ዘቤታዊ መጥቃዕቲ ስዒራ ንግስቲ ሙዚቃ ዓለም ዝዀነት ቲና ተርነር

ምንጪ ስእሊ, Reuters
‘ዋትስ ላቭ ጋት ቱ ዱ ዊዝ ኢት’፡ ‘ዘ ቤስት’ ብዝብሉ ዘመን ተሳገርቲ ሙዚቃታት እትፍለጥ ንግስቲ ሙዚቃ ሮክ ኤንድ ሮል ቲና ተርነር ኣብ መበል 83 ዓመታ ዓሪፋ።
እታ ስነጥበባዊት ካብ ቀረባ ዓመታት ንነጀው ብሕማማት መንሽሮ፣ ስትሮክን ኵሊትን ሓዊሱ ብርክት ብዝበሉ ጸገማት ጥዕና ክትሳቐ ጸኒሓ እያ።
ቲና፡ ብ1960 [ኣ.ኤ] እያ ኣብ መድረኽ ሙዚቃ ክትነግስ ጀሚራ።
ዘመን፡ ትውልዲ፡ ቋንቋ ዘይደረቶም ፕራውድ ሜሪ፡ ሪቨር ዲፕ፡ ማውንቴን ሃይ ዝብሉ ስራሓታ ኣብ ኢንዳስትሪ ሙዚቃ ናይ ባዕሎም ኣሰር ኣንጺፎም’ዮም።
ናብ ሙዚቃ ክትኣቱ እንከላ ምስ በዓል ቤታ ኢክ እያ ነይራ፤ እንተዀነ እቲ ብርክት ዝበሉ ጾታዊ መጥቃዕታት ዘውረደላ በዓል ቤታ ብ1978 ፈቲሓቶ።
ኣብ 1980ታት ድማ ንበይና ኰይና ዝያዳ ዕውትቲ ስነ ጥበባዊት ክትከውን በቒዓ።
ንግስቲ ሙዚቃ ሮክ ኤንድ ሮል ዝብል ሽም ዘትረፈት ቲና ተርነር፡ ኣዝዩ ብዝትንክፍ ድምጻን ፍሉይ ኣቀራርባ መድረኽን ሰማዕቲ ዘይርስዑዎም ስራሕቲ ሙዚቃ ኣፍሪያ እያ።
ቲና፡ ከም ዝዓረፈት ዝገልጽ ዜና ብኢንስተግራማ ተዘርጊሑ።
“ብሙዚቃ ከምኡ’ውን ደረት ብዘይብሉ ፍቕሪ ህይወት ኣብ ዓለም ሚልዮናት ኣፍቀርቲ ኣፍርያ እያ። ከምኡ’ውን ንመጻኢ ወለዶ መገዲ ከፊታ፣ ኣለዓዒላ እያ” ይብል እቲ ምስ ዜና ዕረፍታ ዝሰፈረ ጽሑፍ።
“ሎሚ ፍትውቲ መሓዛና ክንሰናበታ ኢና። ዓቢይ ስራሕ ህይወታ ዝዀኑ ሙዚቃታት ዝገደፈትልና ቲና ተሰናቢትናያ ኣለና” ይብል።
ቲና ተርነር፡ ንሙዚቃ ብዝተጻወተቶ እጃም ሸሞንተ ሽልማት ግራሚ ተዓዊታ እያ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ንመድረኽ ሙዚቃ ዝመርሓ ኣብ ልዕሊ ዘለዋ ቢዮንሴ፡ ጃኔት ጃክሰን፡ ጃኔል ሞኔን ሪሃናን ኣስተዋጽኦ ከም ዝገበረት እተን ስነ-ጥበባውያን ይዛረባ።
እታ ስነጥበባዊት ብዘበርከተቶም ሙዚቃታት፡ ነጻነት እንታይ ማለት ምዃኑ ከም ዘምሃረትን መርኣያ ጽንዓትን ሓይልን ከም ዝዀነትን ብምግላጽ ብዙሓት ሓዘኖም ይገልጹ ኣለው።
ን30 ዓመታት ኣካያዲ ስራሕ ቲና ዝነበረ ሮጀር ዴቪስ “ቲና ብሓይላ፡ ብዘገርም ጉልበታን ዓቢይ ክእለታን ከምኡ’ውን ዘገርም ተፈጥሮኣዊ ሓይሊ ዝነበራ እያ። ካብ ዝተላለናሉ ግዜ (1980) ጀሚሩ ብዙሓት ዘይብሎም ንሳ ግን ምሉእ ብምሉእ ብርእሳ ትትኣማመን ነይራ። ኣዝየ ክናፍቓ እየ” ኢሉ።
ህብብቲ ሞዴል ናኦሚ ካምቤል፡ ተጻዋቲ ኩዕሶ ስክዒት ማጂክ ጆንሰንን ስነጥበባውያን ኬሊ ሮውላንድ፡ ሲያራን ካልኦትን’ውን ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
በዳሂ ግዘ ቁልዕነት
ቲና ተርነር ኣብ ገጠር ቴኔሲ እያ ብ26 ሕዳር 1939 [ኣ.ኤ] ተወሊዳ።ሽማ ኣና ሜ ቡለክ እዩ።
ኣቡኣ ፍሎይድ ኣብ ሕርሻ እቲ ከባቢ ይሰርሕ ነይሩ። እዋን ቁልዕነታ ሕልኽላኽ ዝበዝሖ'ዩ ነይሩ።
