እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ወተሃደራት እስራኤል ንሓደ ዝተወግአ ፍልስጤማዊ ኣብ ቅድሚት መኪናኦም ኣሲሮም ምውሳዶም ቍጥዐ ፈጢሩ
ሰራዊት እስራኤል፡ ሓይልታቱ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ከተማ ጀኒን ኣብ ዘካየዶ ወፍሪ ንሓደ ዝቘሰለ ፍልስጤማዊ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚት መኪናኦም ኣሲሮም ብምውሳድ ወተሃደራዊ ዲሲፒሊን ከምዝጠሓሱ ገሊጹ።
ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል እቲ ፍጻመ ብቪድዮ ተቐሪጹ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ’ዩ ኣሚኑ።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ እቲ ሰብኣይ ኣብቲ ወፍሪ ብዝተገበረ ምልውዋጥ ተዅሲ ከምዝቘሰለን፣ ኣብዚ ወራር እዚ ጥርጡር ከምዝነበረን ይሕብር።
ስድራ እቲ ዝተጐድአ ሰብኣይ፡ ኣምቡላንስ ክወሃቦም ኣብ ዝሓተትሉ ግዜ፡ ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ ቅድሚት መኪናኦም ኣሲሮሞ ከም ዝኸዱ ይዛረቡ።
እቲ ሰብኣይ ኣብ መወዳእታ ናብ ማእከል ሕክምና ዝተወሰደ ኰይኑ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ እቲ ፍጻመ ክምርመር ምዃኑ ሓቢሩ።
ሮይተርስ ዘዘራረቦም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፡ እቲ ሰብኣይ ወዲ እቲ ዓዲ ከምዝዀነን ሙጃህድ ኣዝሚ ከምዝበሃልን ገሊጾም።
"ሎሚ ንግሆ [ቀዳም]፡ ኣብ ከባቢ ዋዲ ቡርኪን ጥርጡራት ንምሓዝ ኣብ ዝተኻየደ ስርሒታት ጸረ-ሽበራ፡ ኣሸበርቲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ሰራዊት እስራኤል ተዅሲ ከፊቶም፡ ንሳቶም ድማ ብተዅሲ ምላሽ ሂቦም" ይብል መግለጺ ሰራዊት እስራኤል።
"ኣብ እዋን ምልውዋጥ ተዅሲ፡ ሓደ ካብቶም ጥርጡራት ቆሲሉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።"
እንተዀነ፡ ወተሃደራዊ ስነ-ምግባር ብምጥሓስ፡ እቲ ጥርጡር ኣብ ልዕሊ መኪና ተኣሲሩ ብሓይልታት ከምዝተወስደ እቲ መግለጺ የመልክት።
"ኣብ ቪድዮ ናይቲ ፍጻመ ዝርአ ተግባራት እቶም ሰራዊትና ኣካይዳኦም ምስ ክብርታት ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ዝሰማማዕ ኣይኮነን። እቲ ፍጻመ ክምርመርን ብኡ መሰረት ክእለን እዩ" ኢሉ።