ድርቅን ኲናትን ንጸገም ዝተቓልዑን ሓገዝ መግቢ ዘድልዮምን ኣስታት 20 ሚልዮን ዜጋታት ከምዘለዉ ጽብጻባት ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።

ኢትዮጵያ፡ ካብ ሶማልያን፡ ኤርትራን ዱቡብ ሱዳንን ዝመጽኡ ልዕሊ 900,000 ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቑባን ኣዕቊባ ዘላ ሃገር ምዃና ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይሕብር። ኣስታት 18 ሚእታዊት ካብዚኦም ኤርትራውያን ምዃኖም ሓበሬታ ትካል ስደተኛታት እቲ ውድብ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ይጠቅስ።