ወለዳ ኣብ ፋብሪካ ወተሃደራዊ ዕጥቂ ክሰርሑ ንዓባይ ሓብታ ኤሌኒ ሒዞም ክኸዱ እንከለው ተፈላልየን።
ኣና ድማ እቶም ብሃይማኖት ኣዝዮም ጥቡቓት ዝዀኑ ኣቦሓጐን እኖ ሓጐን ወሲዶምዋ።
ድሕሪ ኲናት፡ ምስ ወለደን ክሕወሳ እንከለዋ፡ ኣና ኣብ ቤተ ክርስቲያን ትዝምር ነይራ፤ ቲና ጓል 11 ዓመት እንከላ ወለዳ ተፋቲሖም፤ ኣቦኣ ድማ ካልእ ሰበይቲ ተመርዕዩ።
ኣናን ሓብታን ድማ ምስ እኖ ሓጐአን ክነብራ ጀሚረን።
ቲና፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምስ ኵሉ ተሓዋዋሲትን ተጻዋቲት ኩዕሶ ስኪዐትን ኰይና።
ብ1958 ምስ ተመረቐት ኣብ ሴንት ሉዊስ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል፡ ነርስ ኰይና ተቘጺራ።
ካብ ዘቤታዊ መጥቃዕቲ ዝሃደመት ቲና
ምስ ሓብታ ዝኸዳኦ ዝነበራ ሓደ ለይቲ ትልሂት፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣይክ ተርነር ምስ ባንድ ሙዚቃ ‘ዘ ኪንግስ ኦፍ ሪትም’ ክደርፍ ርእያቶ።
ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣይክ ሽም ዘጥረየ ደራፊ’ዩ ነይሩ፤ እቲ ባንድ’ውን ኣብ ሙዚቃ 'ኣር ኤንድ ቢ' ዓቢይ ጠለብ ነይሩዎ።
ሓደ ምሸት፡ ኣና ሜይ ኣብቲ መድረኽ ክትደርፍ ማይክ ተዋሂቡዋ፤ ኣቀራርባኣ ዝመሰጦ ኣይክ ምስቲ ባንድ ክትደርፍ ዕድመ ኣቕሪቡላ።
ኣብቲ ግዜ፡ ምስ ተጻዋቲ ሳክስፎን እቲ ባንድ ሬይመንድ ሂል ርክብ ነይሩዋ፤ ካብ ሬይመንድ ቈልዓ ወሊዳ እያ።
ብ1958፡ ተቐባሊት ኰይና ናይ መጀመርታ ሙዚቃ ሰሪሓ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ግን ‘ፉል ኢን ላቭ’ ዝተባህለ ብተርነር ዝተደርሰ ሙዚቃ ተጻዊታ።
ድሒሩ ኣይክ፡ ሽማ ናብ ቲና ክትቅይር ኣእሚኑዋ። እዚ ንዓኣ ካብ መጥቃዕቲ ኣፍቀርቱ ዝነበራ ውልቀሰባት ንምክልኻል ዝተወስደ ስጕምቲ ከም ዝነበረ ገሊጹ’ዩ።
‘ፉል ኢን ላቭ’ ኣብ ሰደቓ ቢልቦርድ መበል 27 ክበጽሕ እንከሎ፡ ‘ኢትስ ገነ ዎርክ ኣውት ፋይን’ ድማ ካብ 20 ብሉጻት እቲ ሓደ ብምዃን ግራሚ ተዓዊቱ እዩ።
ደሓር ምስ ኣይክ ዝምድና ጀሚራ፤ ሽዑ ንሱ መበል ሓምሸይቲ ሰበይቱ ፈቲሑ ነይሩ።
ክልቲኦም ድማ ኣብ 1962 ተመርዒዮም። ብሓባር ብምዃን ድማ ኣብ ሙዚቃ ሰለስተ ዕውታት ዓመታት ኣሕሊፎም።
ቲና፡ ንብሕታ ኣብ ምድላዋት ቴለቪዥን ኣሜሪካ ሙዚቃ ከተቕርብ ምስ ጀመረት፡ ብድምጺ ቲና ዝተመሰጠ ፕሮዲዩሰር ፊሊፕ ስፔክተር ኣብ ስቱዲዮ ሙዚቃ ክትሰርሕ ኣእሚኑዋ።
ኣይክ ግን፡ ኣብ ልዕሊ ቲና ተቘጻጻሪ ናይ ምዃን ባህሪ የርኢ ስለ ዝነበረ፡ ካብቲ ስቱዲዮ ንኽትርሕቕ ንስፔክተር ገንዘብ ከፊልዎ።
ኣይክን ቲና ተርነርን፡ ኣብ ዓበይቲ መድረኻት ዓዲ እንግሊዝ ስርሖም ከቕርቡ ጀሚሮም።
ኣብ መፋርቕ 1970ታት ግን ኢክ ብልዑል መጠን ኣብ ኣልኮልን ኮኬይንን ጽግዕተኛ እናዀነ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ስራሕን በዓልቲ ቤቱ ዘርእዮ ዝነበረ ናይ ምቍጽጻር ባህሪ ድማ ናብ ዘቤታዊ ዓመጽ እናምርሐ መጺኡ።
ነፍሰ ጾር እንከላ ብሓጺን መስጥሒ ክዳን ወቒዑዋ፤ ብዝፈልሐ ቡን ድማ ኣንዲድዋ።
ኣብ ሓምለ 1976 ግን ቲና፡ ካብቲ ገዛ ሃዲማ ብምውጻእ ንኣዋርሕ ምስ መሓዙታ ተሓቢኣ፤ ክሲ ፍትሕ ድማ ሓቲታ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ ሽዑ ንደሓር ንበይና ክትጓዓዝ ጀሚራ፤ ኣብ መጀመርታ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኰይኑ እያ ረኺባቶ።
“ብዙሓት ሰባት ቲና ተርነር ታሪኽ ኰይና እያ ኢሎም ሓሲቦም ነይሮም። ኣይክን ቲና ተርነርን ስለ ዝፈልጡ እንታይ ይኸውን ኣሎ ኣይተረድኦምን ነይሩ። ስለዚ ንርእሰይ ክፍትን ነይሩኒ” ክትብል ንመጽሄት ጀርመን ቮጉ ተዛሪባ ነይራ።
ክልተ ኣልበማት ሰደቓ ቢልቦርድ ከይሓዙ ተሪፎም። ‘ለትስ ስተይ ቱጌዘር’ ዝብል ብ1983 ዝሰርሓቶ ሙዚቃ ዳግም ምጥጣዕ ኪነ ጥበባዊ ስርሓ ኰይኑ።
ኣብ ለንደን ዝሰተርሐ ‘ፕራይቨት ዳንሰር’ ዝብል ርእሲ ዝተዋህቦ ኣልበም ድማ ሸውዓተ ሰደቓታት ሙዚቃ ብምቍጽጻር ኣብ ዓለም ዓበይቲ መገሻታት ክትገብር ኣኽኢሉዋ።
ኣብ መበል 61 ዓመታ ብኸፊል ጥሮታ ትወጽእ ምህላዋ ወግዓዊ ገይራ።
ተምሳሌት ‘ፈሚኒስት’ ተባሂላ እትንኣድ ቲና ተርነር፡ ብ2008 ኣብ መድረኻት ሽልማታት ግራሚ ብምድራፍ ናብ መድረኽ ተመሊሳ።
ኣብቲ ግዜ፡ መበል 50 ዓመት ናይ ሙዚቃ ጕዕዞኣ ንምጽንባል ድማ መገሻታት ገይራ።
ብ2013 ኣብ መበል 73 ዓመታ ኣብ ሽፋን መጽሄት ቮጉ ዝወጽአት ብዕድመ ዝዓበየት ሰብ ኰይና።
“ክሳብ ዝኣርግ ንእርጋን ኢደይ ኣይህብን። ገና ኣይኣረግኩን” ምባላ ይዝከር።
ቲና፡ ድሕሪ 27 ዓመታት ምስኣ ኣብ ፍቕራዊ ዝምድና ንዝጸንሐ ኤክስኪውቲቭ ፕሮዲውሰር ኤርዊን ባች ተመርዕያ።
በዚ ምኽንያት ኣሜሪካዊ ዜግነታ ገዲፋ ስዊዘርላንዳዊት ኰይና እያ።
ብ2020፡ ን’’ ‘ዋትስ ላቭ ጋት ቱ ዱ ዊዝ ኢት’ ደጊማ ሰሪሓቶ። እዚ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝርዝር 40 ቀዳሞት ሙዚቃታት ክኣቱ እንከሎ፡ በዚ ኣብ ሸውዓተ ዝተፈላለዩ ዓሰርታት ዓመታት ውጽኢታዊት ዝዀነት ፈላመይቲ ስነ ጥበባዊት ክትከውን ኣኽኢሉዋ።
ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ መሰል ዋንነት ስራሕታ ንምምሕዳር መሰላት ቢኤምጂ ብልዕሊ 50 ሚልዮን ዶላር ሸይጣቶ።
ቲና ተርነር ቅድሚ ሞታ፡ ኣብ ለንደን ዛንታ ናይቲ ንምእማኑ ዘጸግም ህይወታ ዝነግር ሙዚቃዊ ፊልም ተሰሪሑ እዩ።
ሓደ እዋን ብዛዕባ እቲ ንዓመታት ዝሓለፈቶ ቃልስን ግህሰትን ተሓቲታ።
"ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ኣብ መስመር ጸኒሐ፤ ምኽንያቱ ኣብ ውሽጠይ ክሓይሽ ከም ዝኽእል ዝነግረኒ ነገር ስለ ዝኣምን እየ" ኢላ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
